ድለ

ኣብ ኣዳራሽ ምርኢት ሞስኮ ዝተፈጸመ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ልዕሊ 100 ሰባት ቀቲሉ ኣብ ኣዳራሽ ምርኢት ሞስኮ ዝተፈጸመ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ልዕሊ 100 ሰባት ቀቲሉ  

ኣብ ኣዳራሽ ምርኢት ሞስኮ ዝተፈጸመ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ልዕሊ 100 ሰባት ቀቲሉ

ርእሰ ብሔር ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን፡ ኣብቲ ዕለት 23 መጋቢት ኣብ ከባቢ ሞስኮ ኣብ ዝርከብ ዓቢ ናይ ምርኢት ኣዳራሽ ዝተፈጸመ ብውሕዱ 133 ሰባት ንሞት ዝዳረገ ሽበራዊ መጥቓዕቲ ዩክሬይን ኢድ ኣለዋ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ህጻናት፡ መንእሰያትን ደቂ ኣንስትዮን ዝርከብዎም ኣብ ጥቓ ሞስኮ ከተማ ክሮከስ ኣብ ዝርከብ ናይ ምርኢት ኣዳራሽ  ብዝተፈጸመ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ልዕሊ 133 ሰባት ከም ዝተቐትሉን ብዙሓት ካልኦት ከምዝቖሰሉ ሰበስልጣን ሩስያ ከም ዘፍለጡን ድሕሪ ሒደት ሰዓታት ርእሰ ብሔር ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ዩክሬን ኣብቲ ዝተፈጸመ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ኢድ ኣለዋ ከም ዝበለን፡ ነዚ ዝቐረበ ክሲ መንግስቲ ኪየቭ ብትሪ ከም ዝነጸጎ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ናይቲ ዝተፈጸመ ግብረ ሽበራዊ መጥቓዒት ተሓተቲ ተባሂሎም ዝተጠርጠሩ 11 ሰባት ኣብ ቀይዲ ከም ዝኣተዉን ካልኦት ድሕሪ እቲ ዝተፈጸመ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ሩሲያን ዩክረይንን ኣብ ዘዳብዉ ከባቢ ትሕቲ ቀይዲ ዝኣተዉ ኣለዉ ከምዝበሉ ኣፍሊጡ።

መግለጺ ኣስላማዊ - መንግስቲ (ዳዒሽ)

እቲ ናይ ሩሲያ ርእሰ ብሔር ፑቲን ዝሃቦ መግለጺ ጉጅለ እስላማዊ መንግስቲ ወይ ዳዒሽ ነቲ ዓርቢ ዝተፈጸመ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ተሓታቲ እየ እንክብል ድሕሪ ዝፈነዎ ሓበሬታ ክኸውን እንከሎ፡ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብዛዕባ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ሩሲያ ክፍጸም ዝኽእል ሽበራዊ መጥቃዕቲ ብዝምልከት ንናይ ሩስያ ደሕንነትን ጸጥታን ትካል ሓበሬታ ኣመሓላሊፉ ከም ዝነበረ ክንገር እንከሎ፡ ይኹን እምበር መንግስታዊ ማዕከናት ዜና ሩስያ ኣብ ቀረባ እዋን ክሳብ 19 መጋቢት ፑቲን ነዚ መጠንቀቕታታት ናይ ምዕራባውያን ውዲት ኣብ ልዕሊ ሩሲያ እዩ እንክብሉ ከም ዝነጸጎ ከመላኽታ እንከለዎ፡ ርእሰ ብሔር ፑቲን በቲ ዝተፈጸመ ሽበራዊ መጥቓዕቲ ምኽንያት መዓልቲ ሓዘን ከም ዝኣወጁ እውን ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

25 March 2024, 15:54