ድለ

ዕጡቓት ጉጅለታት ኣብ ሃገራዊ ቤት ማእሰርቲ ሃይቲ ድሕሪ ዝፈጸመዎ መጥቃዕቲ ልዕሊ 3 ሺሕ እሱራት ካብ ዕጡቓት ጉጅለታት ኣብ ሃገራዊ ቤት ማእሰርቲ ሃይቲ ድሕሪ ዝፈጸመዎ መጥቃዕቲ ልዕሊ 3 ሺሕ እሱራት ካብ 

ዕጡቓት ጉጅለታት ኣብ ሃገራዊ ቤት ማእሰርቲ ሃይቲ ድሕሪ ዝፈጸመዎ መጥቃዕቲ ልዕሊ 3 ሺሕ እሱራት ካብ

ዕጡቓት ጉጅለታት ኣብ ሃገራዊ ቤት ማእሰርቲ ሃይቲ ድሕሪ ዝፈጸመዎ መጥቃዕቲ ልዕሊ 3 ሺሕ እሱራት ካብቲ ቤት ማሕቡስ ከም ዘምለጡ ምንጭታት ዜና ሃይቲ ዝተቐሰ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ልዕሊ ኣብ ርእሰ ከተማ ፖርት ኦ ፕሪንስ ዝርከብ ሃገራዊ ቤት ማእሰርቲ ሃይቲ ዕጡቓት ጕጅለታት ድሕሪ ዝፈጸምዎ መጥቓዕቲ ልዕሊ 3 ሺሕ እሱራት ከም ዘምለጡን ሓይሊ ጸጥታ ድሕሪ እቲ ኣብ ኣፍ ደገ እቲ ቤት ማሕቡስ ዝተፈጸመ ናይ ተፈንጃሪ መጥቓዕቲ ወስኽ ሓይሊ ክወሃቦ ጻውዒት ኣቕሪቡ እኳ እንተበረ ሓገዝ ከም ዘይረገብረሉ ክሕበር እንከሎ፡ ሓደ ኣብቲ ቤት ማሕቡስ ዘገልግል ወለንተይና ከም ዝበሎ፡ እቶም ኣብ 2021 ዓ.ም. ብቕትለት ርእሰ ብሔር ጆቨነል ሞይስ ዝተኸሰሱ ዓሰርተ ሸሞንተ ኮሎምብያውያን ዕሱባት ሓዊሱ ሚእቲ እሱራት ንህይወቶም ፈሪሖም ኣብ ቦታኦም ክጸንሑ ከም ዝመረጹን፡ ኣብቲ ዕግርግር እውን ሓሙሽተ ሰባት ብጥይት ከም ተቐትሉ ክፍለጥ እንከሎ፡ ኣብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ዝርከብ ካልኦት ኣባይቲ ማሕቡስ መጥቃዕቲ ከም ዝተፈጸመን እቶም ዕጡቓት ሓይልታት ናይታ ከተማ ወደብ ንኽቆጻጸሩ እውን ከም ዝፈተኑ ይንገር።

መንግስቲ ንምዕላው ዝዓለመ መጥቓዕቲ እቶም ዕጡቓት ጉጅለታት

እቲ መጥቃዕቲ መራሔ መግንስቲ ኣርየል ሄንሪ፡ ነቲ ብደረጃ ሃገር ዝፍጸም ዘሎ ሕጊ ኣልቦነት ንምምካት፡ ኣህጉራዊ ዓቃቢ ሰላም ሓይሊ ንምቛም ኣብ ዝፍትነሉ ዘሎ እዋን ዝተፈጸመ ኮይኑ፡ ኣብ ኬንያ ዑደት የካይዱ ብምህላዎም እውን ናብ ሃይቲ ንኸይምለሱ ንምዕጋት ዝሃቀነ መጥቃዕቲ ምንባሩ ክንገር እንከሎ ሕጂ ንናይ ጎደና ጕጅለ ዕጡቓት ኪዳን ዝመርሕ እየ ዝብል ናይ ሓይሊ ጸጥታ በዓል መዚ ነበር ጂሚ ቸሪዚየር፡ ንሓላፊ ፖሊስን ሚኒስተራት መንግስትን ንምሓዝን ንመንግስቲ ንምውዳቕን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣርያል ሄንሪ ናብ ሃይቲ ንኸይምለስን ንምዕጋት ዝዓለመ መጥቓዕቲ እዩ ነይሩ ከም ዝበለ ናይ ሃይቲ ምንጭታት ዜና ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ኣብታ ሃገር ካብ 2016 ዓ.ም. ጀሚሩ ሕዝባዊ ምርጫ ከም ዘይተገብረን መራሔ መግንስቲ ሄንሪ ኣብ ወርሒ ለካቲት ካብ ስልጣኑ ክወርድ ነይርዎ፡ ይኹን እምበር እቲ ዝቕጽል ዘሎ ህውከትን ዕግርግርን ነዚ ኹሉ መደባት የሰናኽል ምህላዉ የመላኽት።

04 March 2024, 14:47