ድለ

ካብ ሊብያ ዝመጹ ስደተይናታት ብሓድሽ ሰብኣዊ መተሓላልፎ ኢጣሊያ ኣትዮም ካብ ሊብያ ዝመጹ ስደተይናታት ብሓድሽ ሰብኣዊ መተሓላልፎ ኢጣሊያ ኣትዮም 

ካብ ሊብያ ዝመጹ ስደተይናታት ብሓድሽ ሰብኣዊ መተሓላልፎ ኢጣሊያ ኣትዮም

ህጻናት፡ ደቂ ኣንስትዮን ድኹማትን ዝርከብዎም ብሓፈሻ 97 ካብ ሊብያ ብሓደ ሓድሽ በቲ ኣብ መንጎ ኢጣልያን ካቶሊካዊ ምንቅስቓስ ማሕበር ቅዱስ ኤጂዲዮ፡ ፈደረላዊ ወንጌላውያን ኣብያተ ክርስቲያናትን ዝተገብረ ስምምዕ መሰረት ብሰብኣዊ መተሓላልፎ ኣገባብ ኣቢሎም ሮማ ከም ዝኣተዉን ናይ ዳግመ-ምጥያሶምን ምውህሃዶምን ሓላፍነት ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ናይ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ክኸውን እዩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቶም 97 ካብ ሊቢያ ናብ ሮማ ዝኣተዉ፥ ኤርትራውያን፡ ኢትዮጵያውያን፡ ሶርያውያን፡ ሶማላውያን፡ ሱዳናውያንን ደቡብ ሱዳናውያንን ከም ዝኾኑ ዜና ቫቲክን ክሕብር እንከሎ፥ እዚ መደብ እዚ ብመሰረት ኣብ ወርሒ ታሓሳስ 2023 ዓ.ም. ብሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያትን ወጻኢን ኢጣልያ ምስ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ምስ ካቶሊካዊ ምንቅስቓስ ቅዱስ ኤጂድዮ፡ ፈደራላዊ ወንጌላውያን ኣብያተ ክርስቲያናትን ኢጣሊያ ዝተፈረመ ስምምዕ ምኽንያት ትግቡር ዝኾነ ኣብ ዝቕጽሉ ሒደት ዓመታት 1500 ሰባት ካብ ሊቢያ ናብ ሮማ ክኣትዉ ዝብል ተስፋ ከም ዘሎን እቶም ቆልዑ ናብ ቤት ትምህርቲ ክኸዱን እቶም ዓበይቲ ድማ ኣብ ትምህርቲ ቋንቋ ጥልያን ክኣትዉን ስራሕ ኣብ ምርካብ ዘድሊ ሓገዝ ክረኽቡን እዮም።

ሓድሽ ናይ ህይወት ጉዕዞ

እቶም ሮማ ዝኣተዉ ስደተይናታት "ቅድሚ ዓመታት ናብ ሊብያ ዝኣተዉ ተቓላዕቲ ሰባት እዮም" ክብሉ ናይ ቅዱስ ኤጂዲዮ ማሕበረሰብ ኣቦ መንበር ማርኮ ኢምፓሊያዞ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ሓቢሮም፥ "ብጉዕዞታትን ማእሰርትን ዝተሳቐዩ ካብ ሃገራት ኣፍሪቃ ብዓቢ ጸገም ናብ ሊቢያ ዝኣተዉ እዮም” "ብሓቂ ሓገዝን እንግዶትን ዘድልዮም ሰባት እዮም፡ ንመጻኢኦም ዝኸውን መንገዲ ክረኽቡን ዘድሊ ሕክምና ክግበረሎምን ኣብ ዝተኣንገድሉ ሕብረተሰብ ክወሃሃዱ ዘድሊ ሓገዝ ክረኽቡ ምዃኖም ይሕብሩ።

ትካል ስደተይናታት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሊብያ ሓደጋታት ከምዘሎ ኣስተብሂሉ

ትካል ስደተይናታት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሊብያ ኣብ ትሕቲ ጽንኩር ኩነታት እናተቓለሰ ይሰርሕን ነቶም ኣብ ጭንቀት ዘለዎ ቦታታት ንዝርከቡ ዝከኣሎ ሓገዝ እውን ዘቕርብን፡ ሊብያ ውሑስ መዕቆቢ ከም ዘይኮነት ወኪል ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኢጣልያን ቅድስቲ መንበርን ሳን ማሪኖን ኪያራ ካርዶለቲ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየደኦ ቃለ መሕትት ገሊጸን፥ "ንስደተይናታት ሊብያ ሕጂ'ውን ኣዝያ ዝተሓላለኸት ሃገር ምዃና ንፈልጥ ኢና። ክሳብ ሕጂ ብዙሕ ምምሕያሽ ኣይተራእየን። ሊብያ ነቲ ናይ 1951 ዓ.ም. ውዕል ስደተይናታት ካብ ዘይፈረማ ሃገራት እያ ኣብ ልዕሊ ስደተይናታትን ብዙሕ በደል ዝፍጸመላን ኣብ መዳጎኒ ማእከላት ዝቕየዱላን እያ" ካብ 2017 ዓ.ም. ጀሚሩ ዳርጋ ሸሞንተ ሽሕ ሰባት ብዝተፈላለዩ መንግስታውያንን ዓለም ለኸ ትካላትን ናብ ኢጣልያ፡ ፈረንሳን ቤልጅየምን ከም ዝኣተዉን፡ ኣገባብ ሰብኣዊ መተሓላልፎ ሓደ ካብቶም ውሑዳት፡ ዘይሕጋዊ ስደት ንምግጣም ካብ ዝሕግዙ መጋበርያታት እዩ” ኢለን።

06 March 2024, 15:29