ድለ

እስራኤላውያን ኣድመይናታት ጅሆ ዝተታሕዙ ሰባት ክፍትሑ ይጽውዑ እስራኤላውያን ኣድመይናታት ጅሆ ዝተታሕዙ ሰባት ክፍትሑ ይጽውዑ  (AFP or licensors)

እስራኤላውያን ኣድመይናታት ጅሆ ዝተታሕዙ ሰባት ክፍትሑ ይጽውዑ

ማዕከናት ዜና እስራኤል፡ ሓይሊ ጸጥታ ተልኣቪቭ፡ ቅድሚ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ብሓማስ ዝተታሕዙ ጅሆታት ክፍትሑ ዝጠልቡ ዓሰርተታት ኣሽሓት እስራኤላውያን ጸረ መንግስቲ ሰልፈኛታት ብሓይሊ ከም ዝበተነ ይሕብራ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ፍልስጤማውያን ዕጡቓት ካብ ቓዛ ንደቡባዊ እስራኤል ድሕሪ ዝፈጸሞ መጥቓዕቲ ልዕሊ 100 ዝግመቱ እስራኤላውያን ጅሆ ከም ዝሓዘ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኣብ ተልኣቪቭ፡ ሰላማዊ ሰልፊ ዘካየዱ ኣብታ ከተማ ኣብ ዝርከቡ ዓበይቲ ጎደናታት ኮፍ ብምባል ብዘካድዎ ኣድማ መገድታት ከም ዝዓገቱን፡ ምስ ሓይሊ ጸጥታ  ብዝተፈጥረ ምትህልላኽ ብውሕዱ ኣርባዕተ ሰባት እውን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከም ዝኣተዉን፡ እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ዝሓለፈ ቀዳም ዕለት 6 ሚያዝያ ሰራዊት እስራኤል ካብቶም ጅሆ ዝተታሕዙ ናይ ሓደ ሬሳ ኣብ ደቡባዊ ቓዛ ከም ዝረኸበ ከፍልጥ እንከሎ፡ እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፡ ሓማስ ልኡኻን መራሕቱ ኣብ ውሽመጥ ቓዛ ተኹሲ ደው ምባልን ሓማስ እቶም ጅሆ ዝሓዞም ናጻ ክለቕቕን እስራኤል ድማ ብወገና ኣብ ቤት ማሕሰርቱ ዝርከቡ እሱራት ኣባላት ሓማስ ናጻ ክትለቅቕ ኣብ ዝብል ዛዕባ ኣብ መንጎ እስራኤልን ሓማስን ዘተ ክካየድ ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ንኽመክር ናብ ካይሮ ከም ዝለኣከ ይንገር።

ሓማስ ዕለት 14 መጋቢት ኣብ ዘቕረቦ መርገጺ "ቀዋሚ ተኹሲ ደው ምባል፡ ምስሓብ ሓይልታት እስራኤል ካብ ቓዛ፡ ምምላስ ተመዛበልቲ ፍልስጥኤማውያን ናብ መንበሪኦም፡ ናጽነት ምንቅስቓስ ህዝቢ፡ ረድኤትን መጽለልን" ዘጠቓለለ ከም ዝነበረን፡ ነዚ እውን ደጊሙ ከም ዘጸንዖን፣ ከምኡ’ውን ዕቱብ ናይ እሱራት ምልውዋጥ ውዕል ክህሉ ኣለዎ ከም ዝበለን፡ ኣብ ዝሓለፈ ዘተ ሓማስ እቲ ኲናት ምሉእ ብምሉእ ደው ክብል ኣለዎ ክብል፡ እስራኤል ድማ ንሓጺር እዋን ተኹሲ ደው ምባል ኣብ ዝብል ሓሳብ ጥራይ ከም እትሰማማዓሉን ከምኡ እውን ተመዛበልቲ ፍልስጥኤማውያን ናብ መነባብሪኦም ክምለሱ ዝብል ብሓማስ ዝቐረቦ ሕቶ ከም ዝነጸገቱ ይሕበር።

08 April 2024, 17:12