ድለ

ዓለም ለኸ መዓልቲ ማይ፥ "ማይ ንሰላም" ዓለም ለኸ መዓልቲ ማይ፥ "ማይ ንሰላም"  (AFP or licensors)

ዓለም ለኸ መዓልቲ ማይ፥ "ማይ ንሰላም"

ብምኽንያት እቲ ዕለት 22 መጋቢት ተዘኪሩ ዝውዕል ዓለም ለኸ መዓልቲ ማይ፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት: ሃብቲ ማይ ሰላም ክፈጥር ወይ ግጭታት ከበግስ ከም ዝኽል የጠንቅቕ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ዓለም ለኸ መዓልቲ ማይ ናብቲ ኣብ ወርሒ ሚይዝያ ዕለት 22 ተዘኪሩ ዝውዕል ዓለም ለኸ መዓልቲ መሬት ዝጠመተ ኮይኑ ክልቲኡ ፍጻሜ መሰረታዊ ባእታ ህይወት ወዲ ሰብ ዘተኮረን ክኸውን እንከሎ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሃብቲ ማይ ሰላም ክፈጥር ወይ ድማ ግጭት ከለዓዕል ከም ዝኽል ኣጠንቂቑ  ኣብ መበል 32 ዓለም ለኸ መዓልቲ ማይ “ማይ ንሰላም” ብዝብል መርሕ ቃል ተዘኪሩ ከም ዝወዓለ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ሕቡራት ሃገራት፡ ተበጻሕነት ማይ፡ ሓደጋ ከቢድ ወጥሪ

“ማይ ምስ ዝስእን ወይ ምስ ዝብከል፡ ወይ ብዘይ ምዕሩይ ኣገባብ ክመሓደር ወይ ኣብ ዘይርከበሉ እዋን - ይብል ውድብ ሕቡራት ሃገራት - ኣብ መንጎ ማሕበረሰባትን ሃገራትን ወጥሪ ከተኣታትው ከም ዝኽል ብምምልካት፡ ኣብ መላእ ዓለም ልዕሊ 3 ቢልዮን ሰባት ኣብ ሃገራዊ ዶባት ዝሰግር ማይ ዝምርኮሱ ምዃኖም እውን ይሕበር እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ዕለት 22 መጋቢት ዓለም ለኸ መዓልቲ ማይ ክዝከር ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ 1992 ዓ.ም. ከም ዝወሰነን እዚ ድማ ኣገዳስነት ምንካይ ብኽነት ማይን ምዝባዕ ከባቢ ኣየር ንምምካትን ዝዓለመ ባህርያት ምቕባልን ኣብ ቅርጽታት ዓለምን ርእይቶ ህዝብን ንቕሓት ንምዕባይ ዝዓለመ እውን ምዃኑ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

22 March 2024, 14:33