ድለ

ናይጀርያ ህጻናት ንምክልኻል ወሳኒ ስጉምቲ ክትወስድ ዩኒሰፍ ጻውዒት የቕርብ ናይጀርያ ህጻናት ንምክልኻል ወሳኒ ስጉምቲ ክትወስድ ዩኒሰፍ ጻውዒት የቕርብ  (AFP or licensors)

ናይጀርያ ህጻናት ንምክልኻል ወሳኒ ስጉምቲ ክትወስድ ዩኒሰፍ ጻውዒት የቕርብ

ናይ ህጻናት ጉዳይ ዝሓልይ ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገርት ትካል ጨንፈር ናይጀሪያ ኣብ ናይጀርያ ንዝርከቡ ህጻናት ንምክልኻልን ብቑዕ ትምህርቲ ንኽረጋገጸሎም መንግስቲ እታ ሃገር ‘ወሳኒ ስጉምቲ’ ክወስድ ጻውዒት ከም ዘቕረበ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተ ዓመታት ኣብ ናይጀሪያ ብሰንኪ መጥቃዕቲ ኣብያተ ትምህርቲ 180 ህጻናት ክሞቱ እንከለዉ፡ ልዕሊ 1680 ድማ ከም ዝተጨውዩ ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ጉዳያት ህጻናት መዋሊ ትካል ጨንፈር ናይጀሪያ ኣብ ዘውጽኦ ሓድሽ ጸብጻብ ኣመላኺቱ፥ ኣስታት 60 ሰራሕተይናታት ኣብያተ ትምህርቲ ከምዝተጨውዩን 14 ከምዝተቐትሉን ልዕሊ 70 መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ኣብያተ ትምህርቲ ከም እተፈጸመን ይሕብር።

እቲ ጸብጻብ 276 መብዛሕትአን ክርስትያን ደቂ ኣንስትዮ ዝኾና ተማሃሮ ኣብ ዞባ ቺቦክ ክፍለ ግዝኣት ቦርኖ ብእስላማዊ ግብረሽበራዊ ጉጅለ ቦኮ ሓራም ዝተጨወያሉ ዝኽሪ ዓስራይ ዓመት ምኽንያት ዝወጸ ኮይኑ፡ እዚ ድሕሪ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ግዝኣት ካዱና ዝተፈጸመ ካልእ ጭውያ ህጻናት ቤት ትምህርቲ ዝተፈጸመ ምዃኑ ነቲ ጸብጻብ ጠቒሱ ዘዘኻኸረ ዜና ቫቲካን፥ መጥቃዕትን ጭውያታትን ሓድሓደ ግዜ ምስ ስነ-ሓሳባዊ ወይ ማሕበራዊ ግርጭታት ዝተኣሳሰር ክኸውን ከሎ፡ ብዙሕ ግን ኮነ ተባሂሉ ቁጠባዊ ድራኸ ብዘለዎም ኣገባብ ብናይ ገበን ጉጅለታት ዝፍጸም ከም ዝኾነን ገበነይናታት ጕጅለታት ዝፍጸም ኮይኑ እዚ ድማ እቶም ናይ ገበን ጉጅለታት ነቶም ጅሆ ዝሕዝወም ናጻ ክልቀቝ ገንዘብ ከም ዝሓቱን ነዚ ተግባር እዚ ከም መጋበርያ እቶት ከም ዝጥቀምሉ የመላኽት።

ኣቢያተ ትምህርቲ ብስግኣት ድሕነት ህጻናት ኣብ ሓደጋ

እቲ ኣብ ናይጀርያ ዝርከብ ንድሕንነት ኣብያተ-ትምህርቲ መዐቀኒታት - ናይ ምቍጽጻር ጉዳይ ዝምልከት ካብ ወርሒ ሓምለ - ወርሒ ታሕሳስ 2023 ዓ.ም. ዘጠቓለለ ጸብጻብ ከም ዝሕብሮ፥ "ነቲ መንግስቲ ኣብተን ኣብ ሰሜናዊ ዞባ ናይጀሪያ ዝርከባ ዓሰርተ ግዝኣታት መሰረት ገይሩ ኣብ ዝሃቦ ገምጋም፡ ነቲ ናይጀርያ ኣብ ምምዕባል ትምህርቲ ዝረኸበቶ ዓወታት፡ እንኮላይ ምውሳኽ ቁጽሪ ተማሃሮ መባእታ ቤት ትምህርትን ጾታዊ ማዕርነትን፡ ብስግኣት ድሕነት ህጻናት ኣብ ሓደጋ ከም ዝወደቐ ከመላኽት እንከሎ፡ ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ግጭታት፡ ኣብ ልዕሊ ኣብያተ ትምህርቲ ቀጻሊ መጥቃዕትን ምቕታልን ምጭዋይን ህጻናትን መምህራንን ዘስዓቦ፤ ከምኡ’ውን ምስ ጽንኩር ፍጻመታት ኩነታት ኣየርን ተፈጥሮኣዊ ሓደጋታትን ዝተኣሳሰር ብምዝባዕ ኩነታት ኣየር እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ ወጥሪ እውን ኣብ ኣቢያተ ትምህርትን ተመሃሮን ዓብይ ጽልዋ ከም ዘለዎ ይሕብር።

ከም ውጽኢቱ ድማ ዩኒሴፍ ጨንፈር ናይጀሪያ ኣብ 2020 ዓ.ም.  ኣስታት 11,500 ኣብያተ ትምህርቲ ብሰንኪ መጥቃዕቲ ክዕጸዋ እንከለዋ፡ ኣብ 2021 ዓ.ም. ድማ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ህጻናት ናብ ቤት ትምህርቲ ዘይምምላስ ይመርጹ።

መንግስቲ ንድሕነት ሕጻናት ቀዳምነት ክህበሉ ይግባእ

ናይጀርያ “ንድሕነት ኣብያተ ትምህርቲ ዝምልከት ተወፋይነት ቅዋማዊ ንምግባር ዝነኣድ ስጉምትታት” እኳ እንተወሰደት፡ እቲ ጸብጻብ ዩኒሴፍ፡ ነቲ ቃል ኪዳን ኣብ መላእ እተን ዝተገምገማ ግዝኣታት ከተተግብር ዘይምኽኣላ ዘሕዝን እዩ ዝበለ ዩኒሰፍ ጨንፈር ናይጀሪያ ኣስዒቡ ኣብቲ ጸብጻን “ስለዚ መንግስቲ ኣብ መላእ ሃገር ኣብ ዝርከባ ነፍሲ ወከፍ ቤት ትምህርቲ ጻዕርታት ድሕነት ንምዕባይ ተወሳኺ ምትእትታዋትን ህላወ መግንስቲ ዝስተውዓለሉ ናይ ምግባር ውሳኔ ብህጹጽ ቀዳምነት ክህበሉ ዘለዎ ጉዳይ ክኸውን ኣለዎ ክትብል ኣብ ናይጀሪያ ወኪል ዩኒሰፍ ክርስቲያን ሙንዱኣተ ጻውዒት ኣቕሪባ፥ “ንሚኒስትሪ ፌደራል ትምህርቲ፡ ናይ ግዝኣትን ከባብያውን በዓል መዚ ጉዳያት ትምህርቲ፡ ማሕበረሰባትን ኣብያተ ትምህርቲ ንነፍሲ ወከፍ ህጻን ውሑስ፡ ንኹሉ ዝሓቁፍ ትምህርቲ ኣብ ምርግጋጽ ክተግሁ ድማ ከም ዝሓተተት ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

17 April 2024, 15:31