ድለ

መራሔ መንግስቲ ሃይቲ ካብ ስልጣኑ ኣሪየ ሄንሪ ከምዝለቐቐ ኣፍሊጡ መራሔ መንግስቲ ሃይቲ ካብ ስልጣኑ ኣሪየ ሄንሪ ከምዝለቐቐ ኣፍሊጡ  (ANSA)

መራሔ መንግስቲ ሃይቲ ካብ ስልጣኑ ከምዝለቐቐ ኣፍሊጡ

ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኣንጻር እቲ ንሃገር ካሪብያን ዘሳቕያ ዘሎ ዓመጽ ጕጅለታት ከም ዕርዲ እምነት ኮይና ንህዝቢ ቀረባ ብምዃን ኣብ እተገልግለሉ እዋን ናይታ ሃገር መራሔ መንግስቲ ኣሪየል ኤንሪ ነቲ ኣብ ሃገር ወሪዱ ዘሎ ዕግርግር ኣብ ግምት ብምእታው ካብ ስልጣኑ ምውራዱን እዚ ድማ ናብ ምርጫ ዝወስድ መንገዲ ምዃኑን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

መራሔ መግንስቲ ሃይቲ ኣሪየል ሄንሪ ዕለት 12 መጋቢት ምሸት ካብ ፖርቶሪኮ ኣብ ዘስምዕዎ ወግዓዊ ናይ ምስማዐ ርእየት መደረ ካብ ስልጣኑ ከምዝለቐቐ ኣፍሊጡ።

እዚ ድማ መሰጋገሪ ቤት ምኽሪ ርእሰ ብሔርን ግዚያዊ መራሔ መግንስቲ ክስየምን ንዝብል ሓሳብ ተቐቢሎም እዚ ክልቲኡ ግዚያዊ መንግስታዊ ስልጣን ብወግዒ ምስ ቆመ ካብ ስልጣን ክወርድ ከም እተሰማመዐ ክንገር እንከሎ፥ “መንግስተይ ድሕሪ ምቛም እቲ ናይ መሰጋገሪ ቤት ምኽሪ ብዘይ ወዓል ሕደር ስልጣኑ ከብቅዕ እዩ፡ መራሔ መግንስትን ሓድሽ ቤት ምኽሪ ሚኒስተራትን ክሳብ ዝቐውም ግን ሓላዊ መንግስቲ ኮይንና ክንጸንሕ ኢና” እንክብል ኣብቲ ዘቕረቦ ናይ ምስማዐ ርእየት መደረ ሓቢሩ፥ ንህዝቢ ሃይቲ ንዝተዋህቦ ዕድል ኣመስጊኑ፡ "ሰላምን ምርግጋእን ብዝተኻእለ መጠን ብቕልጡፍ ክምለስ ዝከኣሎም ኩሉ ክገብሩን" ንህዝቢ ሃይቲ ኣብ ህድኣት ክህሉ ኣተባቢዑ።

ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት ዝረአ ዘሎ ዓመጽ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ

ኣብ መወዳእታ ወርሒ ለካቲት፡ ሄንሪ፡ ዕጡቓት ጉጅለታት ሃይቲ ንምምካት ዝዓለመ ኣህጉራዊ ተበግሶ ጸጥታ ደገፍ ንምርካብ ናብ ኬንያ ተጓዒዙ ከም ዝነበረን ይኹን እምበር፡ ኣብ ሃይቲ ኣብ ዘይነበረሉ እዋን ኣብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር እናተጋደደ ዝኸይድ ዘሎ ዓመጽ ምኽንያት ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ፖርት ኦ ፕሪንስ ኣብ ታሕቲ ቁጽጽር ዕጡቓት ጉጅለታት ብምህላዉ ካብ ናይሮቢ ኣብ ምምላሶም ኣብ ሃገረ ፖርቶሪኮ ከም ዝተረፈ ዘዘኻኸረ ዜና ቫቲካን፡ ድሕሪ ቅትለት ርእሰ ብሔር ጆቨነል ሞይስ ኣብ 2021 ዓ.ም. መራሔ መንግስቲ ኮይኑ ስልጣን ዝሓዘ ሄንሪ፡ ኣብዚ ዓመት ክካየድ ተመዲቡ ዝነበረ ምርጫ ክደናጎይ ብምግባሩ ካብ ዝሓለፈ ቅንያት ጀሚሩ ብርቱዕ ነቐፌታ ኣጋጢምዎ ከም ዘሎ ይሕብር።

ኣብ መጀመርታ ወርሒ ለካቲት፡ ዝያዳ ርጉእ ኩነታት ከምዘድሊ ብምጥቃስ፡ እቲ ምርጫ ክሳብ ነሓሰ 2025 ዓ.ም. ከካይድ ምዃኑ ኣፍሊጡ ከም ዝነበረን እቲ ዝሓለፈ ምርጫ ኣብ 2016 ዓ.ም. ዝተኻየደ ከም ዝነበረን፡ እቲ ካብ ስልጣኑ ክወርድ ትጽቢት ዝግበረሉ ዝነበረ መራሔ መንግስቲ ሄንሪ ነዚ ብዘይምፍጻሙ ውድብ  ሃገራት ካሪብያን፡ ከም ዕንቅፋት ንምርግጋእ ሃይቲ ከም ዝቖጽርዎ ብግልጺ ድሕሪ ምግላጾምን፡ መሰጋገሪ ቤት ምኽሪ ንምቛም መንገዲ ንምኽፋት ካብ ስልጣኑ ክወርድ ድሕሪ ዘቕረብዎ ምሕጽንታ ዝወሰዶ ስጉምቲ ምዃኑ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ቤተ ክርስቲያን ‘ምንጪ ሓይልን ሓገዝን’ እያ

ኣብ ማእከል እቲ ኣብታ ሃገር ዝረአ ዘሎ ዓመጽ፥ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ብዙሕ ማሕበራዊ ጉዳያትን ንብዙሓት ምንጪ ሓይልን ኣድማዒ ሓገዝን ኮይና ትዓዪ ከም ዘላ ኣብ የረመይ ኣኽራናዊ ቑሸት ኣብ እትርከብ ሓዳስ ቤተ ክርስቲያን ረዳኢተ ማርያም ቆሞስ ኮይኖም ዝተመዙ ኣባ ማሲሞ ሚራሊዮ ምስ ዜና ቫቲካን ብስልኪ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ገሊጾም፥ “ቤተክርስትያን ንህዝቢ ሃይቲ ወትሩ ዓቢ ሓይሊ ብምዃን ብዓቢ ትብዓት ድማ ተሰንዮ ኣላ” ኢሎም።

ብዛዕባ እቲ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ድኻታት ከባቢታት እተሳልጦ ማሕበራዊ ተበግሶታት፡ ኣብያተ ትምህርቲ፡ ክንክን ጥዕናን ሰብኣዊ ረድኤትን ወፍርታታ ሓቢሮም፥ እዚ ብዙሓት ገዳማውያንን ገዳማውያትን ልኡካነ ወንጌልን ካህናትን ማዓልታዊ ዝፍጽምዎ ኣገልግሎት እዩ፡ ኣብ ድኻታት ከባቢታት ኣብያተ ትምህርቲ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ካልእ መደባት ሕንጸት ብምቕራብ ንህጻናትን መንሰያትን ናይ ጽባሕ ሰላማውያንን ሓላፍነት ዝስከሙን ዜጋታት ንኽኾኑ የዳልዎም ኢሎም።

ተራ ቤተክርስትያን ኣብ ዳግመ ህንጸት ሃይቲ

ቤተ ክርስቲያን ሓዳስን “ፍልይትን ሃይቲ” ኣብ ምህናጽ ዝጸልው ተራ ከም ዘለዋ እምነቶም ምዃኑ ገሊጾም፥ "ካብ ሕጂ ንደሓር ብዛዕባ ሓዳስ ሃይቲ. . . ከመይ ጌርካ ዳግማይ ትሃንጻ ምሕሳብ ምጅማር የድሊ፡ ሃይቲ ድሕሪ ተፈጥሮኣዊ ሓደጋታት ካብ መደባት ህጹጽ ረድኤት ዝረኸበቶ ዓይነት ሓገዝ ጥራይ ዘይኮነ፡ ንዳግመ ህንጸታ ንጹር ውጥን የድልያ። ምኽንያቱ ሃይቲ ካብ ዘስካሕክሕ ኲናት ዝወጸት ኰይና ኣላ . . . ኩሉ ዳግማይ ክህነጽ ዘለዎ እዩ፡ ስለዚ ቤተ ክርስቲያን ኣብዚ ዳግመ ህንጸት መሰረታዊ ተራ ክትጻወት ድልውቲ” ምዃና ይሕብሩ።

ኣብ ሃይቲ ንዝርከቡ ሓይልታት ንሰናይ እታ ሃገር ተኣኪቦም ነታ ሃገር ዳግማይ ንምህናጽ ውጥን ክሕንጽጹ ተስፋ ከምዘለዎ ገሊጾም፡ “መንእሰያት፡ ነቶም ቅድሚ ሕጂ ኣብ ጕጅለታት ዝተዋፈሩ እውን፡ ናብ ሕብረተሰብ ንኽጽንበሩ ኣብ ምሕጋዝ ተራ ቤተ ክርስቲያን እውን ዓቢ ምዃኑ ይርአ፡” ቤተ ክርስቲያን “ንተኣማንነታን በቲ ድሮ ኣብዚ ኩሉ ዓመታት ምስ ህዝቢ ሃይቲ ቆይማ ዝፈጸመቶ ዕዮ ክትቕጽሎ እያ። ሕጂ እውን ዓቢ ስራሕን መሰረታዊ ተራን ክትጻወቶ እያ” እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

መራሔ መግንስቲ ሃይቲ ካብ ስልጣኑ ከምዝለቐቐ ኣፍሊጡ

 

13 March 2024, 14:37