ድለ

ሰኔጋል ኣብ ዝተደናጐየ ምርጫ ርእሰ ብሔር ድምጺ ሂባ ሰኔጋል ኣብ ዝተደናጐየ ምርጫ ርእሰ ብሔር ድምጺ ሂባ 

ሰኔጋል ኣብ ዝተደናጐየ ምርጫ ርእሰ ብሔር ድምጺ ሂባ

ዕለት 24 መጋቢት ኣብ ሰኔጋል ምርጫ ርእሰ ብሔር ከም እተኻየደን ብዙሓት እውን እዚ ምርጫ እዚ ኣብታ ሃገር ገለ ምርግጋእ ክመልስ ይኽል ዝብል ተስፋ ከም ዘለዎም ናይታ ሃገር ማዕከናት ዜና ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብዚ ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃዊት ሃገረ ሰኔጋል ዝተኻየደ ህዝባዊ ምርጫ ቅድም ክብል ንኸድምጹ ልዕሊ 7 ሚልዮን ሰባት ተመዝጊቦም ከም ዝነበሩ ክንገር እንከሎ እቲ ምርጫ ፈለማ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ክካየድ ተሓሲቡ እኳ እንተነበረ፡ ኣብ መጀመርታ ወርሒ ለካቲት ኣብ ስልጣን ዘሎ ርእሰ ብሔር ማኪ ሳል ከም ዘድናጎዮን እዚ ውሳነ እዚ እውን ማዕበላዊ ዓመጽ ዘበገሰ ኮይኑ ከም ዝጸነሐን፡ ባይቶ ቅዋም ሃገር ነቲ ድምጺ ንምድንጓይን እቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ መንግስቲ ዝወሰዶ ውሳነ ነጺጉ ስልጣን ሳል ኪኖ ሚያዝያ ከይናዋሕ ከም ዝወሰነ ክፍለጥ እንከሎ፥ እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ብድምር ዓሰርተ ትሽዓተ ሕጹያት ነቲ ነታ ሃገር ክልተ ሳዕ ዝመርሐ ናይ ኣገልግሎት ዘመኑ ዘብቅዕ ዘሎ ርእሰ ብሔር ሳል ንምትካእ ከም እተወዳደሩ ዜና ቫቲካን ናይ ሰኔጋል ምንጭታት ዜና ጠቒሱ የመላኽት።

እቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ፖለቲካዊ ውድብ ወኪሉ ንምርጫ ዝቐረበ ነበር መራሔ መግንስቲ ኣማዱ ባ ክኸውን እንከሎ እዚ እውን እቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ጥሙር ፖለቲካዊ ውድብ ከም ዝመረጾን፡ ቀዳማይ እቲ ጐሊሑ ዝረአ ካልእ ሕጹይ፡ ባሲሩ ዲዮማየ ፋየ ዝተባህለ ናይታ ሃገር ጉዳያት ክፍሊት ግብሪ ሓላፊ ኮይኑ ዘገልገለ ብመራሒ ተቓዋሚ ሰልፊ ዑስማነ ሶንኮ ዝድገፍ ኮይኑ ከም ዝቐረበን ቅድም ክብል ዝኾነ ይኹን ጸብጻብ ርእይቶ ምርጫ ስለዘይተኻየደ፡ መን ክስዕር ይኽእል ዝብል ግምት ንምሃብ ዘይከኣል ኮይኑ ከም ዝጸንሐ ድማ ዜና ቫቲካን ናይታ ሃገር ምንጭታት ዜና ጠቒሱ ከመላኽት እንከሎ ናይ ድምጺ መውሃቢ ኑቕጣታት ምሸት ዕለት 24 መጋቢት ከም እተዓጸዉን ኣብ ውሽጢ ዝቕጽሉ 48 ሰዓታት ድማ ግዝያዊ ውጽኢት ህዝባዊ ድምጺ ክቐርብ ትጽቢት ይግበር ምህላዉን ናይ ምርጫ ኑቕጣታት ውጽኢተን ካብ ሰንበት ኣጋምሸት ኣትሒዘን ግምታት ክህባ ከም ዝጀመራን ባሲሩ ዲዮማየ ፋየ ነቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ መንግስቲ ወኪሉ ንዝቐረበ ኣማዱ ብቑሩብ ድምጺ ከም ዝበለጾን ነዚ ኣብ ግምት ብምእታዊ ካልይ ናይ ምርጫ ዙር ክካየድ ግድን ከም ዝኸውን ይሕብር።

25 March 2024, 15:59