ድለ

2024.02.29 The HALO Trust  2024.02.29 The HALO Trust  

ነተጕቲ ምውጻእ ንመላእ ማሕበረሰብ ብኸመይ ኬድሕኖ ኸም ዚኽእል

እቲ HALO Trust እተሰምየ ትካል ሰብኣዊ ረድኤት ነቲ ብሰንኪ ግጭታት ትቐቢሩ ዝተረፈ ነተጕትን ካልእ ተፈንጃሪ ዝኾነ ተረፍ መረፍ ውግእን ንምጽራይን፣ ከምኡውን ንማሕበረሰብ ብእተኻእሎም መጠን ንህይወቶም ብኸመይ ኣብ ደሓን ኩነታት ክሃንጽዎ ከም ዘለዎም ንምስልጣን ዝዓዪ ማሕበር ኢዩ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ ሃገረ ቫቲካን

"ነተጕቲ ኣጽዋር ውግእ ኢያቶም፣ ነዚ ንምውጋድ ዝዓዪ ድማ HALO Trust እተሰምየ ትካል ሰብዓዊ ረድኤት ኣሎ።" እዚ ድማ ንሓደ እተሓላለኸን ኣብ መወዳእትኡ ኢሰብኣዊ ዝኾነ ክውንነት ዝቐለለ ምላሽ ኢዩ። ዝኾነ ውግእ ወይ ግጭት ምስ ተዛዘመ ካብ ቍጠባውን ፖለቲካውን ዝገድፎ ዕንወታት ሓሊፉ ዝተፍ ካልእ ተረፍ መረፍ ውን ኣሎ ። ኣብ ሓደ እዋን ብምሉኦም ስድራ ቤታትን ማሕበረሰባትን ዚነብሩሉ ዝነበሩ ቦታ ዓውደ ውግእ ኮይኑ ድሕሪ ምጽንሑ፣ ንዝዀነ ይኹን ኪምለስ ዚፍትን ሰብ ዜስግእ ዘይተፈንጀረ መሳርሒታት ክተርፍ ዝከል እዩ ።

ትካል HALO Trust

እዚ HALO Trust እተሰምየ ትካል ሰብኣዊ ረድኤት ኣብ ምጽራይ ተረፍ መረፍ ነተጉትን ተፈንጀርትን ኢዩ ዝዓዪ፣ እዚ ድማ "ነቶም ግጭት ምስ ተዛዘመ ዝተረፉ ህዝቢ ንምድጋፍ ነተጕትን ካልእ ዘይተተኰሰ ኣጽዋርን ምጽራይ ኢዩ ዕማላማኡ ። " ካሉም ፒብለስ ናይቲ ኣብ ዞባ ማእከላይ እስያ ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ልዕሊ ሰላሳ ሃገራት ዝዓዪ ዘሎ ትካል HALO Trust ኣቦ መንበር ኢዩ ።

ንዜና ቫቲካን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ እቲ ዘሕዝን "ነተጕቲ ኣብ ኵለን እተን ዝርከበለን ዘሎ ሃገራት መቕዘፍቲ ኢዩ" ክብል ኣመልኪቱ ።

ንጹሓት ግዳይት ናይቲ ድሮ ዘብቅዐ  ግጭታት

ኣብ ዚምባብወ፡ ካምቦድያ፡ ኣፍጋኒስታን ወይ ኣብ ካልእ ቦታታት HALO Trust ከም ኣብ ማእከላት ጥዕናን ኣብያተ - ትምህርትን ዝኣመሰሉ ቦታታት፣ ኣቐዲሞም ሜዳታት ቃልሲ ዝነበሩ ነተጕን ተፈንትጀርትን ንዝርከቦ መሬት ከምኡውን "መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ሰብኡትን ኣንስትን ቈልዑን ጕድኣትን ሞትን ዘምጽእ" ንምጽራይ ከም ዝዓዪ ገሊጹ ።

እቲ እተቐብረ ነተጕቲ ዕላማኡ ንሳቶም ኸም ዘይኰኑ ድማ ገለጸ፣ እዚ መሳርሒታት እዚ ብቐንዱ ኣብ ወተሃደራዊ ዅነታት ኢዩ ዝዝውተር፣ እቲ ዘሕዝን ግን "ሰላማውያን ሰባት ሰብኡትን ኣንስትን ቈልዑን መብዛሕትኡ ግዜ ግዳያት ናይቲ ነተጕቲ ኢዮም ። "

ኣብ ኣፍጋኒስታን ጥራይ ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ዓመት 3,000 ሰላማውያን ሰባት ተቐቲሎም ኢዮም። እቲ ዝኸበደ ዝገብሮ ድማ ልዕሊ ፍርቂ ኻባታቶም ቈልዑት እዮም ። ፒብለስ ኣስዕብ ኣቢሉ "እዚኣቶም እቶም ንሕና ዝፈለጥናዮም ጥራይ ኢዮም" ክብል ዘለዎ ጥርጠራት ውን ገሊጹ ።

መበል 25 ዓመት ውዕል ምውጋድ ጸረ-ሰብ ነተጉቲ
መበል 25 ዓመት ውዕል ምውጋድ ጸረ-ሰብ ነተጉቲ

ናብ ቤትካ ምምላስ ዘለዎ ሓደጋ

ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ኣብታ ሃገርን ኣብቲ ዝነብሩሉ ቦታታትን ነተጕቲ ወይ ካልእ ተፈንጃሪ ዝኾነ ተረፍ መረፍ ውግእ ክረኽቡ ይጽዕሩ ኣለዉ። መብዛሕትኡ ግዜ "እዚ ዘይተፈንጀረ መሳርሒታት እዚ ነቶም ኣብ ገጠራት ዚነብሩ ሰባት ይጸልዎም ኣሎ" ድማ በለ።

ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ህላዌ ነተጕቲ ነቲ መብዛሕትኡ ግዜ ንሕርሻ ክኸውን ዝኽእል ሰፊሕ ቦታታት ናይ ምጥቃም ተኽእሎታት ክቕይዶ ይኽእል ኢዩ - "ስለዚ ሓንቲ ነታጒት ጥራይ እኳ፣ ኣብ መነባብሮ ናይ ሓንቲ ስድራቤት ጽልዋ ኽህልዎ ዝከአል ኢዩ፣ " ከምኡ ውን እቲ HALO Trust ዝሰርሓሉ ቦታታት "ናይ መግቢ ቀረብ ኣዝዩ ኣብ ሕማቕ ኩነታ ዘለዎ ካብ ምዃኑ እተላዕለ፣ ስድራቤታት ኣብ ስእነት ቀረብ መግዝቢ ኢየን ዝነብራ ዘለዋ ወይ ነቲ ነተጉቲ ከም ዘለዎ ዝፈልጥዎ መሬት ብምጥቃም ገዛእ ርእሶም ኣብ ሓደጋ ብምእታው ኣብ ኣስጋኢ ኩነታት ኢዮም ዘለዉ"።

"ኣብ ኣፍጋኒስታን ኣብ ዝሰርሓሉ ዝነበርኩ ወይ ውን ኣብዚ ቐረባ ግዜ ኣብ ዝሰርሓሉ ዘለኹ ቦታታ ካልእ ኣማራጺ ስራሕ ዘይረኸሎም ስድራቤታት ዝተደርበየ ሓጺነ መጺን ዝእክባሉ ሓደገይና ዝኾነ ስራሕ ኣሎ፣ ነዚ ድማ ብጥረ ገንዘብ ክሸጥዎ ኢዮም ዝፍትኑ ። እንተዀነ ግን እዚ ኣብ ከም ኣፍጋኒስታን ዝኣመሰለ ቦታታት ዝርከብ እተጓሕፈ ሓጺን መብዛሕትኡ ግዜ ዘይተፈንጀረ ኣጽዋር ኢዩ፣ ኣዝዩ ሓደገኛ ውን ኢዩ። ስለዚ ቈልዑን ኣንስትን ወጺኦም እተደርበየ ሓጺን ክእክቡ ይረኣዩ አለዉ፣ ኣብ ከምዚ ኩነታት ከለዉ ኸኣ ገዛእ ርእሶም ይጐድኡ ወይ ክሳብ ህይወትካ ናይ ምስኣን ሓደጋ ይወርዶም አሎ" ክብል ይመስክር።

ኣብ ኣፍጋኒስታን እተገብረ ምጽራይ ጸረ-ሰብ ነተጉቲ
ኣብ ኣፍጋኒስታን እተገብረ ምጽራይ ጸረ-ሰብ ነተጉቲ

ንማሕበረሰብ ምስልጣን

ስለዚ እቲ ካልእ ኣገዳሲ ኽፋል ተልእኾ HALO Trust ሕብረተሰብ ምስልጣን እዩ ።

ኣብ ብዙሓት ሃገራት ፒብልስ ይብል "ስፍሓት ናይቲ ክንዋጽኦ ዘሎና ዕዮ ኣዝዩ ዓብዪ ኻብ ምዃኑ እተላዕለ፣ ንዅሉ ነገራት ከነጽርዮ ኣይንኽእልን ኢና፣" ብምባል ይገልጽ። በዚ ምኽንያት እዚ ማሕበረሰብ ብዛዕባ ነተጕቲ ዜስዕቦ ሓደጋን ከምዚ ዝኣመሰለ ንብረት እንተ ተረኺቡ እንታይ ክገብሩ ከም ዘለዎምን ክስልጥኑ ኣለዎም ። "ኣብ ኣፍጋኒስታን ነዚ ትምህርቲ እዚ ንኻልኦት ደቂ ኣንስትዮ ዝህባ ወለንታይናታት ኣዴታት ኣለዋና። ስፍሓት እቲ ጸገም ኣዝዩ ሰፊሕ ብምዃኑ ኽንወስዶ ዘሎና ወሳኒ ስጕምቲ ኢዩ።

ኣከባቢያዊ ስራሕን ስልጠናን

ድሕሪዚ እቲ ቐጺሉ ዘሎ ስጕምቲ ነዚ ነገራት እዚ ንምጽራይ ምጽዓር እዩ ። ጕጅለታት HALO Trust ብኣህጉራውን ዞባኣውን ሰራሕተኛታት ዝቘማ ኢያተን ። "ኣብቲ እንተብሮ ስርሓት ኣብቲ ኸባቢ ንዝርከቡ ማሕበረሰባት ኢና እነዋፍሮም ። ነቶም ናይ ስራሕ ኣማራጺ ዘይብሎም ውልቀ-ሰባት ስራሕ ንህቦም ኣብ መላእ ዓለም ነዚ ነገራት እዚ ንኼጽርዩ ድማ ነሰልጥኖም ኣሎና ።" ፒብለስ ዝዀነ ይኹን ኣባል ሰራሕተኛ ኣብ ሓደጋ ኸም ዘይኣቱን፣ ኵሉ ሰብ ድማ ነቲ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብቲ ኸባቢ ፍሉይ ዝዀነን እናማዕበለ ዚኸይድን ስርዓተ ንምጽራይ ዓሚቝ ስልጠና ኸም ዚወሃቦ ኣጕልሐ። " HALO Trust ውን ምስቲ ህልው ኩነታት ኢዩ ዝምዕል" ይብል።

ኣብ ካምቦዲያ እተገብረ ምጽራይ ጸረ-ሰብ ነተጉቲ
ኣብ ካምቦዲያ እተገብረ ምጽራይ ጸረ-ሰብ ነተጉቲ

ድምጺ ደገፍ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስ ኣብቲ ብዕለት 28 ለካቲት ኣብ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህተ ክርስቶስ ዘቕረብዎ ሓሳብ ጸሎት ኣብ ኣገዳሲ እዋን እዩ ዝነበረ ። ሎሚ ዕለት 1 መጋቢት መበል 25 ዓመት ናይቲ ጸረ-ሰብ ነተጕቲ ዚኽልክል ውዕል እተፈረመሉ ዕለተ ዝኽሪ እዩ።

ፒብለስ ከም ዝገለጾ "ሓደ ኻብቲ ኣብ ታሪኽ ልዕሊ ዅሉ ዕዉት ዝዀነ " ኢሉ ገሊጽዎ ዘሎ ፣  እዚ ውዕል እዚ "ወተሃደራዊ ነተጕቲ ኻብቲ ሎሚ ዘሎ ማለት ካብቲ HALO Trust ዚዓየሉ ዘሎ ከባቢታት ከምኡ ውን ካብ ሰብኣዊ ግብረ ሰናይ እተገብረ ተበግሶ ካብ ነተጕቲ ናጻ ዝዀነሉ እዋን" ከም ሓደ ምእባሌ ዜርኢ ምዃኑ እዩ ።

ጥቕሚ ርእሲ ደሊኻ ዘይኮነ ካብ ሰብኣውነት ዝብገስ

ድምጺ ቅዱስ ኣቦና ነቲ ናይ ነተጉቲ ምጽራይ ዕዮ ከምኡ ውን ንዅሎም እቶም ህይወቶም ወፍዮም ከምዚ ንምግባር ዝተወፈዩ ሰባት ዝድግፍ ብምዃኑ ዓቢ ትርጕም ኢዩ ዘለዎ ። "ን20, 30 ዓመታት ኣብ ማሕበረሰቦም ነተጕቲ ንምጽራይ ዝዓዩ ሰባት ርእየ አሎኹ። ደኺመ ኸይበሉ ኢዮም ነዚ ተልእኾ እዚ ዝፍጽሙ ዘለዉ፣ እዞም ሰባት ከኣ ስለቲ ዝገብርዎ ጻዕሪ ጸሎትን ምስጋናን ይግብኦም ኢዩ። እዚ ስስዐ ዘይብሉ ዕማምን ብተፈጥሮ ሰብኣውነት እነጥርዮ ባህሪ ኢዩ፣  ነዚ ኣጋጣሚ እዚ ኸኣ ንዅሎም ሰራሕተኛታት ማሕበር HALO Trustን ነቶም ንጥቕሚ ደቅሰብ ሓደገኛ ዕዮ ኣብ ምዕያይ፣ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ዘለዉ ካልኦትን ከመስግኖም እደሊ፣ " ከም ዝበለ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

01 March 2024, 17:24