ድለ

እስራኤል ኣብ ኢራን ዞባ ኢስፍሓን ወተሃደራዊ መዓክር ተጥቅዕ እስራኤል ኣብ ኢራን ዞባ ኢስፍሓን ወተሃደራዊ መዓክር ተጥቅዕ  (AFP or licensors)

እስራኤል ኣብ ኢራን ዞባ ኢስፍሓን ወተሃደራዊ መዓክር ተጥቅዕ

ማዕከናት ዜና ምንጭታት ሕቡራት ሃገራት ኣሜሪካ ጠቒሰን ብዛዕባ እቲ "ውሱን" ተባሂሉ ዝተገልጸ ስርሒት መጥቃዕታዊ እስራሌል ዕለት 19 ሚያዝያ ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ከባቢ ኢስፋሓን ዝርከብ ወተሃደራዊ መዓስክር ከም እተፈጸመ ኣብቲ ከባቢ ዝርከብ ናይ ኑክልየሳዊ ቦታታት ከም ዘይተሃረመ ይሕብራ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ብዛዕባ እቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ እስራኤል ሓደ ናይ እስራኤል ወተሃደራዊ በዓል ስልጣን ስሙ ክግለጽ ዘይደለየ፥ ንዋሽንግተን ፖስት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡"ሰራዊት እስራኤል ማለት ሓይሊ ኣየር - ኣብ ውሽጢ ኢራን ኣትዩ መጥቃዕቲ ከም ዝፈጸመን፡ እዚ ድማ ነቲ ዝሓለፈ ሰሙን ቴሀራን ኣንጻር እስራኤል ዝፈነወቶ ናይ ሚሳይላትን ሰብ ኣልቦ ነፈርትን መጥቃዕቲ ግብረ መልሲ እዩ” እንክብል ክሕብር እንከሎ፡ "እስራኤል ኣብ ውሽጢ ሃገር ብምእታዊ መጥቃዕቲ ናይ ምውራድ ዓቕሚ ኣለዋ" ቢሉ፥ እቲ ዒላማ ኣብ ማእከል እታ ኢራን ኣብ ጥቓ ከተማ እስፋሓን ዝርከብ ወተሃደራዊ መዓስከር ኣየር ከም ዝነበረ እውን ይሕብር። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ዕለት 18 ሚያዝያ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፥ እስራኤል ስርሒት መጥቓዕቲ ኣብ ሓጺርን እዋን ክትፍጽም ምዃና ንመንግስቲ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ሓቢራ ከም ዝነበረትን መንግስቲ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ እውን ብወገኑ ከም ዘይተቐበሎን ከይትፍጽሞ እውን ኣጠንቂቑን ከም ዘየጽደቖን እውን ይንገር።

መግለጺ ማዕከናት ዜና ኢራን  

ሰብ መዚ ኢራን፥ ሓይሊ ምክልኻል ኢራን ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ከምዝሃረመ ክሕብሩ እንከለዉ ብዛዕባ እቲ ብሚሳይል ዝተፈጸመ መጥቓዕቲ ዝሕብር ጸብጻብ ከምዘየለ እውን ከም ዘፍለጡን። ብመሰረት ማዕከናት ዜና ኢራን ውሽጢ ዓዲ፡ ኣብታ በቲ መጥቃዕቲ ዝተሃስየት ዞባ ዝርከባ ናይ ኑክልየሳዊ ቦታታት ውሑስ ምዃኑን ገሊጸን መዓርፎ ነፈርቲ ቴሀራን ንውሑዳት ሰዓታት ተዓጽዩ ከምዝነበረ እውን ሓቢረን ቴሀራን ነቲ እስራኤል ዝፈጸመቶ ጸረ ኢራን ዝጨመተ መጥቓዕቲ ቅልጡፍ ናይ ሕነ ምፍዳይ ግብረ መልሲ ከም ዘይትሓስብን፡ ነት ኣትሒታ ዝረኣየቶ መጥቓዕቲ መን ተሓታቲ ምዃኑ ናይ ምርግጋጽ መሰላ ዝተሓለወ ምዃኑ ድማ የመላኽታ።

ኣብ ናይ እስራኤል ኣባይቲ ጽሕፈት ልኡካነ መንግስታት ልዑል ንቕሓት ሓለዋ

ኣብ እስራኤል ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ልኡከ መንግስቲ ስራሕተይናታቱን ኣባላት ስድራ ቤቶምን ናብ ተለኣቪቭ ዝገብርዎ ጉዕዞ ክድርቱ ከም ዝጸወዓን ኣውስትራሊያ ዜጋታት ካብ እስራኤል ክወጹ ከም ዝሓተተት ክሕበር እንከሎ፥ እዚ እውን "ወተሃደራዊ ሕነ ምፍዳይን ግብረሽበራዊ መጥቃዕትን ኣብ ልዕሊ እስራኤልን ብሓፈሻ ኣብ ልዕሊ ረብሓታት እስራኤልን ክፍጸም ይኽእል ዝብል ልዑል ሓደጋ ምህላዉ ብምርግጋጽ እዩ።

19 April 2024, 14:57