ድለ

ኤውሮጳን ገለ ሃገራት እስያን ኣብ ኣእትዎት ኣጽዋር ልዑል ወሰኽ ከም ዘመዝገባ ይፍለጥ ኤውሮጳን ገለ ሃገራት እስያን ኣብ ኣእትዎት ኣጽዋር ልዑል ወሰኽ ከም ዘመዝገባ ይፍለጥ 

ኤውሮጳን ገለ ሃገራት እስያን ኣብ ኣእትዎት ኣጽዋር ልዑል ወሰኽ ከም ዘመዝገባ ይፍለጥ

ኣብ መላእ ዓለም ወጥሪ እናዓበየ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን ኣብ ዝሓለፈ ሓሙሽተ ዓመታት ካብ ወጻኢ ናብ ኤውሮጳ ዝኣትው ኣጽዋር ውግእ ኤውሮጳ ብዕጽፊ ከምዝወሰኸን፡ ሰደድ ኣጽዋር ኣመሪካን ፈረንሳን ድማ ብዓቢኡ ወሰኽ ከም ዘርኣየ ኣህጉራዊ ትካል ምርምር ሰላም ስቶክሆልም (SIPRI) ኣብ ዘውጸኦ ጸብጻብ 2024 ዓ.ም. ይሕብር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ኤውሮጳ፣ ኤስያን ኪኖኡን ግጭታትን ወጥሪታትን እናወሰኸ እኳ እንተኸደ፣ ኣብ መንጎ 2019 ዓ.ም. ከምኡ እውን ኣብ 2023 ዓ.ም. ዓለማዊ መጠን ንግዲ ኣጽዋር ምስ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ክነጻጸር እንከሎ ብመጠኑ ብ3.3 ሚእታዊት ከምዝነከየን ይኹን እምበር ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ኣብ ሃገራት ኤውሮጳን ዞባ እስያን ውቅያኖስን ኣብ ዝርከባ ሓያሎ ሃገራትን ሸመተ ኣጸዋር ውግእ ብዓቢኡ ከምዝወሰኸ እቲ ዕለት 11 መጋቢት ዝተዘርግሐ ጸብጻብ ኣህጉራዊ ትካል ምርምር ሰላም ስቶኮልም የመልክት።

ካብ ወጻኢ ናብ ኤውሮጳ ዝኣቱ ዓበይቲ ኣጽዋር ዳርጋ ብዕጽፊ ይውስኽ

እቲ ጸብጻብ ብዛዕባ ምዕባለታት እቲ ኣብ ኣህጉራዊ ድሕንነት እተራቀ ኣጽዋርን ወተሃደራዊ ወጻኢታት ምህርቲ ኣጽዋር ንግዲ ኣጽዋር ዕጡቃዊ ግጭታትን ምምሕዳር ግጭትን ከምኡውን ብዛዕባ እቲ ልሙድ ኑክልየሳዊ ቀመማትን ከምኡውን ጸረ ስነ ህይወታዊ ኣጽዋር ንምቍጽጻር እተገብረ ጻዕርታት ሓፈሻዊ ትሕዝቶ ይህብ ።

ብመሰረት እቲ ኣብ ቀረባ እዋን እተረኽበ መጽናዕቲ፡ ካብ 2014 – 2018 ዓ.ም. ክሳብ 2019 – 2023 ዓ.ም. ኣብ ዘሎ እዋን ኤውሮጳ ኣብ ከባቢኣ እተእትዎ ዓበይቲ ኣጽዋር (ብ94 ሚእታዊ) ዳርጋ ብዕጽፊ ክብ ከም ዘበልቶን። ድሕሪ እቲ ኣብ መንጎ ሩሲያን ዩክሬይንን ለካቲት 2022 ዓ.ም. ዝተባርዐ ኲናት እንተ ወሓደ 30 ሃገራት ንዩክረይን ቀረብ ወተሃደራዊ ረድኤትን ዓበይቲ ኣጽዋርን ከም ዝፈጸማን ዩክሬይን ካብ መላእ ሃገራት ኤውሮጳ ካብ 2019 ክሳዕ 2023 ዓ.ም. ካብ ኣውሮጳ እታ ዝዓበየት ኣብ ዓለም ብዕቤታ ራብዓይ ኣምጻዒት ኣጽዋር ኰይና ትርከብ።

ዝዓበየ ብጽሒት ኣብ ምስግጋር ኣጽዋር ናብ እስያ

ኣብ 2019 – 2023 ዓ.ም. ካብ ዝተሰጋገረ ዓበይቲ ኣጽዋር ኣስታት 37 ሚእታዊት ናብ ግዝኣታት እስያን ውቅያኖስን ዝኸደ ኮይኑ፡ ካብ ዝኾነ ዞባ ዝዓበየ ብጽሒት ድማ እዩ፡ ካብቲ ኣብ 2014 – 2018 ዓ.ም. ዝነበረ 41 ሚእታዊት ግን ብቕሩብ ነኪዩ ይርከብ።

ኣብቲ ዞባ ዋላ’ኳ ብሓፈሻ ብ12 ሚእታዊት ምንቁልቋል ምእታው ውግእ ኣጽዋር እንተሃለወ፡ ካብ መላእ ሃገራት እስያ ኣብ ጃፓንን ደቡብ ኮርያን ኣዝዩ ዝወሰኸ ኮይኑ፡ እዚ ድማ ኣብቲ ዞባ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ወጥሪ ዘንጸባርቕ ምዃኑ እቲ ጸብጻብ የመላኽት።

ኣብ ጃፓን ካብ ወጻኢ ዝኣቱ ኣጽዋር ብ 155 ሚእታዊት፡ ደቡብ ኮርያ ድማ ብ6.5 ሚእታዊት ወሰኽ ከም ዘርኣየን። ኣብ ተመሳሳሊ እዋን፡ ኣመሪካ ከም ኣቕራቢት ኣጽዋር ዘለዋ ዓለማዊ ተራ ብምዕባይ፡ ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ዝገበረቶ ንላዕሊ ናብ ዝበዝሓ ሃገራት ኣጽዋር ትሰድድ ኣህገር እያ። ኣብ መንጎ 2014 – 2018ን 2019 – 2023 ዓ.ም. ሕቡራት መግንስታት ኣመሪካ ንወጻኢ እትሰዶ ኣጽዋር ብ17 ሚእታዊት ክብ ከም ዘበለትን፡ ኣብ ጠቕላላ ዓለማዊ ሰደድ ኣጽዋር ድማ ብጽሒታ ካብ 34 ሚእታዊት ናብ 42 ሚእታዊት ደይቡ ይርከብ። ኣብ 2019 – 2023 ዓ.ም. ናብ ሃገራት ኤውሮጳ ካብ ዘእተወ ኣጽዋር ኣስታት 55 ሚእታዊት ብኣመሪካ ዝቐረበ ኮይኑ፡ ካብቲ ኣብ 2014 – 2018 ዓ.ም. ዝነበረ ብ35 ሚእታዊት ወሲኹ ይርከብ።

ሰደድ ኣጽዋር ፈረንሳ’ውን ኣብ መንጎ 2014 – 2018ን 2019 – 2023ን ዓ.ም ብ47 ሚእታዊት ወሰኽ ከም ዘርኣየን፡ ንመጀመርታ ግዜ ድማ ንሩስያ ብቁሩብ ቀዲማ ካልኣይቲ ዝዓበየት ለኣኺት ኣጽዋር ውግእ ኮይና ትርከብ።

እቲ ዝዓበየ ብጽሒት ሰደድ ኣጽዋር ፈረንሳ (42 ሚእታዊት) ናብ ግዝኣታት እስያን ውቅያኖስን ክኸውን እንከሎ፡ ካልእ 34 ሚእታዊት ድማ ናብ ግዝኣታት ማእከላይ ምብራቕ ምዃኑ እቲ ጸብጻብ የመላኽት።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብተደጋጋሚ ዘቕረብዎ ጻውዒት ምርጋፍ ኣጽዋር

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንኢንዱስትሪ ኣጽዋር ብተደጋጋሚ ብምንቃፍ፡ ንምፍራይ ኣጽዋር ዝፈስስ ሃብቲ ገንዘብ ካብ መላእ ዓለም ጥሜት ንምጥፋእ ዘኽእል ምዃኑ ገሊጾም ከም ዝነበሩን ኣብ በዓለ ልደት 2023 ዓ.ም. ኣብ ዓለም ሰላም ንኽህሉ ጻውዒት ኣብ ዘቕረበሉ እዋን፡ ነቲ ናይ ኣጽዋር ኢንዱስትሪ ከምኡውን ነቲ ውግእ ዘጐሃህር "ናይ ሞት መሳርሒታተን" ብጽንዖት ከም ዝኾነኑ ዘዘካኸረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ኣብቲ ዕለት 3 መጋቢት ቀቅድሚ  ኣህጉራዊ መዓልቲ ምጕዳል ኣጽዋርን ዘይምብዛሕን ሰንበት ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ድሕሪ ዘዕረግዎ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ንዅሎም ኣባላት "ዓብዪ ስድራቤት ኣህዛብ" ንምርጋፍ ኣጽዋርን ምቁራጽ ምብዛሕን ኣብ ምዕያይ ተባዓት ክኾኑን ተማሕጺኖም "ስነ-ምግባራዊ ግዴታ" ምዃኑ ከም ዘተሓሳሰቡን፡ “ብሰንኪ ህሉው ኩነታት፡ ብዘሕዝን መንገዲ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ወተሃደራዊ ወጻኢታት ክንደይ ጸጋታት ይባኽን!” ቢሎም ኣብ ኣተሓሳስባን ምውፋር ሃብቲ ገንዘብን ለውጢ ክመጽእ ተስፋ ከምዘለዎም ገሊጾም ከም ዝነበሩ የዘኻኽር።

ኤውሮጳን ገለ ሃገራት እስያን ኣብ ኣእትዎት ኣጽዋር ልዑል ወሰኽ ከም ዘመዝገባ ይፍለጥ
13 March 2024, 14:41