ድለ

እስራኤል ንሰራሕተይናታት ረድኤት ዒላማ ድሕሪ ምግባራ ‘ዘሕዝን ጌጋ’ እያ ትብል እስራኤል ንሰራሕተይናታት ረድኤት ዒላማ ድሕሪ ምግባራ ‘ዘሕዝን ጌጋ’ እያ ትብል  (AFP or licensors)

እስራኤል ንሰራሕተይናታት ረድኤት ዒላማ ድሕሪ ምግባራ ‘ዘሕዝን ጌጋ’ እያ ትብል

ሰራዊት እስራኤል ዕለት 1 ሚያዝያ ኣብ ልዕሊ ሰብኣዊ ረድኤት ዝጸዓና ማካይን ብዘውረዶ መጥቃዕቲ 7 ሰራሕተይናታት ረድኤት ‘ማእከላይ ክሽነ ዓለም’ ድሕሪ ምቕታሉ፡ ነቲ ዝተፈጸመ ናይ ነፈርቲ መጥቓዕቲ ብጌጋ ዝተፈጸመ እንክብል ከም እተኣመነሉ ተሓቢሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ወሃቢ ቃል መንግስቲ እስራኤል፡ ቀዳሞት ርኽበታት ከምዘርእዮም፡ ብሰንኪ እቲ ዝተውሃበ፡ ‘ጌጋ ምልላይ’ ዝወረደ ሞት ‘ዘሕዝን ጌጋ’ እንክብል ከም ዝገለጾን እቲ መስራቲ ትካል ግብረ ሰናይ ብወገኑ፡ ጌጋ ቢልካ ክትቕበሎ ዘይከኣል ብትኽክል ዒላማ ዝገበረ መጥቓዕቲ ሞት እዩ ነይሩ እንክብል መግለጺ ክህብ እንከሎ፡ ኣብ ካልእ ቦታታት፡ ሰብኣዊ ሓገዝ ሕቡራት ሃገራት፡ ነቲ ፍጻመ ስዒቡ ኣብ ቓዛ ብለይቲ ዝካየድ ዝነበረ ምንቅስቓስ ረድኤት ደው ንኸብል እውን ከም እተገደን ናይ ሕቡራት ሃገራት ዋና ጸሓፊ ኣንቶኒዮ ጎተረሽ ወሃቢ ቃል ስተፋን ዱጃሪክ፡ እቲ ዝተፈጸሞ ናይ ሞት መጥቃዕቲ መሰረት ኣብ ባይታ ንዝርከቡ ኣባላት ሕቡራት ሃገራት ዝጸለዉ ጉዳያት ጸጥታ ዝያዳ ገምጋም ንኽግበር ዝድርኽ ምዃኑ ገሊጹ።

እቲ ኲናት ኣብ ቃዛ ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ፡ ዳርጋ 196 ሰራሕተይናታት ረድኤት ከም ዝተቐትሉን፡ ካብዚኦም እቶም 175 ኣብ ትካላት ሕቡራት ሃገራት ዝሰርሑ ምዃኖን ክሕበር እንከሎ፡ ኣቐዲሞም ናይ ዮርዳኖስ ንጉስ ዓብደላ ዳግማውን ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒዮ ጉተረሽን ኣብ ሰብኣዊ ረድኤትን ናይ ግብረ ሰናይ ትካላትን ዝተዋፈሩ ሰራሕተይናታት ምክልኻል ከምዘድሊ ብኣጽንዖት ገሊጾም ከም ዝነበሩ ድማ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

06 April 2024, 17:28