ድለ

ኢራን ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዝፈጸመቶ ሰፊሕ ናይ ግብረ መልሲ መጥቃዕቲ ኢራን ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዝፈጸመቶ ሰፊሕ ናይ ግብረ መልሲ መጥቃዕቲ  (ANSA)

ኢራን ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዝፈጸመቶ ሰፊሕ ናይ ግብረ መልሲ መጥቃዕቲ

ሓይሊ ምክልኻል እስራኤል 99% እቲ ብኢራን ብሓደ ለይቲ ዝተወንጨፈ ብሰብ ኣልቦ ነፈርትን ሚሳይላትን ዝተሰነየ ናይ መጥቃዕቲ ግብረ መልሲ ነቲ ዒላማ ዝገበሮ ከይወቕዕ ከም ዝገበረ ይሕብር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ወተሃደራዊ ሓይሊ እስራኤል፡ 99% ካብተን ብኢራን ብሓደ ለይቲ ዝተወንጨፈ ሰብ ኣልቦ ነፈርትን ሚሳይላትን ዒላማ ዘገበሮ ከይወቕዓ ኣቐዲሙ ከም ዘፍሸሎ ክሕብር እንከሎ እዚ ልዕሊ 300 ሰብ ኣልቦ ነፈርቲን ሚሳይላትን ዘሳተፈፈ ስጉምቲ ኢራን ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዝፈጸመቶ ናይ መጀመርታ ቀጥታዊ መጥቃዕቲ ነቲ እስራኤል ኣብ ሶርያ ኣብ ልዕሊ ዝርከብ ናይ ኢራን ልኡከ መንግስቲ ሕንጻ ንዝፈጸመቶ መጥቓዕቲ ግብረ መልሲ ምዃኑ ክፍለጥ እንከሎ ገለ ሚሳይላት ካብተን ኢራን ወተሃደራዊ ህላወ ካብ ዝለወን ሃገርት፡ የመን፣ ዒራቕን ሶርያን ዝተተኾሰ ምዃኑ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ይሕብር።

እቲ ኢራን ዝፈጸመቶ መጥቓዕቲ ኣብ ደቡባዊ እስራኤል ኣብ ዝርከብ ወተሃደራዊ መዓስከር ሓዊሱ ኣብ ግዝኣታ ውሑድ መጉዳእቲ ከም ዘስዓበን ሓደ መንእሰይ ድማ ከምዝቖሰለ እስራኤል ትሕብር።

እቲ መጥቃዕቲ፡ ​​ነቲ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ኣብ ሶርያ ኣብ ዝርከብ ህንጻ ልኡከ መንግስቲ ኢራን ዝተፈጸመ ቀታሊ መጥቃዕቲ ሓዊሱ፡ ነቲ እስራኤል ዝፈጸመቶ ገበናትን” ዝተፈነወ ናይ ግብረ መልሲ መጥቃዕቲ 'ንዅሉ ዕላማታቱ ኸም ከም ዝወቐዐ  ኢራን ክትሕብር እንኮላ እስራኤል ብተመሳሳሊ መልክዕ ድማ ምላሽ ከትህብ ምዃና ተጠንቅቕ።

ሓያሎ ኻልኦት ሃገራት እስራኤል ካብ መጥቃዕቲ ኢራን ገዛእ ርእሳ ኣብ ምክልኻል ከም ዝሓገዛን። ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ቆጵሮስ ካብ ዝርከብ መዓስከራን ነፈርቲ ፈረንሳን ነፈርቲ ብሪጣንያን ንገለ ካብቲ ካብ ኢራን ዝተወንጨፈ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ኣብ ምዕጋት ግደ ከም ዘበርከታ ክንገር እንከሎ፡ እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኣመሪካ ነቲ ፍጻመታት እትህቦ ምላሽ ንምውህሃድ፡ ኣኼባ መራሕቲ ናይተን ብኢንዳስትሪ ናይ ዝማዕበላ ጉጅለ 7 ሃገራት ከም ዝወደበት ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ ነቲ መጥቃዕቲ ኮኒኑ ኩሎም ወገናት ወግእ ካብ ምጉህሃር ክቑጠቡን ርእሰ ምቁጽጻር ክግበሩን ጸዊዒት ከም ዘቕረቡ የመላኽት።

15 April 2024, 14:41