ድለ

ቀጠር ናይ ሽምግልና ተራ ኣብ መንጎ እስራኤልን ሓማስን ኣብ ትሕቲ ጸቕጢ ቀጠር ናይ ሽምግልና ተራ ኣብ መንጎ እስራኤልን ሓማስን ኣብ ትሕቲ ጸቕጢ  (ANSA)

ቀጠር ናይ ሽምግልና ተራ ኣብ መንጎ እስራኤልን ሓማስን ኣብ ትሕቲ ጸቕጢ

ቀጠር ኣብ መንጎ እስራኤልን ሓማስን ከም መንጎይና ማለት ኣዛታይት ናይ ምዃን ዘለዋ ግደ ትግምግም ከም ዘላ ይንገር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ንዝሓለፉ ሒደት ኣዋርሕ፡ ቀጠር ምስ ምስርን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ መንጎ እስራኤልን ሓማስን ተኹሲ ደው ንምባልን ብሓማስ ጆሆ ዝተታሕዙ እስራኤላውያን ክፍትሑን ኣብ ዝብል መሰረታዊ ጉዳይ ኣብ ዘማእከለ መድርኽ ዘተ ዓቢ ተራ ከም ዝነበራ ክፍለጥ እንከሎ፡ ይኹን እምበር መራሔ መንግስቲ ቀጠር ሸኽ መሓመድ ቢን ዓብዱልራሕማን ኣልታኒ፥ ናይ ግሊ ፖለቲካዊ ዓወታት ንኸመዝግቡ ብዝሓስቡን ዝጽዕሩን ኣካላት እቲ ናይ ዘተ መድርኽ ከም እተመዝመዘን እዚ እውን ዕንቅፋት ይኸውን ኣሎ እንክብል ከም ዝገለጸን ዶሃ፡ መንነቱ ክገልጽ ዘይደለየ ካብ ውሽጢ ህዝባዊ ባይቶ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ዝመጹ ገለ ነቐፍቲ ድምጽታት፡ ቀጠር፥ ሓማስ ሕድገታት ክገብር እኹል ጸቕጢ ኣይትገብርን” ከም ዝበለን ክንገር እንከሎ፥ ብተወሳኺ ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ቓዛ ዝካየድ ዘሎ ግጭት ደው ንምባል ሓላፍነት ክወስድ ሓቲቱ፡ ሰብኣዊ ሓገዝ ከም መጋበርያ ፖለቲካን ንረብሓታት ፍሉይ ኣካላት ካብ ምጥቃም ምቑጣብ ኣገዳሲ ምዃኑ እውን ገሊጹ፡ ብተናጸል መራሔ መንግስቲ እስራኤል ቤንጃሚን ናታንያሁ ምስ ጉዳያት ወጻኢ ብሪጣንያ ዴቪድ ካሜሮንን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ጀርመን ኣናሌና ባርቦክን ኣብ ኢየሩሳሌም ኣብ ዘካየዶ ርክብ፡ እስራኤል ካብ ኢራን ገዛእ ርእሳ ኽትከላኸል መሰል ከም ዘለዋ ኣጕሊሑ ዝበለ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን መወዳእታ ኢራን ኣብ ልዕሊ እስራኤል ብሚሳይልን ሰብ ኣልቦ ነፈርትን ኣቢላ ዘካየደቶ መጥቃዕቲ ስዒቡ ዝርአ ዘሎ ዘይምርግጋእ ንምንካይ ኣብ ልዕሊ እስራኤልን ኢራንን ኣህጉራዊ ጸቕጢ እናዓበየ ይመጽእ ምህላዉ የመላኽት።

19 April 2024, 14:45