ድለ

Aftermath of a Russian drone strike in Sumy Aftermath of a Russian drone strike in Sumy 

ሰለስተ ዩክረይናውያን ብሩስያ ብእተፈነወ መጥቃዕቲ ደብዳብ ነፋሪት ተቐቲሎም

ሰበ-ስልጣን ዩክረይን ውግእ እናገደደ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን ብውሑዱ ሰለስተ ሰባት ብሓንቲ ለይቲ ኣብ ምብራቓዊ ዩክረይን ብናይ ሩስያ መጥቃዕታዊ ደብዳብ ከም እተቐትሉ ይገልጹ፣ ሞስኮ ወተሃደራዊ ጕጅለታት ዩክረይን ናብ ሩስያ ኸም ዝኣተዉ ካብ እትእመን ሓደ መዓልቲ ኣቝጺሩ አሎ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ሰበ ሥልጣን ሩስያ ከም ዝገለጽዎ ናይ ሩስያ ነፈርቲ መጥቃዕታዊ ደብዳብ ኣብ ምብራቓዊ ዮክረይን ሱሚን ዶነትስክን ዕንወት ኣስዒቦም ይርከቡ ኣለዉ፣ ኣብኡ ድማ ብዙሓት ሰባት ተቐቲሎም ኣለዉ።
ኣመሓዳሪ ዓዲ ቫዲም ፊላሽኪን ከም ዘመልከቶ ሩስያውያን ኣብታ ኣብ ዞባ ዶነትስክ እትርከብ ከተማ ምርኖራድ ደብዳብ ከም ዝፈነው እሞ ክልተ ሰባት ከም ዝቐተሉ ሓሙሽተ ሰባት ድማ ከም ዝቘሰሉ ገሊጹ።
ምምሕዳር ዞባዊ መንግስቲ ሱሚ ሓንቲ ናይ ሩስያ ነፋሪት ምስ ሓደ ኣፓርታማ ብለይቲ ኸም እተጋጨወት እሞ ሓደ ሬሳ ኻብቲ ፍርስራስ ከም ዝወጸ ገሊጹ ።
ይኹን እምበር ናይ ህጹጽ ረድኤት ሰብ ሞያ ኣብቲ እንተ ወሓደ ሸሞንተ ሰባት ተጐዲኦምሉ ዘለዉ ቦታ ናይ ህይወት ኣድሕን ኣገግሎት ይቕጽሉ ኣለዉ፣ ብዙሓት ከኣ ኣብ ትሕቲ እቲ ዝዓነወ ህንጻታት ኪጸንሑ ከም ዝኽእሉ ግምታት ኣሎ ።
እቲ ምምሕዳር ከም ዝገለጾ 30 ኣፓርታማታት ሓደ ሓሙሽተ ደርቢ ዘለዎም መንበሪ ህንጻን ከም ዝዓነወን፣ 15 ካልኦት ህንጻታት ኸኣ ብቐዳምነት ከም ዝዓነዉን ኣመልኪቱ ።
ዝሓለፈ ሰሉስ ኣቐድም ኣቢሉ ኣብ ማእከላይ ዩክረይን ኣብ እትርከብ ከተማ ክሪቪ ሪህ ሚሳይል ሩስያ ስለ ዝወደቐ ክልተ ኣፓርታማታት ዓንዮም ኣለዉ ። እቶም ኣብቲ ኸባቢ ዘለዉ ሰበ-ስልጣን ከም ዝገለጽዎ ቍጽሪ እቶም ዝሞቱ ሰባት ትማሊ ረቡዕ ናብ ሓሙሽተ ደዪቡ ኣሎ ፣ እንተ ወሓደ 50 ድማ ቈሲሎም ኣለዉ ።

ኣብታ ኸተማ እተወልደን ዝዓበየን ርእሰ ብሔር ቮሎዲመር ዜለንስኪ ንጕጅለታት ድሕንነት ኣመስገኖም ፣ ሩስያ ተሓታቲት ከም እትኸውን ድማ ኣመልኪቱ አሎ።

ናብ ሩስያ ምእታው

ሩስያ ድሮ ምስ ሰራዊት ናጽነት ሩስያን ምስ ጕጅለታት ወለንተኛታት ሩስያን ትቃለስ ኢያ ዘላ፣ እዚ ድማ ሩስያውያን ንዩክረይን ዝቃለሱሉ ዝነበሩ ጕጅለታት ወለንተኛታት ዝሓቘፈ ዀይኑ፣ ዝሓለፈ ሰሉስ ኣብ ውሽጢ ሩስያ "ኣብቲ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ" ዩክረይናውያን ኸም ዘለዉን ንሓንቲ ኣብ ዶብ እትርከብ ቝሸት ከም እተቖጻጸሩ ድማ ገሊጾም ።
ካብ ዩክረይናውያንን ሩስያን እተላእኩ ምንጭታት ከም ዝገለጽዎ እዞም ጕጅለታት እዚኦም ብከበድቲ ኣጽዋርን ብዕጡቓት መካይንን ንቤልጎሮድን ኩርስክን ሩስያ ኣትዮም ከም ዘለዉ ይሕብሩ።
ይኹን እምበር ሚኒስትሪ ጸጥታ ሩስያ ኣብ ዶብ ኣብ ዝርከብ ዞባታት "ጕጅለታት ግብረ-ሽበራ ዩክረይን" ከቢድ ጕድኣት ከም ዘውረዱ ገሊጹ ኣሎ ።
ብተወሳኺውን ሰበ-ስልጣን ሞስኮ ከም ዝገለጽዎ ነፈርቲ ዩክረይን ኣብቲ ብክየቭ ካብ መጀመርታ እቲ ውግእ ኣትሒዙ ኣብ ልዕሊ ሩስያ ኻብ እተፈነወ መጥቃዕቲ እቲ ዝዓበየ ከም ዝኾነ ይሕብሩ፣ ኣብ ትሽዓተ ዞባታት ሩስያ አብ ዚርከብ ከባቢታት ውን ኢዩ ዝነበረ እቲ መጥቃዕቲ ።
ሓደ ኻብቲ ብነፈርቲ እተገብረ መጥቃዕቲ ዕላማ ናይቲ ኣብ በልጎሮድ ዝርከብ መንግስታዊ ህንጻ ኢዩ ዝነበረ፣ እቲ ኸንቲባ እታ ከተማ ድማ በቲ ደብዳባት ኣርባዕተ ሰባት ከም ዝተቐትሉ ገሊጹ አሎ ። ሩስያ ብሸነኽ ምዕራብ እታ ሃገር 15 ሰባት ዝሞቱላ ወተሃደራዊት ናይ መጓዓዝያ ነፋሪት እውን ከም ዝወደቐት ብምሕባር እቲ ምኽንያት ግን ናይ ሞተር ባርዕ ከም ዝነበረ እዩ ዚንገር ዘሎ ።
ክየቭ ብወገና ከም ዝገለጸቶ እቲ መጥቃዕቲ ብሰንኪ እቲ ብሩስያ ንልዕሊ ኽልተ ዓመት ዝቐጸለ ምሉእ ብምሉእ ወተሃደራዊ ወራር ዩክረይን ምዃኑ ኢያ ትሕብር ።
ኤውሮጳውያን ሓገግቲ ሕጊ ትማሊ ረቡዕ ነቶም ብሓይሊ ናብ ሩስያ ወይ መሻርኽታ ቤላሩስ ዝገዓዙ 20,000 ዝዀኑ ዩክረይንውያን ቈልዑ ንኽምለሱ ዝቐረበሎም ጻውዒት ውን ከም ዘጓሃሃሮ ይምስክሩ ።

14 March 2024, 15:43