ድለ

ጸብጻብ መተር 2023 ዓ.ም. ኣብ ልዕሊ ሕጻናት ዝፍጸም ገበንን ዓመጽ ጾታዊ ርክብን ጸብጻብ መተር 2023 ዓ.ም. ኣብ ልዕሊ ሕጻናት ዝፍጸም ገበንን ዓመጽ ጾታዊ ርክብን  

ጸብጻብ መተር 2023 ዓ.ም. ኣብ ልዕሊ ሕጻናት ዝፍጸም ገበንን ዓመጽ ጾታዊ ርክብን

"ብመርበብን ስእለ ጽዩፍ ህጻናት ዝርጋሐ ንምምካትን ገበነይናታትን ግዳያትን ንምልላይን ኣህጉራዊ ሕጋዊ መምርሕታትን ሓባራዊ ስጉምቲ ብሓይልታት ጸጥታን ብህጹጽ የድሊ"። እዚ ጻውዒት እዚ ኣብቲ እቲ ማሕበር መተር ብዛዕባ እቲ ንመንእሰያትን ንትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ኣማእኪሉ ኣብ ዘቕረቦ ዓመታዊ ጸብጻብ ዘሎ ኮይኑ። እቲ ጋዜጣዊ መገልጺ ዝተወሃበሉ ጸብጻብ፡ ወትሩ ሓድሽ ሜላታት ዝፍትን ዝያዳ እተወደበ ክውንነት ከም ዘሎ የርኢ። ናይቲ ማሕበር ሓላፊ ኣባ ዲ ኖቶ፦ እዚ ስእላዊ ጸብጻብ ጥራይ ዘይኰነስ ናይ ሓቂ ታሪኽ ህይወት ንጹሓት ሰባት ይገሃስ ከም ዘሎ ዘረጋግጽ እዩ ኢሎም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ዕለት 19 መጋቢት ዝቐረበ ጸብጻብ 2023 ዓ.ም. ኣብ ኢጣሊያ ከተማ ፓቺኖ ዞባ ሲራኩሳ ኣብ ዝርከብ ዋና ቤት ጽሕፈት ማሕበር መተር ብወግዒ ንምቕራብ ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ ርክብ ናይቲ ማሕበር መተር ኣቦ መንበር ኣባ ፎርቱናቶ ዲ ኖቶን ዋና ኣመሓዳሪ ሃገራዊ ሓይሊ ጸጥታ ምብራቓዊ ዞባ ሲቺሊያ ማእከል ጸጥታ ምክትታል ገበናዊ ርክባት ዝከታተል ቤት ጽሕፈት ሓይሊ ጸጥታ ሓላፊ ማርቸሎ ላ ቤላ ናይ ሰበኻ ኖቶ ጳጳስ ሳልቫቶረ ሩሜዮ ናይ ኢጣሊያ ማሕበር ካቶሊካውያን ጋዜጠይናታት ዋና ጸሓፊ ሳልቮ ዲ ሳልቮ ከም እተሳተፉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣብ ልዕሊ ንጹሃት ሰባት እተፈጸመ እተፈላለየ ዜስካሕክሕ ገበናት

"እተን 142 ገጻት ጸብጻብ ዘእውያ ነይረን እንተዝኾና ምናልባት ክንደይ ንጹሕ ህይወት መዓልታዊ በቲ ሰብ ክሓስቦ ዘይክል ኣዝዩ ጽዩፍ መልክዕ ይግሃስ ምህላዉ ምተረዳእና" ነዚ ዝበሉ ነቲ ጸብጻብ ንምቕራብ ኣብ መእተዊ መደረ ዘስምዑ ኣባ ዲ ኖቶ ክኾኑ እንከለዉ፥ "ብመርበብ ዝርጋሐ ጽዩፍ ኣሳዕል ትሕቲ ዕድመ ሕጻናትን መጋበርያ ሩካቤ ስጋን ዝካየድ ዓመጽ ኣብ ውሽጢ ስፍሓት ስግረ-ሃገራዊ ገበን ዝወድቁ ኣዝዮም ጽዩፋት ገበናት ዝውክል እዩ። እዚ ኣብ ልዕሊ ሕጻናት ዝፍጸም ገበን ብሓቂ ቅርጻውን ሰፊሕን እዩ” እንክብሉ ይገልጹ። ዓመታዊ ጸብጻብ መተር ማሕበር "ንቁጽሪ' ዘይኮነስ፡ ነቲ መብዛሕትኡ ግዜ መውጽኢ ዘይብሉ፡ ነቶም መንእሰያት ግዳያት ዝተሓላለኸ መርበብ ንምስባር ዝሕግዝ መዓልታውን ቀጻልን ስርሒታት ዝውክልን ዝትንትንን" እዩ ኢሎም። እቲ ኣሃዛት ግን ብዛዕባ እቲ ኣብ ልዕሊ ህጻናት ዝፍጸም ገበን ክሳብ ክንደይ ሰፊሕን ዓሚቕን ምዃኑ ንምርዳእ ይሕግዝ። እቲ ናይ 2023 ዓ.ም. ጽበጻብ ተርእዮ ስእለ-ጽዩፍ ህጻናት ብመርበብ ኣብ ዓለማዊ ደረጃ ከምዘሎን ዝኾነት ኣህጉር ካብዚ ነጻ ከምዘይኮነትን የረጋግጹ። ሕግታት ብሕትናውነት፡ ዋላ’ኳ እቲ ናይ ሕጊ እማመታትን ብዛዕባ እዚ ገበን እዚ ኣብ ናይ ኤውሮጳ ባይቶ ዘተ ይግበረሉ እንተሃለወ፡ እዚ ኹሉ ነዚ ገበን እዚ ንምምካት እኹል ኣይኮነን። እቲ ብመርበብ ዚፍጸም ማህሰይቲ ብሕቡእ ዚፍጸም ክትርድኦ ዘይከኣል ኰይኑ ኣሎ፡ እቲ ጸብጻብ ከም ዝዅንኖ እቶም ዓርሞሸሻት መርበባት ናይ ንፍሲ ወከፍ ብሕትናዊ ጕዳያቶም ዝኸላኸሉ ክኾኑ ይሓትት፣ እዚ ኸኣ ንዅሎም ሰባት ዝግባእ ክብርን ቅዱስን ስርዓት እኳ እንተ ዀነ ነቶም ማዕረ ቓልሲ ዚቃለሱ ዘለዉ ሓይሊ ጸጥታ ዓለም ኣብ ዚገብርዎ መርመራ ዜሕዝን ዕንቅፋት እዩ ዀይንዎም ዘሎ።

"ምክልኻል፣ ምሕባር፣ ምዕፋን ናይ ገበን መራኸቢታት፣ ምልላይን ግዳያት ምእላይን

እቲ ጸብጻብ ኣብ ልዕሊ ሕጻናት ዝፍጸም ገበን ካብ ትማሊ ንላዕሊ ሎሚ ዝያዳ ዝተዋደደን ሰላሕታዊ ውዳበ ዘለዎ ምዃኑ ንጹር እዩ። መተር፡ ነቲ ሕጻናት ንሩካቤ ስጋ መጋበርያ ዝገብር መርበባት ምእላይ ወይ ዋሕዚ ናይ ህጻናት ስእለ-ጽዩፍ ንዋት ምዕጋት ጥራይ እኹል ኣይኮነን። እንተኾነ ግን ነቲ ግዳያት ናይ ምልላይ ተግባር ከይረሳዕካ፡ ነቶም ኣብ ልዕሊ ህጻናት ገብን ዝፍጽሙ ንምልላይ እደ ኣታውነት ምግባር ህጹጽ ምዃኑ ይኣምን። ብመሰረት ኣባ ዲ ኖቶ ሕብረተሰብ ብዛዕባ እቲ ኣዕናዊ ዝኾነ መዓት ግህሰት ህጻናት ገና እኹል ንቕሓት ኣይረኸበን: ስለዚ መተር ብጽኑዕ ተወፋይነት ኣብዚ መዳይ እዚ ንቕሓት ንምዕባይ ይሰርሕ ከም ዘሎ ኣመላኺቶም፥ መተር ካብ ብቑዓት ኣካላት ምክልኻል፡ ሓበሬታ፡ ዓፈና፡ ምልላይን ምስናይን ዝብሉ ሓሙሽተ ተግባራዊ ስጉምቲ ክውሰዱ ይላቦ።

ምትሕብባር መተርን ሓይሊ ጸጥታ መንግስትን

ካብ 2008 ዓ.ም. ጀሚሩ መተር ምስ CNCPO ብዝብል ኣህጽሮተ ቃል ዝፍለጥ ናይ ኢጣልያ ሓይሊ ጸጥታ ክፍሊ ሃገራዊ ማእከል ምቅላስ መርበባዊ ጽዩፍ ኣሳል ህጻናት ብምትሕብባር ኣብኡ ድማ ትሕዝቶ ጾታዊ ምዝመዛ ኣብ ልዕሊ ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ብመርበብ ዝፍጸም ተግባር ይከታተል ንዝምልከቶ ኣካል ይሕብር። ብቀጥታዊ ብኢመይል ኣድራሻ ኣቢሉ መርትዖ ዘለዎ ጥርዓን ናብቶም ዝምልከቶም ኣካላት ብምታሕልላፍ መርመራታት ክጅምሩ ዘእኽእሉ ሓበሬታ ዘቕርቡ ብቑዓት ኣካላት ወዲቡ ምስ ሓይሊ ጸጥታ ዝተገብረ ምትሕብባር፡ ኣንጻር ተርእዮ ጾታዊ ርክብ ህጻናት 24 ስርሒታት ክፍጸም ኣኽኢሉ እዩ። ምስ ገለ ኣመሓደርቲ ዓውዲ እውን መርበባዊ ምትሕብባር ተዳልዩ ኣሎ፣ ንሳቶም ድማ ነቲ ዝተጸብጸበ ጭብጥታት ገበናት ብምእላይን ንሓይሊ ጸጥታ ንምርመራታት ዝጠቅም ናይ ምድህሳስ መረዳእታ ብምሃብን ብቕልጡፍ ጣልቃ ይኣትዉ።

ኣሃዛት ናይቲ ንጽጽርን እናነከየ ዝኸይድ ዘሎ ዕድመ ግዳያትን

ስለዚ ምስ 2023 ዓ.ም. ዝተኣሳሰር ኣሃዛት፡ ምስ ናይ ሕጻናት ጉዳይ ዝተተሓሓዘ ንሕጻናት ኣብ ሓደጋ ዘእትውን መጋበርያ ሩካቤ ስጋ ዝገብርን ጸያፍ ኣሳእልን ዝምልከት፡ ናብ ሓይሊ ጸጥታ ዝተላእከ 1100 ሰነዳት፤ 5745 መርበባት ከምዝተረከቡ፡ 85 መራኸቢታት ዓሚቝ መርበብ ሓበሬታ፡ ልዕሊ 2 ሚሊዮን 110 ሽሕ ጽዩፍ ስእልታትን 651,527 ጽዩፍ ናይ ምስማዐ ርእየት ቅዳሕ፣ 1260 ዓበይቲ መዛግብቲ ከምኡውን 237 ዝተገብሩ ዝርርባትን ማሕበራዊ መራኸብን ዝምልከት ጸብጻብ ከም እተመሓላለፈን። ኣብ መልክዓ ምድራዊ ኣቀማምጣ እቲ ናይ ምራኸቢ ብዙሓን መደብር ዝምልከት ስላዊ ምግለጺ ከም ዚሕብሮ፡ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ 3,849 ነጥበ መራኽቦ ከምኡውን ኣብ ኣውሮጳ 699 ነጥበ መራኽቦ መበቈል እተን ስእለ ጽዩፍ ቈልዑ ዚዝርግሓሉ ሓያሎ መርበባት ወይ መድረኽ ዜመሓድራ መብዛሕትአን ቅርጺ ዘለወን ትካላት እየን። ብዛዕባ ዕድመ እቶም ግዳያት ማህሰይቲ ዝዀኑ ሰባት መተር ንገሊኦም ዓመታት ብዛዕባ እቲ ዓበይቲ ናብ ናጽላታት ዚስሕቡሉ ተርእዮ ካብ 0 – 2 ዓመት ዝዕድሚኦም ኪምዝግብ ጸኒሑ እዩ። "ጨካናት መሳቐዪ ኣሳቐይቲ ንንኣሽቱ ቘልዑ የጥቅዕዎም። መብዛሕትኡ ግዜ እቶም ክከናኸንዎም ዝግብኦም ዓበይቲ ሰባት ይሃስይዎም ኢዮም እቶም ዝቐርብዎም ኣባላት ስድራቤቶም አረ ወለዶም እውን ከይተረፉ ኢዮም ዝሃስይዎም።" እቶም 1,649,946 ጽያፍ ኣሳእል ካብ 8 - 12 ዓመት ዝዕድሚኦም ዝምልከት ከም ዝኾነ እቲ ጸብጻብ የመላኽት።

ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ እውን ምጥቃም

እቲ ጸብጻብ 2023 ዓ.ም. ነቲ ኣብዚ ቐረባ ዓመታት ጐሊሑ ዘሎ ኣገባብ ምልውዋጥ ይግበር ምህላዉ የረጋግጽ መተር ከም ዝገለጾ ስእለ ጽዩፍ ቈልዑ ብሓገዝ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ብዛዕባ ህስያ ህጻናት ዚገልጽ ናይ ምስማዐ ርእየትን ስእልታትን ኣብ ምልላይ ንገለ ዓመታት ኪሰርሑ ጸኒሖም እዮም፣ እቲ ዚዳሎ ናውቲ ኸኣ ብኡንብኡ ነቶም ኣብ ዓሚቝ መርበባት ጸልማት ዘለዉ ቘልዑ ንምድሓን ዘቕንዐ ምዃኑን ኣስዒቡ፥ ማሕበር መተር- "ኣብታ ዓመጽ ወይ ማህሰይቲ ዝወረደላ ዓለም ኣብ ልዕሊ እቲ ግዳይ ኰነ ኣብ ርክባውን ማሕበራውን ህይወቱ ከቢድ ሳዕቤን ከም ዘምጽእ ርግጸይናታት ኢና።" ካልእ ጸብጻጻባት ብዛዕባ ህስያ ስንኩላን ቈልዑ ብዛዕባ እቲ ኣብ ልዕሊ ኣባጽሕ ዚወርድ ኣብ ልዕሊ መዛኑኦም ዚወርድ ማህሰይቲ፡ ኣዴታት ኣብ ልዕሊ ውሉዳተን ማህሰይቲ ዘውርዳ ከምኡውን ብዛዕባ እቲ ኣብ ልዕሊ ንኣሽቱ ዚወርድ ዓመጻ ዚገልጽ እዩ ።

ብማሕበራዊ መራኸቢታት፡ ዕላልን ናይ ምዝንጋዕን ኣብ መሰመር ዝውከሎ ሓደጋታት

ማሕበራዊ መራኸቢታትን ናይ መልእኽቲ መተግበሪታትን፡ ስግረ-ሃገራዊ መርበባት ገበን ጽርግያታት ይኾኑ ከምዘለዉ ጸብጻባት መተር ይሕብር። ኣብ 2023 ዓ.ም. መተር ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታትን ቅጽበታዊ መልእኽቲ መተግበሪታትን 237 ዝርርብ፡ ተክለ ሰብነታትን ጉጅለታትን ምልውዋጥ ንዋት ስእለ - ጽዩፍ ህጻናት ከም እተፈጸመ ጸብጺቡ። ኣብ መወዳእታ፡ ሓደጋ ናይ ኣብ መስመራት ዝርርብን ምጽዋትን "ኣብቲ ናይ ዝርርብ መስመር ተሳተፍቲ ትሕቲ ዕድመን ዓበይትን ብሓባር ምንባር ንህጻናትን መንእሰያትን ንሓደጋ ምትላል የቃልዕ" እንክብል የጉልሕ።

ማሕበር መተር

ኣብ 2023 ዓ.ም. ማእከል ሰማዕቲ መተር ንመንእሰያት ንምዕቋብ ዝቐረበ 220 ሕቶታት ከም እተቐበለን፣ ገለ ካብዚ ኸኣ 52 ብዛዕባ ህስያ ኸምኡውን ብዛዕባ እቲ ግጉይ ኣጠቓቕማ መርበብ ዘምጽኦ ስነ-ኣእምሮኣውን ሕጋውን ክስታት ተረኪቢ ዘሳለጦ ዕማም ዝድነቕ እዩ - እቲ ጸብጻብ ከምዚ ይብል - "ነቶም ግዳያት ማህሰይቲ ዝዀኑ ንምሕላውን ንምዕቋብን ዘድልዮም ነገራት ክሕብሩን ነቲ ዘሕልፍዎ ስቓይ ቦታ ኽወሃቦን ኣድላዪ ኢዩ ስለዚ እቲ ብቓላት ክግለጽ ዘይከኣል ዝቓዮምን ከምኡውን እቲ ንሓያሎ ዓመታት ብምስጢርን ስቕታን ዝነብር ዝነበረ ግዳይ ቈልዓ ግዳይ ምእንቲ ክይኸውን ክእለትን ስምዒትን ዘለዓዕል መብጽዓ ኢዩ።

20 March 2024, 16:25