ድለ

ኒካራጓ፡ 11 ወንጌላውያን መጋብያ ተፈሪዶም ኒካራጓ፡ 11 ወንጌላውያን መጋብያ ተፈሪዶም 

ኒካራጓ፡ 11 ወንጌላውያን መጋብያ ተፈሪዶም

ኣብ ኒካራጓ ደያኑ ን11 ኣገልገልቲ ወንጌላዊት ፕሮተስታንት ቤተ ክስቲያን ንልዕሊ ዓሰርተ ዓመት ማእሰርቲ ከም ዝፈረድዎም ክንገር እንከሎ እዚ ድማ ኣካል ናይቲ ኣብ ኒካራጓ ኣብ ልዕሊ ቤተክርስትያን መንግስቲ እታ ሃገር ናይ ዝፍጸም ዘሎ ቀጻሊ ዓፈና ምዃኑ ይንገር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

በሪ ኮረብታ ምስ እተሰምየ ኣሜሪካዊ ትካል ርክብ ዘለዎም 11 ወንጌላውያን መጋብያ ብዘይሕጋዊ ምስግጋር ገንዘብ ብዝብል ገበን ተኸሲሶም ብናይታ ሃገር መቕጽዒ ሕግ ማእሰርቲ ከም እበየኖምን ዳያኑ ነቶም ቅድሚ ክልተ ወርሒ ተኣሲሮም ምስ ጠበቓታት ይኹን ኣባላት ስድራቤት ከይተራኸቡ ኣብ ተነጽሎ ዝጸንሑ ኣባላት እቲ ኣብ ቴክሳስ ዝመደበሩ ትካል ካብ 12 ክሳብ 15 ዓመት ማእሰርቲ ነፍሲ ወከፎም ድማ 80 ሚልዮን ዶላር መቕጻዕቲ ከም ዝፈረድምዎምን፥

ኣህጉራዊ ኪዳን ምክልኻል ናጽነት ማሕበር ነቲ ዝተመሓላለፈ ፍርዲ ዘይስሩዕ እንክብል ብምግላጽ ደያኑ ዘቕረብዎ መርትዕታት ስለ ዘይነበሮም እቲ ክሂሎም ኣብ ዕጽው ክካየድ ገይሮም ቢሉ፥ ቅድም ኣቢሉ እውን እቶም ዝተኣሰሩ 11 ሰባት ንናይ ውስጠ ሃገርት ላቲን ኣመሪካ ናይ ሰብኣዊ መሰል ጉዳይ ዝከታተል ኣካል ናጻ ክልቀቑ ጻዕርታት ክገብር ሓቲቱ ከም ዝነበረን እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ንኻልኣይ ተኸታታሊ ዓመት ብውሳኔ መንግስቲ እታ ሃገር ኣብ ኒካራጓ ሰሙነ ሕማማት ብዘይ ኣብ ጎደናታት ዝግበር ዑደት ከም ኣተበዓለን እቲ እንኮ ፍቓድ መንግስቲ ዝኾነ መንፈሳዊ ኣገልግሎትን ስርዓትን ኣብ ውሽጢ ናይ ኣምልኾ ቦታታትን ኣብ ውሽጣዊ ቅርዓታቶምን ክፍጽሙ ዝብል እዩ። ነቲ ኣብ ጎደናታት ዝግበር መንፈሳዊ ዑደት እገዳ ንምትግባር 4 ሽሕ ኣባላት ሓይሊ ጸጥታ ኣብ ዙርያ ኣብያተ ክርስቲያናት እታ ሃገር ተዋፊሮም ከም ዝነበሩ ይንገር።

04 April 2024, 17:22