ድለ

ፍልስጥኤም፥ ብመራሔ መንግስቲ መሓመድ ሙስጣፋ ዝምራሕ ሓድሽ መንግስቲ ፍልስጥኤም፥ ብመራሔ መንግስቲ መሓመድ ሙስጣፋ ዝምራሕ ሓድሽ መንግስቲ  (AFP or licensors)

ፍልስጥኤም፥ ብመራሔ መንግስቲ መሓመድ ሙስጣፋ ዝምራሕ ሓድሽ መንግስቲ

መራሔ መንግስቲ እስራኤል ኔታንያሁ ዕላማታቱ ዳግም ብምግምጋም ነቲ ኣብ ልዕሊ ራፋሕ ክፍጸም ዝኽእል መጥቃዕቲ ንምዝታይ ልኡኽ መንግስቱ ናብ ኣሜሪካ ዝገብሮ ዑደት ከፍቅድ እንከሎ ኣቡ ማዘን ብወግዓዊ ኣዋጅ ኣቃውማ መሪሕነት በዓል መዚ ፍልስጤም ይውስን። እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፡ ኣብ ዶብ ደቡባዊ ሊባኖስ ዘሎ ወጥሪ እናገደደ ይኸይድ ከም ዘሎን ኣብ ሄግ ዝርከብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ፡ እስራኤል ንቓዛ "ህጹጽ ሰብኣዊ ሓገዝ ክትገብር" ከም ዝኣዘዘ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኔታንያሁ ድሕሪ ውሳነ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ቓዛ ቅልጡፍ ተኹሲ ደው ምባል ዝብል ዝጸደቐ ውሳኔ ስዒቡ ነቲ ምስ ዋሽንግተን ዝፈጠሮ ምርሕሓቕ ከዐሪ ኣብ ዝፍትነሉ ዘሎ እዋን፡ ርእሰ ብሔር ፍልስጤም ኣቡ ማዘን ነቲ ብመራሔ መንግስቲ መሓመድ ሙስጣፋ ዝምራሕ ሓድሽ መንግስቲ ከም ዘጸደቖን ብመሰረት ዋፋ እተሰምየ ኣገልግሎት ዜና ፍልስጤም፡ መበል 19 መንግስቲ ፍልስጤም ቃለ መሓላ ክገብር ትጽቢት ይግበር። እዚ ሕዳሴ መንግስቲ ፍልጥኤም ማሕበረሰብ ዓለም ርእሰ ብሔር ፍልስጥኤም መንግስታዊ ሕዳሴ ክገብር ብፍላይ ድማ ኣብ ውሽመጥ ቓዛ ድሕሪ ግጭት ንዝመጽእ እዋን ንምድላው ኣብ ዝላበወሉ ዘሎ እዋን'ዩ ተፈጺሙ።

ንራፋሕ ናይ ምጥቃዕ ኣማራጺ

መራሔ መንግስቲ እስራኤል ፈለማ ልኡኽ መግንስቱ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ካካይዶ ወሲንዎ ዝነበረ ዑደት ሰሪዝዎ ድሕሪ ምጽናሕ ዕለት 28 መጋቢት ነቲ ተልእኾ ፍቓድ ከም ዝሃበሉን ብዛዕባ ኣብ ልዕሊ ራፋሕ ክካየድ ዝኽእል መጥቃዕቲ ዝዝትይ ኮይኑ፡ ኣመሪካ ካብ ወሽመጥ ቓዛ ዝተመዛበሉ ኣስታት ሓደ ሚልዮንን ፈረቓን ፍልስጤማውያን ኣብ ራፋሕ ከምዝተዓቝቡ ኣብ ግምት ብምእታው ካብ ቅትለት ንምክልኻል ብኹሉ መዳይ እቲ እስራኤል ኣብ ራፋህ ክትፍጽሞ እትደሊ ስጉምቲ ኲናት ክይትትግብሮ ዝብል ውሳኔ ከም ዘለዋ እዩ ዝንገር።

ጻውዒት ሓማስ ናብ ዓለም ዓረብ

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ እቲ ኲናት ብዘይምቁራጽ ይቕጽል ከም ዘሎን ኣብቲ ናይ ለይቲ ውግእ ከይተረፈ ኣብ ከባቢ ከተማ ቓዛን ካን ዩኒስን ከምዝተራእየን፡ ብውሕዱ 66 ግዳያት ከምዝኾኑ ሰበስልጣን ውሽመጥ ቓዛ ይሕብሩ። ከምኡ’ውን እስራኤል ነቲ ሂዝቦላህ ብተወንጫፊ ሮኬት ዝፈጸሞ መጥቃዕቲ ምላሽ ንምሃብ ኣብ ደቡባዊ ሊባኖስ ብዘካየደቶ መጥቃዕቲ ትሽዓተ ሰባት ግዳያት ከም ዝኾኑን። ኣዛዚ ወተሃደራዊ ክንፊ ሓማስ፡ ኣረባዊ ዓለም "ናብ ፍልስጤም ገጹ ክጓዓዝን ኣብ ኢየሩሳሌም ኣብ ምሕራር መስጊድ ኣል ዓቕሳ ክትሳተፍ" ጻውዒት ከም ዘቕረበን ኣብቲ ናይ 35 ካልኢት ናይ ምስማዐ ርእየት መልኽቲ "ንህዝብና ኣብ ዮርዳኖስን ሊባኖስን፡ ኣብ ምስሪ፡ ኣልጀርያ፡ ማግረብ፡ ፓኪስታን፡ ማሌዥያን ኢንዶነዥያን" ዝቐንዐ ምዃኑ ይንገር።

ቤት ፍርዲ ሄግ፡ እስራኤል ህጹጽ ሰብኣዊ ሓገዝ ከተረጋግጽ ኣለዋ

ኣብ ሰብኣዊ ግንባር ግን፡ ዋና ሓላፊ ውድብ ጥዕና ዓለም (WHO) ቴድሮስ ኣድሓኖም ጌብረኢየሱስ፡ ኣብ ውሽመጥ ቓዛ "ጥሜት ይሰፍሕ ኣሎ" ከም ዝበለን ኣብ ሄግ ዝርከብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ፡ እስራኤል ኣብቲ “ከቢድ ጥሜት ዝረኣየሉ ወሽመጥ ቓዛ ህጹጽ ሰብኣዊ ሓገዝ ክተተግብር” ከም ዝኣዘዘን። እቲ ቤት ፍርዲ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኣይሁድ ዘቕረበቶ ክስታት ምጽናት ዓሌት ኣብ ዝምልከት ጉዳይ እውን ውሳኔ ክህብ ትጽቢት ይግበር።

29 March 2024, 15:36