ድለ

መልክዕን ጽልዋን ምዝባዕ ከባቢ ኣየር ኣብ እስያ መልክዕን ጽልዋን ምዝባዕ ከባቢ ኣየር ኣብ እስያ  (ANSA)

መልክዕን ጽልዋን ምዝባዕ ከባቢ ኣየር ኣብ እስያ

እስያ ብኣከባብያዊ ሓደጋታት ዝያዳ ዝተሃስየ ዞባ ዓለም ብደረጃ ዓለም ኣብ ልዕሊ ህይወት ሰባት ካብ ዘስዕቡ ኣዝዮም መዓታውያን ናይ ተፈጥሮ ዋጋታት ዝረኣየሉን ምዃኑ ዓመታዊ ጸብጻብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዓለምለኸ ትካል ስነ ኲናታት ኣየር ክሕብር እንከሎ፡ ልዑል ተነቃፍነት ናይዚ ከባቢ፡ ለውጢ ከባቢ ኣየር ኣብ ሚዛን እንነብረላ መሬት ብኸመይ ይጸልው ከምዘሎን፡ ከቢድ ቁጠባውን ማሕበራውን ሳዕቤናት የስዕብ ምህላውን መረጋገጺ እዩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ማይ ኣይሂ ማዕበል ሙቐትን ደርቅን እውን ኣሎ። እቲ ኣብ ምድሪ ዚርአ ዘሎ ኸቢድ ለውጢ ዅነታት ኣየር ባህርያት ኣህጉር እስያ ኣለዎ። እቲ ነዚ ከባቢ ዓለም እዚ ዚጸሉ ዘሎ ሃሳዪ ንሓድሕዱ ዚጻረርን ኵነታት ኣየር ኣብ መላእ ዓለም ንብዙሓት ግዳያትን ቍጠባዊ ውድቀትን ዘምጽአ እዩ። ዝሓለፈ ዓመት 9 ሚልዮን ሰባት ዝጸለወን ልዕሊ 2,000 ግዳያት ዝገበረን 79 ሳዕ ኣከባብያዊ ዕንወት ኣጋጢሙ እዩ። እቲ ዓለም ለኻዊ ትካል ስነ ኩነታት ኣየር ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዘውጽኦ ጸብጻብ፥ እቲ ኣብ ከባቢ ኣየር ዝርአ ዘሎ ምዝባዕ ንተደጋጋምን ብርቱዕን እዚ ተርእዮ እዚ ብኸመይ ከም ዘጋደዶ ዜጕልሕ እዩ።

ዋዒ መሬትን ውሕጅን

እቲ ዘጨንቕ ነገር ካብቲ ኣብዚ ኸባቢ እዚ ዘሎ ገምጋም ምውሳኽ ሙቐት ዓለም ዝቐልጠፈ ምዃኑ ኢዩ። ኣብ ዓመት ኣብ 2023 ዓ.ም. ዓመታዊ ማእከላይ ሙቐት ላዕለዋይ ጽፍሒ ኤስያ ካብ 1991 - 2020 ዓ.ም.ዝነበረ ማእከላይ ሙቐት 0.91 ዲግሪ ሴንቲግሬድ፡ ካብ 1961 - 1990 ዓ.ም. ዝነበረ ማእከላይ ሙቐት 1.87 ዲግሪ ሴንቲግሬድ ስዒቡ ካልኣይ ዝለዓለ ከም ዝኾነን። ብተወሳኺ፡ እቲ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ማዕበል ሙቐት፡ ንበረድ ሂማላያ የምክኾ ስለዘሎ፡ ኣብቲ ከባቢ ከቢድ ቅልውላው ማይ ይፈጥር ምህላውን፡ ጃፓን ኣብታ ሃገር ተራእዩ ዘይፈልጥ ሃሩር ሓጋይ ከም ዘጋጠማን፡ ቻይና ድሕሪ እቲ ንመላእ ዞባታት እታ ሃገር ዘልምስ ከቢድ ደርቂ፡ ብዙሓት ሰባት ንሞት ዝዳረገን ማእለያ ዘይብሉ ንብረት ዘዕነወን ብሩትዕ ዝናብን ምዕልቕላቕን ማይን ኣጋጢምዋ እዩ። ኣብ ዓመት "ካብቶም ኣብ 2023 ዓ.ም. ዝተመዝገቡ ፍጻመታት ውሕጅ ቀንዲ ጠንቂ ሞት'ዩ" ዝበለ ጸብጻብ ትካል ስነ ኲነታት ኣየር ሕቡራት ሃገራት፡ ኤስያ ዝለዓለ ተቓላዕነት ተፈጥሮኣዊ ሓደጋታት ከም ዝኾነት ገሊጹ። ካብቶም ኣብ 2023 ዓ.ም. ዝተኸስቱ ፍጻመታት ውሕጅ ቀንዲ ጠንቂ ሞት እዩ” ቢሉ፥ ብቐጻሊ ልዑል ደረጃ ተቓላዕነት ኤስያ ንተፈጥሮኣዊ ሓደጋታት ፍጻመታት የስተብህል። “ድሕሪ ብርቱዕ ህቦብላ፡ ሆንግ ኮንግ ዕለት 7 መስከረም 2023 ዓ.ም.  ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰዓት 158.1 ሚሊሜተር ዝናብ ኣመዝጊባ - እቲ ጸብጻብ ወሲኹ - እዚ እውን ካብ 1884 ዓ.ም. ንደሓር ዝተራእየ ክብረ ወሰን ምዃኑ የመላኽት።

ደርቅን ምከት በረድን

ነቲ ብርቱዕ ዝናብ ንምምካት፡ መብዛሕትኡ ግዜ ብሃንደበት ትሑት ዝናም ስለ ዚዘንም ከምቲ ኣብ ሂማላያን ኣብ ፓኪስታንን ኣፍጋኒስታንን ኣብ ዚርከብ ሰንሰለታዊ ኣኽራን ሂንዱ ኩሽን እተራእየ ደርቂ እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ። "እቲ ኣብ ከበሳ ቲቤት ዘተኰረ ነዋሕቲ ኣኽራን እስያ ካብ ከባቢ ዋልታ ወጻኢ እቲ ዝዓበየ መጠን በረድ ዝሓዘ፡ ኣብዚ ቐረባ ዓሰርተታት ዓመታት ከኣ ብዘደንቕ ደረጃ ከምዘንሰሓበን እዚ ኸኣ ብናህሪ ዘጋጥም ዘሎ ክብታ ሙቐት ከም ዝኾነን" ብመሰረት ጸብጻብ ኣህጉራዊ ትካል ስነ ኩነታት ኣየር ካብቲ ኣብቲ ኸባቢ ዘሎ 22 ኣኽራናዊ በረድ እቲ 20 ኣክራናዊ በረድ ዝሓለፈ ዓመት ብቐጻሊ ዝነበሮ ክምራ በረድ ከም ዘጥፍፈአ ክፍለጥ እንከሎ። ኣብ 2023 ዓ.ም. ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ውቅያኖስ ፓሲፊክ ዝነበረ ሙቐት ባሕሪ ኣብ ታሪኽ ካብ እተመዝገበ ሙቐት እቲ ዝለዓለ ምዃኑ እቲ ጸብጻብ ይሕብር።

ህጹጽ ለውጢ መስመር

ኣብዚ ወሳኒ ዅነታት እዚ እቲ ኣብቲ ኸባቢ ዝርከብ ሃገራዊ ስነ ኲነታት ከባቢ ኣየር ኣገልግሎት ንማሕበረሰብን ትካላትን ብዛዕባ እቲ ዘንጸላልው ዘሎ ሓደጋታት መጠንቀቕታ ንምሃብ እዋናዊ ሓበሬታ ከዳሉ ከም ዘለዎ እቲ ውድብ ሕቡራት ሃገርት ትካል ስነ ኩነታት ኣየር ከጠንቅቕ እንከሎ እቲ ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ትካል "ነቲ ናይ ሙቐት መጠን ምንካይን ነቲ ዘጋጥም ለውጢ ከባቢ ኣየር ንምብዳህን" ተግባራትናን ስነ ኣገባባትናን ንህጹጽነት ናይዚ ህሞት እዚ ከንጸባርቕ ኣድላዪ ምዃኑ ይሕብር።

24 April 2024, 16:17