ድለ

ወተሃደራት እስራኤል ካብ ቤት ሕክምና ኣል-ሺፋ ጋዛ የንሳሕቡ ወተሃደራት እስራኤል ካብ ቤት ሕክምና ኣል-ሺፋ ጋዛ የንሳሕቡ  (ANSA)

ወተሃደራት እስራኤል ካብ ቤት ሕክምና ኣል-ሺፋ ጋዛ የንሳሕቡ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ቓዛ ሰብኣዊ ሓገዝ ክበጽሕ ድሕሪ ዘቕረብዎ ጻውዒት ሓደ መዓልቲ ሓይልታት እስራኤል ድሕሪ ናይ ክልተ ሰሙን ስርሒት ካብቲ ዝዓበየ ሆስፒታል ቓዛ ከም ከም ዘንሰሓቡ ይንገር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ወተሃደራት እስራኤል ሰፊሕ ዕንወት ዘስዓበሉ ቦታ ሓዲጎም ከም ዝወጹን 200 ዝዀኑ ዕጡቓት ሓማስ ከም ዝቐትሉን ልዕሊ 900 ዝዀኑ ጥርጡራት ኣብ ቀይዲ ከም ዘእተዉን ናይ እስራኤል ሓይሊ ምክልኻል ወሃቢ ቃል ኽሕብር እንከሎ፡ ዕለት 1 ሚያዝያ መራሔ መግንስቲ እስራኤል ቤንጃሚን ናታንያሁ ሆስፒታል ኣል ሺፋ 'ሰፈር ኣሸበርቲ' ከም ዝነበረን ሓይልታት እስራኤል ድማ ኣብኡ መጥባሕታዊ ብዝኾነ ወተሃደራው ስርሒት ንሓማስ ኣሰንቢዶም ካብቲ ቦታ ይለቁ” ከም ዝበለ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ኣብ ካልእ ቦታታት ከኣ ብኣማእታት ዚቝጸሩ ተቓወምቲ እስራኤል፥ ናታንያሁ ካብ ስልጣኑ ኪወርድ ጸቕጢ ንምግባር ኣብ ወጻኢ እቲ ኣብ የሩሳሌም ዝርከብ ሕንጻ ህዝባዊ ባይቱ ኣብ ዘሎ ቅርዓት ኣብ ዝተኸልዎ ድንኳናት ከም ዝሓደሩን ኣመላኺቱ፥ ነቲ ሓማስ ኣብ ጥቅምቲ ዘውረዶ መጥቃዕቲ ዝሃቦ ግብረ መልሲ ከም ገበን ገይሮም የቕርብዎ ከምዘለዉን ንሱ ግን እቲ ምርጫ እንተ ዘይትግበር ነይሩ እስራኤል ምለመሰት ነይራ እንክብል ከም ዝመለሰ ኣፍሊጡ።

ሰንበት ዕለት 31 መጋቢት ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ተቓወምቲ ኣብቲ ኣብ ቓዛ ውግእ ካብ ዝባራዕ ኣትሒዙ ንፈለማ ግዜ ዝዓበየ ጸረ-መንግስቲ ዝቖመ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ከም ዘካየዱን እዚ ኸምዚ ኢሉ ኸሎ ናይ ፍልስጥኤም ርእሰ ብሔር ማሕሙድ ኣባስ በቲ ንነዊሕ እዋን ናይ ቝጠባ ጉዳያት ኣማኻሪኡ ዝዀነ መሓመድ ሙስታፋ ዚምራሕ ሓድሽ መንግስቲ ድሕሪ ዝፈጸሞ ማሕላ ይኹንታ ከም ዝሃሉን እዚ ሓድሽ መራሔ መንግስቲ ናይ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሓላፍነት እውን ዘለዎ ከም ዝኾነን፡ ኣብቲ ብእስራኤል ዝተጎብጠ ምዕራባዊ ገማግም ዮርዳኖስ ውሱን ምሕደራ ዘለዎ መዝነት ፍልስጤም ንምጽጋን ሓላፍነት ዝተዋህቦ ክኸውን እንከሎ፥ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ነቲ ሓድሽ ቤት ምክሪ ሚንስትር ብሓጎስ ብምቕባል ሓድሽ መንግስቲ ፍልስጥኤም ኣገዳሲ ከም ዝነበረ እውን ትገልጽ።

02 April 2024, 15:08