ድለ

ዋዕላ ምስርን ሕብረት ኤውሮጳን ኣብ ካይሮ ዋዕላ ምስርን ሕብረት ኤውሮጳን ኣብ ካይሮ 

ዋዕላ ምስርን ሕብረት ኤውሮጳን ኣብ ካይሮ

ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ኣብ ኲናት ውሽመጥ ቓዛ 31,645 ፍልስጥኤማውያም ከም እተቐትሉ ብሚኒስትሪ ጥዕና ቓዛ ዝቐረበ ጸብጻብ ክሕብር እንከሎ። ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ምሕደራ ስደተይናታት ንዝግበር ምትሕብባር 7.4 ቢልዮን ዝግመት ሓገዝ ንምምዳብ ድሉው ምዃኑ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ወሽመጥ ቓዛ ኣብ ዝሓለፉ ዕስራን ኣርባዕተን ሰዓታት 92 ሰባት ከም ዝተቐትሉ ብሓማስ ዝምራሕ ሚኒስትሪ ጥዕና ቓዛ ካብ ዝሃቦ ጸብጻብ ክፍለጥ እንከሎ፡ ስለዚ ጠቕላላ ቁጽሪ ግዳያት ኣብ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ኲናት ናብ 31,645 ከም ዝደየበ እዩ ዝነግር። ብመሰረት እቲ ተመሳሳሊ ምንጪ፡ ድሕሪ’ቲ ዕለት 7 ጥቅምቲ 2023 ዓ.ም. ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሓማስ ስዒቡ ኣብ ቓዛ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ 73,676 ሰባት ከም ዝቖሰሉ ይንገር።

ሓበሬታ ምንጭታት ፍልስጤም ዝጠቐሰ ታይምስ ኦፍ እስራኤል እውን፡ ሎሚ ጥራይ ከምዝጸብጸቡዎ፡ ወተሃደራዊ ሓይልታት እስራኤል ዝሓለፈ ሰሙን ብደረጃ ምዝነት ኣብ ሓማስ ሳልሳይ ተባሂሉ ዝንገረሉ ማርዋን ኢሳ ከም ዘቑሰለዎ ከሕብር እንከሎ፡ ብዛዕባ ህልዉ ኩነታቱ ግን ንጹር ሓበሬታ ከም ዘየለ ኣፍሊጡ።

ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ግን እስራኤል ኣብ ሶርያ ኣብ ዝርከብ ግዝኣት ደማስቆ ብውሑዱ ክልተ ቦታታት ናይ ቦምባ ምጥቃዕቲ ከም ዝፈጸመትን፣ ምንቅስቓስ ሊባኖሳዊ ሂዝቦላህ ዝጥቀመሉ ዝበሃል ሓደ መኽዘን ኣጽዋር ሓዊሱ ከም ዝሃረመት ኣብቲ መጥቃዕቲ ሓደ ወተሃደር ከምዝተጎድአ እውን መንግስታዊ ማዕከናት ዜና ሶርያ ይሕብር።

ዓሰርተ ክልተ ናይ ጽዕነት መካይን ኣብ ቓዛ

ኣብ ሰብኣዊ ግንባር ዕለት 17 መጋቢት ንግሆ ኣብ ሰሜናዊ ወሽመጥ ቓዛ ዓሰርተ ክልተ ረድኤት (ሓርጭ) ዝጸዓና ናይ ጽዕነት መካይን ከም ዝኣተዋን ብመሰረት ምስ ሓማስ ዝተኣሳሰራ ማዕከናት ዜና፣ ሽዱሽተ መካይን ናብ መዓስከር ስደተይናታት ጃባልያ፣ እተን ካልኦት ሽዱሽተ ድማ ኣብ ከተማ ቓዛ ከምዝኣተዋ፣ ኣብተን ቀረብ መሰረታዊ መግቢ ዘይብለን ከም ከባቢታት ቤት ላህያን ቤት ሃኑንን እውን ሰብኣዊ ሓገዝ ይዕደል ከም ዘሎ ክፍለጥ እንከሎ እዚ ግን ምስቲ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ክነጻጸር እንከሎ እኹል ከም ዘይኮነ ይንገር።

ኣብ ቓዛ ዝርከብ ቀንዲ UNRWA ትካል ሕቡራት ሃገራት ረድኤትን ስራሕን ንፍልስጤማውያን ስደተይናታት ኣብ ቀረባ ምብራቕ፥ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ፍልስጤም ጥራይ ዳርጋ ካብ ሰለስተ ትሕቲ ክልተ ዓመት ዝዕድመኦም ህጻናት እቶም 28% ብሕዱር ሕጽረት መግቢ ከም ዝሳቐ የጠንቅቕ፡ እዚ ድማ ብመሰረት ውድብ ሕቡራት ሃገራት "ብዘይ ቅድመ ኩነት" ወሰኽ የርእይ ከም ዘሎን፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ መርሃ ግብሪ መግቢ ዓለም፡ ን25 ሽሕ ሰባት ዝኣክል 88 ቶን መሰረታዊ ናይ መግቢ ሓገዝ ናብ ሰሜን እታ ሃገር ከብጽሕ ክኢሉ'ኳ እንተነበረ፡ መጠን መግቢ እንተዘይወሰኸ ግን "ከቢድ ጥሜትን ዓጸቦን ከጋጥም እዩ" ክብል የጠንቅቕ። ዕለት 16 መጋቢት ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ምስሪ፡ ኣሕመድ ኣቡዘይድ፡ ሰብኣዊ ኩነታት ቓዛ ኣዚዩ ዘስካሕክሕ ቅድሚ ምዃኑ እስራኤል ኣብ መሬታዊ መሳገሪታት ዶባት እትፈጥሮ ዘላ "ዕንቅፋታትን እገዳን" ከተወግድን "እቶም ዝተረፉ መሳገሪታት" ክትከፍትን ከም ዝሓተተ ዜና ቫቲካን ምንጭታት ዜና ካይሮ ጠቒሱ የመላኽት።

ዋዕላ ምስርን ሕብረት ኤውሮጳን ኣብ ካይሮ

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ዕለት 17 መጋቢት ርእሰ ብሔር ምስሪ ዓብደልፈታሕ ኣልሲሲ ኣብ ጎኒ ዋዕላ ምስርን ሕብረት ኤውሮጳን ንናይ ሕብረት ኤውሮጳ ኣደ መንበር ኡርሱላ ፎን ደር ሌየን ተቐቢሎም ከም ዘዘራረቡን ብመሰረት መርበብ ሓበሬታ ርእሰ ብሔር ምስሪ፡ ክልቲኦም መራሕቲ "ርክብ ምስርን ሕብረት ኤውሮጳን ናብ ደረጃ ' ሜላውን ዓለማውን ሽርክነት' ንምዕባይ ዝዓለመ ሓባራዊ ፖለቲካዊ ሰነድ ክፍርሙ ትጽቢት ዝገበረሉ መርሓ ግብሪ ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ክልተኣዊ ናይ ምትሕግጋዝ ዝምልከቱ ዛዕባታት ኣማእኪሎም ከም እተመያየጡን፡ ኣልሲሲን ቮን ደር ሌየንን እውን ንዞባዊ ምዕባለታት ከም ዝገምገሙን፡ ርእሰ ብሔር ምስሪ - ኣብቲ ናይ መንግስቲ ምስሪ ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታ፥ "ኣብ ወሽመጥ ቓዛ ተኹሲ ደው ምባል ከምዘድሊ ከም ዘስመሩሉን፡ ምስሪ ንፍልስጤማውያን ካብ መሬቶም ብግዴታ ምምዝባል ከምእትነጽግን ከምዘይተፍቅድን ደጊሙ ከም ዘረጋገጸ” የመላኽት።

ብመሰረት ሓደ ላዕለዋይ በዓል መዚ ሕብረት ኤውሮጳ፡ ሕብረት ኤውሮጳ ምስ ምስሪ፥ ድጋፍን ስምምዓት ምትሕብባር ጸዓትን ንምውዳብ ናይ 7.4 ቢልዮን ኤውሮ ዝግመት ልቓሕ ከተቕርብ ድሉው ምዃኑ ገሊጹ፡ ዕላማ እቶም ስምምዓት፡ ምስሪ ኣብ ምሕደራ ዘይስሩዕ ዋሕዚ ስደት ምትሕብባር ክህሉ ዝሕግዝ እዩ ከም ዝበለ ዜና ቫቲካን ካብ ምስሪ ዝወጸ ሓበሬታ ጠቒሱ የመላኽት።

ኡርሱላ ቮን ደር ለየን ኣብ ኤክስ ማሕበራዊ መረብት ብዘሎ ኣድራሻኣ ኣቢላ፥ "ኣብ ስነ - ስልታዊ ሽርክነት ኣውሮጳን ምስርን ሓድሽ ፍጻመ ንምምልካት ናብ ካይሮ ብምኻደይ ሕጉስቲ እየ" ከም ዝበለትን ምስሪ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዘሎ ፖለቲካውን ቍጠባውን ግጭት ከምኡውን ስነ መልክዓ ምድራዊ ኣቀማምጣኣ ኣብ ኣዝዩ ሽግር ዝመልኦ ኸባቢ ስለ ዘሎ እቲ ናይ ሕብረት ኤውሮጳን ምስርን ርክብ እናዓበየ ከም ዝኸይድን ርእሰ ብሔር ኣልሲሲ ኣብ ካይሮ ብሓባር ምስ ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ኣደ መንበርቮን ደር ለየ ምስ መራሒት መንግስቲ ኢጣልያ፡ በልጅዩም መራሔ መንግስቲ ግሪኽ ከምኡውን ምስ መራሔ መንግስቲ ኦስትርያ ክራኸቡ ከም ዝክዕኑን ካም ምስሪ ዝወጸ ሓበሬታ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

18 March 2024, 15:14