ድለ

ዓብደልሰላም፡ ሃይማኖታት ንብሩህ መጻኢ ብሓባር ክሰርሓ ኣለወን ዓብደልሰላም፡ ሃይማኖታት ንብሩህ መጻኢ ብሓባር ክሰርሓ ኣለወን 

ዓብደልሰላም፡ ሃይማኖታት ንብሩህ መጻኢ ብሓባር ክሰርሓ ኣለወን

ኣብቲ ብቫቲካንን ሕቡራት ሃገራትን ብሓባር ኣብ ሮማ ኣብ ዝተዳለወ ሓባራዊ ዋዕላ መደረ ዘስምዑ ዋና ጸሓፊ ጉባኤ ሽማግለታት ሃይማኖት ምስልምና ዓለም፡ ኣብ ቓዛ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ኣብ ማሕበረሰብ ዓለም ዘሎ እምነት ብኸቢድ ከምዘዳኸመ ኣጠንቂቖም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ውግእን እምነትን ኣብ መንጎ ሃይማኖታትን ዝግበር ዘተ። እዚኦም ገለ ካብቶም ኣብ ቀረባ እዋን ብጳጳሳዊ ተቕዋም ማሕበራዊ ስነ-ፍልጠት ቫቲካንን መርበብ መፍትሒ ዘላቒ ልምዓት ሕቡራት ሃገራትን ብሓባር ኣብ ዘዳለውዎ ‘ናይ መጻኢ ዋዕላ’ ብዝብል መርሕ ቃል ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ከም ዝኾነ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ። 

ኲናትን ተኣማንነት ኣህጉራውያን ትካላትን

ዳይና ዓብደልሳላም ኣብቲ ዋዕላ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ ኣብዚ ህሉው ኩነታት ኲናት፡ ሰላም ንምርግጋጽ ኣብ ዓቕሚ ማሕበረሰብ ዓለም ተስፋን ምትእምማንን ምምላስ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣስሚሮም፥ ብፍላይ በምንጽር እቲ ነቲ ኣብ ጋዛ ዚርአ ዘሎ ቐጻሊ ስቓይ ጠቐሰ ነቲ ዓለምለኻዊ ስጕምቲ ንምውሳድን ስጕምቲ ዘይምውሳድ ዝብል ፍልልይ ነቒፎም ከም ዝኾኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ተራ ሃይማኖት

መራሕቲ ማሕበረሰብን ሃይማኖታውያን ነዞም ግርጭታት መወዳእታ ኣብ ምግባር ዝያዳ ልዑል ተራ ክጻወቱ ኣገዳሲ ምዃኑ ድማ ኣስሚሮም ባይቶ ሽማግለታት ኣስላም ኣብ ምፍታሕ ዓለማዊ ብድሆታት ኣብ ድምጺ ሃይማኖታት ብምስታፍ ዘመዝገቦ ዕዉት ተግባራት ድማ ኣጒሊሖም፡ ኣብ መላእ ዓለም ንዝፍጠሩ ግርጭታትን ዘይምርድዳእን ኣብ ምፍታሕ ኣገዳስነት መራሕቲ ማሕበረሰብን ሃይማኖታውያን ፍሉጣት ሰባትን ዘለዎ ኣገዳስነት ኣመላኺቶም ኣብ ቓዛ ዘሎ ስቓይ ብምጥቃስ ነቲ ግርጭት ንምፍታሕ ዓለማማዊ ስጉምቲ ዘይምውሳዱ ነቒፎም፡ ብፍላይ ድማ ውሳነታት ተኹሲ ደው ንምባል ዝቐረበ ውሳኔ ድምጺ ብድምጺ ውድቂ ናይ ምግባር ሓይሊ ብምጥቓም ከይሓልፍ ዝገበረ ኣሰራርሕ ከም ዝኾነኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ሰነድ ብዛዕባ ሰብኣዊ ሕውነት

ዋና ጸሓፊ ቀጺሎም ነቲ ኣብ 2019 ዓ.ም. ኣብ ኣቡዳቢ ብር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ኣብ ምስሪ ምስ ናይ ኣል ዓዝሓር መንበረ ጥበብ ዓቢይ መምህር ኣል ጣይብ ብሓባር ከቲሞም ወግዓዊ ዝገበርው ሰብኣዊ ሕውነት ዘርእስቱ ሰነድ ዘኪሮም፥ “መጻኢ ሰላም ዓለምና ኣብ እንሓስበሉ ዘለና እዋን፡ ኣገዳስነት ናይዚ ሰነድ ኣለሊና ጥራይ ዘይኮነስ መትከላቱ ንምትግባር ዝሕግዙ መንገድታት እውን ንምርምር ኣሎና። እዚ መትከላት እዚ፡ ከቢድ ፖለቲካዊ ቅልውላዋት፡ በደልን ፍትሓዊ ምክፍፋል ተፈጥሮኣዊ ሃብቲ ዘይምህላውን ኣብ ብዙሓት ሃገራት ንዝቕጽል ቀታሊ ግጭታት ኣበርክቶ ከም ዘለዎ ብኣጽንዖት ገሊጾም፡ ብፍላይ ነቶም እዚ ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት እዚ ኻብ ውግእን መጥቃዕትን ኬዕቍቦም ብዘይምኽኣሉ ዝረኣዩ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ግዳያት ውግእ ብዘተን ብሓባር ብምንባር ከምኡውን ሰብኣዊ ሕውነት ብምትግባር ንተስፋ ሰላም ክንዕቅቦ እውን ብድሆ ቐሪቡልና ኣሎ" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ቤት ምኽሪ ሽማግለ ሃይማኖት ምስልምና

ዋና ጸሓፊ ብተወሳኺ ኣብ ውሽጢ እስላማውያን ማሕበረሰባትን ኣብ መንጎኦምን ካልኦት ሕብረተሰባትን ሰላም ንምዕባይ ውፉይ ዝኾነ ናጻ ኣህጉራዊ ትካል ባይቶ ሽማግለታት ኣስላም ዘለዎ ተራ ኣልዒሎም፥ ብዛዕባ ንጡፍ ዝምድናታት፡ እንኮላይ ናይ ዓመጽን ሰላምን ብብዙሕ ደረጃታት ምርዳእ ከምዘድሊ ኣስሚሮም፡ ነቲ ኣንቶንዮ ጉተርስ ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ መስከረም ናይ መጻኢ ዋዕላ ክግበር ዘቕረቦ ጻውዒት ድማ ኣጕሊሖም፡ ኣብ መወዳእታ፡ ኣብ ቅድሚ ኲናትን ምድላይ ሰላምን ኣብ ጉዳያት ምትሕግጋዝን ዘላቒ ልምዓትን፡ ኣብ መንጎ ሃይማኖታትን ኣብ መንጎ ባህልታትን ዝግበር ዘተ ምዕባይ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣስሚሮም፡ ቤት ምኽሪ ሽማግለታት ኣስላም ኣብ ከም ለውጢ ከባቢ ኣየር ዝኣመሰሉ ዋዕላ፡ መራሕቲ እምነት ነቲ ቅልውላዋት ንምፍታሕ ዝዓለመ ተበግሶታት ዘለዎ ተሳትፎ ከም ዘመልከቱ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

09 March 2024, 16:51