ድለ

ጸብጻብ ሲፕሪ፡ ወተሃደራዊ ወጻኢታት ኣብ ዓለም ዓቢ ወሰኽ የርእይ ጸብጻብ ሲፕሪ፡ ወተሃደራዊ ወጻኢታት ኣብ ዓለም ዓቢ ወሰኽ የርእይ  (AFP or licensors)

ጸብጻብ ሲፕሪ፡ ወተሃደራዊ ወጻኢታት ኣብ ዓለም ዓቢ ወሰኽ የርእይ

SIPRI - ናጻ ኣህጉራዊ ትካል ምርምር ሰላም ስቶክሆልም - ዛዕባ ወተሃደራዊ ወጻኢታት ኣማእኪሉ ኣብ ዘቕረቦ ሓድሽ መጽናዕቲ፥ ኣብ ዓለም ወተሃደራዊ ወጻኢታት ኣብ 2023 ዓ.ም. ናብ 2.443 ትሪልዮን ዶላር ልብ ከም ዝበለ የመላኽት።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ 2023 ዓ.ም. ዓለማዊ ወተሃደራዊ ወጻኢታት ናብ ተራእዩ ዘይፈልጥ ደረጃ ብምዕባይ ብዘሰንብድ ደረጃ 2.443 ትሪልዮን ዶላር ከም ዝበጸሐን። እዚ ድማ ካብቲ ዝሓለፈ ዓመት ብ6.8% ወሰኽ ብምርኣይ ድሕሪ 2009 ዓ.ም. እቲ ዝዓበየ ወሰኽ ምዃኑ ይምዝገብ። እቲ ወሰኽ ኣብ መላእ ዓለም ብዝለዓለ ወጥሪ፡ ስነ ፖለቲክዊ መልክዓ ምድራውን ንሕንሕን ዞባዊ ግጭታትን ዝተደረኸ ምዃኑ ጸብጻብ ሲፕሪ ይሕብር።

ዝለዓለ ወጻኢታት ዝገብሩ

ብመሰረት ጸብጻብ ኣህጉራዊ ትካል ምርምር ሰላም ስቶክሆልም (SIPRI)፡ ኣመሪካ፡ ቻይናን ሩስያን ሓዊሱ፡ ኣብ 2023 ዓ.ም. ዝለዓለ ወጻኢታት ካብ ዝገበራ 10 ሃገራት ብቐዳምነት ደረጃ ዝጥቀሳ ክኾና እንከሎዋ፡ ወተሃደራዊ ወጻኢታተን ክብ የብላ ከም ዘለዋን፡ ኣመሪካ ኣብ ዓለም ዝዓበየ ወተሃደራዊ ወጻኢታት እትገብር ሃገር ክትከውን እንኮላ ብድምሩ 916 ቢልዮን ዶላር ከም ዝመደበትን። እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፡ ቻይና ኣብዚ መዳይ ዝሰለዓቶ ሃብቲ ገንዘብ 296 ቢልዮን ዶላር ክበጽሕ እንከሎ፡ ከም በዓል ጃፓንን ታይዋንን ዝኣመሰላ ጎረባብቲ ሃገራት ድማ ንምክልኻል ዝመደበኦ ናይ ገንዘብ ሚዛን ክብ ከም ዘበላ ይፍለጥ።

ዞባዊ ምንቅስቓ

ኣብ ኩለን እተን ብሲፕሪ ዝተገልጻ ሓሙሽተ መልክዓ ምድራዊ ዞባታት ኣብ ወተሃደራዊ ወጻኢታትን ወሰኽ ከም ዝገበራን፡ ብፍላይ ኣብ ኤውሮጳ፡ ኤስያ፡ ኦቻይና ማእከላይ ምብራቕን ርኡይ ወሰኽ ከም ዘሎን፡ እዚ ድማ ብዞባዊ ወጥርን ጸጥታዊ ስክፍታታትን ዝተደረኸ ኮይኑ፡ ኣብ ኤውሮጳ፡ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ፈረንሳን ጀርመንን ዝርከበኦ ኣባላት NATO - ውዕል ሰሜን ኣትላንቲክ ሃገራት፡ ወተሃደራዊ ወጻኢታተን ክብ ከም ዘበላን፡ እዚ ድማ ብሰንኪ ሩስያ ብዘለዋ ጽኑዕ ኣቃውማ እናዓበየ ዝኸይድ ንዘሎ ዘይምርግጋእ ዘንጸባርቕ እዩ።

ብፍላይ ሩስያ ንባዕላ ወተሃደራዊ ወጻኢታት ብ24% ክብ ከም ዘበለትን እዚ ድማ 109 ቢልዮን ዶላር ዝበጽሕ ክኸውን እንከሎ፡ ዩክሬን ኣብ ማእከል ቀጻሊ ግጭት ብ51% ወሰኽ ብምግባር ነቲ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ናይ ወጻኢታት ጋግ ክጸብብ ከም ዝገበረት ጸብጻብ ሲፕሪ የመላኽት።

እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ወጥሪ

ካብ ነዊሕ እዋን ብዝነቐለ ግጭታትን ዝሕንበብ ብዘሎ ወጥርን ዝተሃስየ ማእከላይ ምብራቕ፡ ኣብ ወተሃደራዊ ወጻኢታት ርኡይ ዝኾነ ክብታ ከም እተመዝገበን፡ ኣብ 2023 ዓ.ም. 200 ቢልዮን ዶላር ከም ዝበጸሐን። እዚ ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመት ዝለዓለ ወሰኽ እዚ፡ ነቲ ኣብቲ ኸባቢ ዘሎ ዘይምርግጋእን ኣብ መንጎ እቶም ቀንዲ ተዋሳእቲ ዘሎ ነባሪ ቕድድም ኣጽዋርን ዘጕልሕ ኢዩ።

ብተመሳሳሊ ካብ 2014 ዓ.ም. ንነጀው ኣብ ማእከላይ ኣመሪካን ካሪብያንን ወተሃደራዊ ወጻኢታት ብ54 ሚእታዊት ኪውስኽ እከሎ፣ እዚ ኸኣ ብቐዳምነት ብሰንኪ እቲ እናወሰኸ ዚኸይድ ዘሎ መጠን ገበንን ውሽጣዊ ድሕንነት ብድሆታትን ዝተደረኸ እዩ። ህንዲ ኣብ 2023 ዓ.ም. ብዓለም ደረጃ ኣብ ወተሃደራዊ ወጻኢታት ራብዐይቲ ሃገር ከም ዝኾነትን እዚ ድማ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ መልክዓ ምድራዊ ስነ ፖለቲካዊ ኣቀማምጣ ድሌታታን ዞባዊ ስክፍታታት ጸጥታን ዘጉልሕ እዩ።

ካብዚ ሓሊፉ ከም ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎን ደቡብ ሱዳንን ዝኣመሰላ ሃገራት ኣብ ወተሃደራዊ ወጻኢታት ብሚእታዊት ርኡይ ወሰኽ ከምዘመዝገባን እዚ ድማ ዝምዕብል ዘሎ ውሽጣዊ ዘይምርግጋእን ግርጭትን ዘንጸባርቕ ምዃኑ ጸብጻብ ሲፕሪ የረጋግጽ።

23 April 2024, 15:43