ድለ

ዛዕባ ዑቕባ ሓተትን ስደተይናታትን ዝምልከት ሓድሽ ውዕል ሕብረት ኤውሮጳ ዛዕባ ዑቕባ ሓተትን ስደተይናታትን ዝምልከት ሓድሽ ውዕል ሕብረት ኤውሮጳ  (ANSA)

ዛዕባ ዑቕባ ሓተትን ስደተይናታትን ዝምልከት ሓድሽ ውዕል ሕብረት ኤውሮጳ

ባይቶ ሕብረት ኤውሮጳ ነቲ ሰፊሕ ጽገና ዝተገበረሉ መመሓደሪ ስደትን ሕቶ ዑቕባን ዝምልከት ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ብቕልጡፍ ዘጽደቖ ውዕል፡ ትካላት ረድኤትን ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን፡ ነቶም ኣዝዮም ኣብ ጸገም ዝርከቡ ዘይክላኸል እዩ እንክብሉ ተቓውሞኦም የስምዑ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቀንዲ ፖለቲካዊ ጉጅለታት ባይቶ ኤውሮጳ ነቲ ካብ ኣኽረርቲ ወከልቲ ሰልፍታት ዝመጽእ ተቓውሞ ብምስዓር ነቲ ሓድሽ ውዕል ስደትን ዑቕባን ሕብረት ኤውሮጳ ከም ዘጽደቖን - እዚ ሓድሽ ውዕል ንኣስታት ዓሰርተ ዓመት ዝጸንሐ ሰፊሕ ጽገና ዝትገብረሉ ኮይኑ፡ ኣባላት ባይቶ ኤውሮጳ ዕለት 10 ሚያዝያ ኣብ ዝሃብዎ ተኸታታሊ 10 ድምጽታት፡ እተን ስደተይናታትን ሓተትቲ ዑቕባን ዝኣትውለን ሓላፍነት ዝወስዳ ኣባላት ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ክሕገዛ ዝብል ትእዛዝ ዝተነብሮ ከም ዝኾነን ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ውሽጣዊ ጉዳያት ሓላፊ ብዛዕባ እቲ ውዕል ንሓደጋ ዝቃልዑንስደተይናታት ብዝበለጸ ዝከላኸልን ነቶም ተቕባል ክረኽቡ ንዘለዎም ዝውሕስን ንሓተቲ ዑቕባን ስደተይናታትን ንዘቕርብዎ ሕቶ ብቕልጡፍ መልሲ ክረኽቡ ዝገብር እዩ እንክብል ኣብቲ ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ናይ ውሽጢ ጉዳያት ወግዓዊ መርበብ ሓመሬታ ከመልክት እንከሎ” ከምኡ’ውን ኣብ መንጎ ኣባላት ሃገራት “ግዴታዊ ምትሕግጋዝ” ዘተኣታትው ኣብ ልዕሊ ዞባ ደቡባዊ ኤውሮጳ ዘሎ ጸቕጢ ንምቅላል ኣበርክቶ ከም ዝገብራ ዘረጋግጽ እዩ ይብል።

ጉጅለታት ተጣበቕቲ መሰላት ተቓውሞ የስምዑ

ብካሪታስ ዝጽዋዕ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ትካል ረዴት ጨንፈር ኤውሮጳ በቲ ሓድሽ ስምምዕ ከም ዝጓሀየ ብምግላጽ፡ እቲ ሓድሽ ሕግታት ኣብቲ ዝተሓላለኸ ናይ ምትሕግጋዝ ኣገባብ ዝተመርኮሰ ኮይኑ፡ ኣባላት ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ቃል ብቓሉ ንሓተትቲ ዑቕባ ናብ ካልእ ቦታ ከይግዕዙ ገንዘብ ክኽፈላ ዝብልን ብኣንጻሩ ዓለም ለኸ ትካል ኣድሕን ህጻናት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቶም ፈረምቲ ንሓለዋ ህጻናት ቀዳምነት ንምሃብን መሰላቶም ዝጎድእ ሓደጋታት ንምንካይን ስጉምትታት ከምዝወሰድ ዝብል ሓላፍነት ዕሽሽ ዝብል እዩ ቢሉ። ብሓቂ እቲ ስምምዕ ኣብ ኤውሮጳ ንዝርከቡ ህጻናትን ስድራቤታትን መሰል ዑቕባ ዘዳኽም ኮይኑ፡ ኣብ ዶባት ንማእሰርቲ፡ ምስጓግን ድኽነትን ክቃልዑ ዝድርኽ እዩ እንክብል ነቲ ሓድሽ ውዕል ከም ዝነቐፎ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

12 April 2024, 15:43