ድለ

PALESTINIAN-ISRAEL-CONFLICT-GAZA PALESTINIAN-ISRAEL-CONFLICT-GAZA  (AFP or licensors)

ወተሃደራት እስራኤል ነቲ ቐንዲ ሆስፒታል ቃዛ ከጥቅዑ እላማ ይገብሩ

ወተሃደራት እስራኤል ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ ገማግም ቃዛ ዝርከብ ዝዓበየ ቤተ ሕክምና ኣል-ሺፋ ወራር ፈንዮም።

ኣባ ተወለ መብራትህቱ - ሃገረ ቫኢካን

እዚ ወተሃደራዊ ስርሒት ትማሊ ቅድሚ ወጋሕታ ኢዩ ጀሚሩ፣ ካብ ማሕበራዊ መራኸቢ እተረኽበ ናይ ቪድዮ ሓበሬታት ከም ዘመልክቶ ከኣ፣ ኣብ ኸባቢ ናይቲ ቤተ ሕክምና ብርቱዕ ድምጺ ደብዳት ከም ዝነበረ ኢዩ ዘመላኽት ።

ወሃቢ ቃል ሓይሊ ምክልኻል እስራኤል ዳንየል ሃጋሪ እቶም ሰራዊት ቅልጡፍ ስጕምቲ ክውስዱሉ ዘለዎም ስለያዊ ስርሒት ከም ዘለዎም ብምግላጽ ናይ ብቪድዮ መግለጺ ኣመሓላሊፉ ።

ብተወሳኺውን እቶም ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን ወተሃደራት ሃማስ ኣብ ልዕሊ እስራኤል መጥቃዕቲ ንምውራድ ነቲ ሆስፒታል ከም እተጠቕሙሉ ዝሕብር ጸብጻባት ውን ኣሎ።

ብመሰረት ሓይሊ ምኽልኻል እስራኤል ዘውጽኦ መግለጺ፣ ካብ ውሽጢ ቀጽሪ እቲ ቤተ ሕክምና ብወተሃደራት ሃማስ ተኹሲ ከም ዝተፈነወሎም እሞ ናይ ሕይወት ኣድሕን ተኹሲ ውን ብወገኖም ከም ዝፈነው ኣመልኪቶም ።

ሰብዐዊ ናይ ግብረ - ሰናይ ረድኤት ኣብ ሰሜናዊ ገማግም ጋዛ በጽሑ

ኣብ ካልእ ቦታታት ከኣ ሰብኣዊ ናይ ግብረ ሰናይ ረድኤት ኣብ ሰሜናዊ ገማግም ቃዛ ኣብ ዝርከባ ስድራቤታት ፍልስጥኤም ኣብ ውሽጢ ኣዋርሕ ንመጀመርታ ግዜ በጺሕዎም ይርከብ ኣሎ ።

ምግብን ካልዕ ህጹጽ ረድኤትን ተሰኪመን ናብ ከተማ ቃዛ ዝኣተዋ ሓያሎ ዓበይቲ መካይን ናብ ጃባልያ፡ በይት፡ ላህያን ከምኡውን በይት-ሃኑን ከም ዝበጽሓ ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብዛዕባ ጉዳይ ዕቁባን ህጹጽ ረድኤትን ስደተይናታት ፍልስጤም ዝሓሊ ትካል ሓላፊ ኣፍሊጡ ።

እዚ ኸምዚ ኢሉ ኸሎ ናይ እስራኤል ሓላፊ ስለያን ሃጋራዊ ድሕነትን ትማሊ ሰኑይ ምስ ቀጠርን ግብጻውያን ከም መንጐይናታት ብምዃን ኣብ ቀጠር ዘተ ከካይድ ትጽቢት ይግበረሉ ነይሩ ። በዚ ኸምዚ ድማ ብዛዕባ ተኽእሎታት ምቁራጽ ተዅስን ምፍታሕ ናይቶም ጅሆ ተታሒዞም ዘለዉን ንኽዛተ ትጽቢት ይግበረሉ ነይሩ።

ሓደ እስራኤላዊ በዓል ስልጣን ውን ከም ዝገለጾ ሓለቓ ሞሳድ ብዛዕባ እቶም ጅሆ ተታሒዞም ዘለው 40 ሰባት ናጻ ክወጹሉ ዝኽእሉ እማሜ ናይ ሽዱሽተ ሰሙን ተኹሲ ናይ ምቁራጽ ዘተ ከካይዱ ቅሩባት ምዃኖም ከም ዝገለጹ ዜና ቫቲካን የመላኽት ።

19 March 2024, 11:10