ድለ

Palestinians gather in the hope of getting bags of flour loaded on aid trucks near an Israeli checkpoint in Gaza City Palestinians gather in the hope of getting bags of flour loaded on aid trucks near an Israeli checkpoint in Gaza City 

'ኣብ ጋዛ ዘለዉ ብዓጸቦ እተጠቕዑ ህጻናት በብቝሩብ ካብ ጠመተ ዓለም ይጠፍኡ አለው'

ዩኒሴፍ ዝበሃል ትካል ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብዛዕባ ጉዳይት ህጻናት ዝሓሊ ማሕበር ሰብኣዊ ረድኤት ኣብ ጋዛ ካብ ዘለዉ ትሕቲ ክልተ ዓመት ህጻና ካብ መንጐ ሽዱሽተ ህጻናት ሓደ ህጻን ብጕድለት መኣዛታት መግቢ ብዓጸቦ ይመውት ከም ዘሎ ኣጠንቂቑ ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ኣዴለ ኮድር ኣብ ማእከላይ ምብራቕን ሰሜን ኣፍሪቃን ከም ዞባዊ ኣመሓዳሪት ዩኒሴፍ ኮይና እትሰርሕ ዘላ ዝሓለፈ ሰንበት ምስ ኣህጉራዊ መራኸቢ ብዙሓን ኣብ ዝገበረቶ ቃለ - መሕትት፣ ብዛዕባ እቲ ኣብ ቃዛ ዘጋጥም ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው እንክትገልጽ "ብሰንኪ ጕድለት ኣመጋግባ፣ ዓጸቦ ንቃዛ ኣጥቂዕዋ ስለ ዘሎ፣ እቲ እንፈርሖ ዝነበርና ሞተ ህጻናት ክዉን ኮይኑ ኣሎ " በለት ። ኣብዚ ቐረባ መዓልትታት ኣብቲ ኣብ ሰሜናዊ ገማግም ቃዛ ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ካማል ኣድዋን እንተ ወሓደ ዓሰርተ ቘልዑ ብሰንኪ ስእነት ማይ ከምኡውን ብሰንኪ ዓጸቦ ከም ዝሞቱ ኢዩ ዝንገር ዘሎ ። ኣብ ሓንቲ ኻብተን ኣብ ቃዛ ተሪፈን ዘለዋ ሒደት ሆስፒታላት ቍጽሪ ናይቶም ህይወቶም ንምድሓን ዝቃለሱ ዘለው ህጻናት ይበዝሑ ኣለዉ፣ ኣብ ሰሜን ዝርከቡ ቘልዑ ኸኣ ክንክን ክረኽቡ ኣይክእሉን፣" ድማ በለት።

ኣብቲ ብዩኒሴፍ ዝወጸ መግለጺ፣ ኣዴል ኮድር ኣስዒባ ሕጽረት መኣዛታት ዘለዎ ምግብን፣ ሰነት ጽሩይ ማይን ሕክምናዊ ኣገልግሎትን ብቐጥታ ብሰንኪ “ እቲ ንናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሰብኣዊ ረድኤታት ከይካየዱ ዘጋጥሞም ዘሎ ዕንቅፋታትን ሓደጋታትን" ዝተተሓሓዘ ኢዩ፡ እዚ ድማ ኣብ ልዕሊ ህጻናትን ኣዴታትን ከምኡ'ውን ኣብ ልዕሊ ዕሸላተን ዘጥብዋ ኣዴታትን ብፍላይ ኣብ ሰሜናዊ ምድረበዳ ቃዛ ኣዝዩ ይኸብድ ኣሎ።”

"ሰባት ይጠምዩን ይደኽሙን ይሳቐዩን ኣለዉ። ብዙሓት ድማ ህይወቶም ይስእኑ ኣለዉ" በለት።

ዩኒሴፍ ምስ ካልኦት ኣህጉራውያን ትካላት ህጹጽ ረድኤት ኰይኑ ነቲ ሰብኣዊ ቅልውላው ንምፍታሕን ዓጸቦ ንምክልኻልን ከምኡውን ህይወት ቈልዑ ንምድሓን ናጻ ኣጋጣሚ ኽወሃቦም ጻውዒት የቕርብ አሎ።

ብኹሉ መእተዊ መንገድታት እንተላይ ናብ ሰሜናዊ ቃዛ ረድኤት ንምምጻእ ብዙሕ ዜተኣማምን መእተዊ ቦታታት ኪወሃቦም ከም ብሓድሽ ሓቲቶም ኣለዉ ። ንሰበ-ስልጣን እስራኤል እውን "ብዘይ ምኽንያት ምድንጓያት ከይፍጠርን ከምኡውን ዕንቅፋታት ከይረኸቡን ሰብኣዊ ረድኤት ንምዝርጋሕ ናይ ድሕንነት መረጋገጺ ክወሃቦምን ብዘይ ዕንቅፋት ክሓልፉን" ይሓቱ ከም ዘልዉን አብቲ ዝሃበቶ መግለጺ ኣፍሊጣ።

ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ ኣትሒዙ ዩኒሴፍ ብዛዕባ እቶም ኣብ ቃዛ ዝሞቱ ዘለዉ ሰባት ከምኡውን ብዛዕባ እቲ "እና ዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው እንተድኣ ዘይተኸላኺሎሞ ካብ ቁጽጽር ወጻኢ ከም ዝኸውን" መጠንቀቕታ ኣቕሪቡ አሎ ። ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዙ እቲ ዅነታት እናገደደን እናወሰኸ ኢዩ ዝኸይድ ዘሎ፣ ናይ ስእነት ምግቢ ቅልውላው እንተድኣ ዘይተፈቲሑ ኸኣ "ከቢድ ሞት ሕጻናት ከም ዘኸትል" ውን ይገልጽ።

"ሕጂ እቲ እንፈርሆ ዝነበርና ሞት ህጻናት ክዉን ኮይኑ ኣሎ፣ እቲ ውግእ እንተ ዘየብቂዑ ኸኣ ብቕልጡፍ ክውስኽ ይኽእል ኢዩ፣ ስለዚ ንሰብኣዊ ረድኤት ዘጋጥሞ ዕንቅፋታት ብህጹጽ ፍታሕ ክረክብ ኣለዎ፣" ክብል ጻውዒት የቕርብ።

ዩኒሰፍ “ስለዚ ህይወት ኣሽሓት ሕጻናትን ቈልዑን ኣብቲ ሕጂ ዝግበር ህጹጽ ስጕምቲ ኢዩ ዝምርኰስ።" እንክብል ጻውዒት ከም ዘቕረበ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

05 March 2024, 12:33