ድለ

ኣሜሪካ ኣብ ቓዛ ተኹሲ ደው ንምባል ትዓዪ ኣላ ኣሜሪካ ኣብ ቓዛ ተኹሲ ደው ንምባል ትዓዪ ኣላ 

ኣሜሪካ ኣብ ቓዛ ተኹሲ ደው ንምባል ትዓዪ ኣላ

ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ንውጥን ምቁራጽ ተኹሲ ኣብ ቓዛ ኣብ ዝብል ዝክረ ነገር ንኽዝትይ ኣብ እስራኤል ይርከብ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣንቶኒ ብሊንከን ኣብ መንጎ ዋሽንግተንን ኢየሩሳሌምን ዘሎ ዝምድና ኣብ ውጥሪ ዝኣተወሉ ኣብ ዝመስል ዘሎ እዋን ምስ መራሔ መግንስቲ እስራኤል ቤንጃሚን ኔታንያሁ ይራኸብ፡ ብሊንከን ናብታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዘስካሕክሕ ጥሜትን ስእነት ኩሉ መዳያዊ ሰብኣዊ ቀረብን ዝረየላ ዘሎ ቓዛ ሰብኣዊ ሓገዝ ንኽእትው ኣብ ልዕሊ እስራኤል ጸቕጢ ክገብርን ብተወሳኺ እስራኤል ኣብታ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ሰላማውያን ሰባት መዕቆቢ ዝደለዩላ ከተማ ራፋሕ ብምድሪ ወራር ንምፍጻም ዝሓሰበቶ መደብ ከይትፍጽም ከጠንቅቕ ምዃኑ ይንገር ምህላዉን ወሃቢ ቃል ሕቡራት ሃገራት፡ ስምምዕ ምቁራጽ ተኹሲ ኣብ ቓዛ፡ ድሕሪ እቲ ንልዕሊ በቲ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ዝቕጽል ዘሎ ግጭት ምኽንያት ተስፋ ንዝቖረጸ ህዝብን ሕጽረት ማይ፡ ስእነት መግብን ኣፋውስን ዝረኣየሉ ውሽመጥ ቓዛ ናይ መወዳእታ ተስፋ እዩ እንክብል ከም ዘጠንቀቐ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፡ ሰበስልጣን 36 ሃገራትን ትካላትን ኣብ ቆጵሮስ ተራኺቦም፡ ካብታ ደሴት ብባሕሪ ናብ ቓዛ ዝግበር ሓገዝ ናብ ዝለዓለ ደረጃ ንምብጻሕ ዘኽእሉ መንገድታት ኣማእኪሎም ከም ዝዘተዩን እቲ ኣብ ወደባዊት ከተማ ላርናካ ዝተኻየደ ኣኼባ ወከልቲ ሕብረት ኤውሮጳ፣ ሕቡራት ሃገራት፣ ናይተን ብኢንዳስትሪ ዝማእከላ ጉጅለ - 7 ሃገራትን ዘይመንግስታዊ ትካላትን ዘሳተፈ ምንባሩ የመላኽት።

23 March 2024, 15:11