ድለ

ኣብ ኣውስትራልያ ኣብ ልዕሊ ሓደ ጳጳስ ኣብ እዋን ስርዓተ ኣምልኾ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኣብ ኣውስትራልያ ኣብ ልዕሊ ሓደ ጳጳስ ኣብ እዋን ስርዓተ ኣምልኾ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ  (ANSA)

ኣብ ኣውስትራልያ ኣብ ልዕሊ ሓደ ጳጳስ ኣብ እዋን ስርዓተ ኣምልኾ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ

ሰበ-ስልጣን ኣውስትራልያ ነቶም ኣብ ከባቢ ስድነይ ኣብ ዝርከብ ቤተ ክርስቲያን ሕያዋይ ጓሳ መስዋዕተ ቅዳሴ ዝሰርዑ ዝነበሩ ጳጳስ ማሪ ኤማኑኤል ስብከት እናለገሱ እንከለዉ ቀሪቡ ብኻራ መጥቓዕቲ ንዝውረደሎም ሰብ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከም ዘእተዉን እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ቅድም ቢሉ ኣብቲ ከባቢ ኣብ ዝርከብ ማእከል ዕዳጋ ምስ ዝተፈጸመ ተመሳሳሊ መጥቓዕቲ ርክብ ከም ዘይብሉ ይሕብር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ነቲ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣቡን ናይ መቕተልቲ ፈተና ዝፍጸመ ሰብ ናይ ሲድይ ሓይሊ ጸጥታ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከም ዘትእተዎ መግልጺ ሓይሊ ጸጥታ ሲንደይ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን፥ ነቶም ናይ ምስራቓዊ ኦርቶዶክሳዊ ኣሲርያዊት ቤተ ክርስቲያን ጳጳስ ማሪ ኤማኑኤል ንምቕታል ብኻራእ ክወግኦም እንከሎ ንኸድሕንዎም ካብ ዝተጓየዩ ምመናን ውሽጢ ሰለስተ ከም ዝቖሰሉን ዝጋጠሞም መጉዳእቲ እውን ከቢድ ከም ዘይኮነ ናይ ኣውስትራሊያ ምንጭታት ሓበሬታ ጠቒሱ ሓይሊ ጸጥታ ነቲ ናይ መቕተልቲ ፈተነ ዘውረደ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዘእተዉዎ ሰብ መንነቱን ከምኡ እውን ስለምንታይ ነቲ ገበን ክፍጽም ከም ዝደለየን ዕላማኡ እውን እንታይ ምዃኑ ንኸረጋግጽ ዓሚቝ መርመራ የካይድ ምህላዉ ኣፍሊጡ፡ እዚ መጥቃዕቲ እዚ ቅድሚ ሒደት መዓልታት እተፈጸመ ኣብ ምብራቓዊ ከባቢ ሲድኒ ኣብ ዝርከብ ማእከል ዕዳጋ ብተመሳሳሊ ኣገባብ ማለት ብኻራ ዝተፈጸመ ሽዱሽተ ሰባት ንሞት ዝዳረገ ብውሑዱ ሸሞንተ ሰባት ዘቑሰለን መጥቓዕቲ ዝተኣሳሰረ ከም ዘይመስልን ይኹን እምበር እዚ ብትኽክል ንምርግጋጽ ገና መርመራ የካይድ ምህላዉ ኣፍሊጡ።

16 April 2024, 16:07