ድለ

ድሕሪ ምትእትታው ኣሜሪካ ናብ ቓዛ ዝኣትዉ ሓደስቲ መስመራት ረድኤት ክኽፈቱ እዮም ድሕሪ ምትእትታው ኣሜሪካ ናብ ቓዛ ዝኣትዉ ሓደስቲ መስመራት ረድኤት ክኽፈቱ እዮም 

ድሕሪ ምትእትታው ኣሜሪካ ናብ ቓዛ ዝኣትዉ ሓደስቲ መስመራት ረድኤት ክኽፈቱ እዮም

እስራኤል ዝያዳ ሰብኣዊ ሓገዝ ክበጽሕ ሰለስተ መሳገሪታት ናብ ቓዛ ክትከፍትን ምዃኑ ክንገር እንከሎ እዚ እውን ድሕሪ እቲ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን መንጎ እስራኤልን ዝተኻየደ ዘተ ስዒቢ ዝተውሃበ ውሳኔ ምዃኑ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እዚ ስጉምቲ ርእሰ ብሔር ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ጆ ባይደን ምስ መራሔ መንግስቲ እስራኤል ቤንጃሚን ኔታንያሁ ኣብ ዝገበሮ ናይ ስልኪ ዘተ ዘቕረቦ ፍሉይ ሕቶ ምላሽ ዝህብ ምዃኑ ይግለጽ።

ሕጂ ድማ እስራኤል፡ ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ወሽመጥ ቓዛ ክኣቱ ዘኽእል ሓደስቲ መስመራት ዳግማይ ክትከፍት ምዃና ትገልጽ።

ካብ ኢየሩሳሌም ዝወጹ ጸብጻባት ከም ዝሕብርዎ፡ ሓማስ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ልዕሊ እስራኤል ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ካብ ዝጅምር ንፈለማ እዋን መሳገሪ ኤረዝ ንግዚኡ ክኽፈት እዩ።

ካብ ቤት ጽሕፈት ኔታንያሁ ዝወጸ መግለጺ፡ ኣሽዶድ ናብ ጋዛ ዝለኣኽ ሓገዝ’ውን ክቕበል ምዃኑን፡ ሓገዝ ዮርዳኖስ ድማ ብመንገዲ እቲ ኣብ ከረም ሻሎም ዝርከብ መሳገሪ ክኣውቱ ምዃኑ ከፍልጥ እንከሎ መብዛሕትኦም ተቐማጦ ቓዛ ብሰንኪ እስራኤል ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ዘካየደቶ መጥቃዕትን ዕጽዋን ጥሜት የጋጥሞም ከምዘሎ ክኢላታት ሕቡራት ሃገራት ኣጠንቂቖም። እስራኤል ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ እቲ ግጭት ካብ ዝጅምር ንደሓር ቀረብ መግቢ፡ ማይ፡ ሓይሊ ኤሌክትሪክን ናብ ቓዛ ክቋረጽ ከም ዝገበረት ይፍለጥ ዝበለ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፡ ዓለም ለኸ ማእከል ክሽነ እተሰምየ ማሕበር ረድኤት እስራኤል ኣብ ማእከላይ ቓዛ ብዝፈጸመቶ ናይ ኣየር መጥቃዕቲ ቅትለት 7 ኣባላት ሰራሕተይናታቱ ናጻ መርመራ ክካየድ ከም ዝሓተተን እቲ መግለጺ፡ ሓቅነት ናይቲ ዘጋጠመ ቀታሊ መጥቃዕቲ ንምፍላጥ፡ ግሉጽነትን ተሓታትነትን ንምርግጋጽን ዝግበር ዕማም ኣብ መጻኢ ኣብ ልዕሊ ሰራሕተይናታት ሰብኣዊ ረድኤት ዝፍጸም መጥቃዕቲ ንምክልኻልን ዝሕግዝ እንኮ መገዲ ምዃኑ እቲ መግለጺ ከም ዘመላኽት ኣፍሊጡ።

ትማሊ ረቡዕ ዕለት 3 ሚያዝያ ካብቶም ዝተቐትሉ ሸውዓተ ሰራሕተይናታት ሰብኣዊ ረዴት ናይቶም ሽዱሽተ ብመሳገሪ ራፋሕ ኣቢሎም ንኽቕበሩ ናብ ዝመጹለን ሃገራቶም ከም እተላእኸን። እቲ መጥቃዕቲ ንማሕበረሰብ ዓለምን ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ከም እተኾነነን ቅድም ክብል ሰራዊት እስራኤል ምስቲ መጥቃዕቲ ኣየር ዝተሳተፉ ላዕለዎት መኮንናት ካብ ስራሕ ከም ዝሰጎጎም ዜና ቫቲካን ምንጭታት ሓበሬታ እስራኤል ጠቒሱ የዘኻኽር።

06 April 2024, 17:30