ድለ

ነበር ርእሰ ብሔር ሃገረ ሆንዱራስ፡ ዕድመ ልክዕ ማእሰርቲ ይጽበዮ ነበር ርእሰ ብሔር ሃገረ ሆንዱራስ፡ ዕድመ ልክዕ ማእሰርቲ ይጽበዮ  (AFP or licensors)

ነበር ርእሰ ብሔር ሃገረ ሆንዱራስ፡ ዕድመ ልክዕ ማእሰርቲ ይጽበዮ

ነበር ርእሰ ብሔር ሃገረ ሆንዱራስ ኹዋን ኦርላንዶ ሄርናንደዝ፡ ዕጸ ፋርስ ናብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ንምእታው ውዲት ብምፍጻምን ብኻልእ ኽልተ ኣጽዋር ምዝውዋርን ብዝምልከት ገበናት ተሓታቲ ኮይኑ ከም እተረኽበን በዚ ምኽንያት እውን ዕድመ ልክዕ ማእሰርቱ ክፍረድ ከም ዝኽል ይንገር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ኣብ ፈደራላዊ ቤት ፍርዲ ማንሃታን ዝተኻየደ ክሂሎት፡ ክልተ ሰሙን ዝወሰደ ኮይኑ፡ እቲ ወዲ 55 ዓመት ናይ ሃገረ ሆንዱራስ ነበር ርእሰ ብሔር ኹዋን ኦርላንዶ ሄርናንደዝ ግዳይ ሕነ ምፍዳይ ናይቶም ዕጸፋርስ ዘንቅሳቕሱን ብፖለቲካዊ ጽልኢ ዝተፈጸመ ውዲት ምዃኑ ብምግላጽ፡ ንኹሉ ክስታት ሓሶት እንክብል ክነጽግ እንከሎ፥ ኣብቲ ፍርዲ ሓያሎ ዝተኸሱን ንፍርዲ ዝቐረቡን ኣባላት ጉጅለ ገበን ኣሰጋገርቲ ዕጸፋርስ ካብኡ ብላዕ ይኽፈሎም ከም ዝነበረ ዘረጋግጽ ቃል ምስክርነት ከም ዝሃቡን ጠበቓ. ናይቲ ነበር ርእሰ ብሔር ኹዋን ኦርላንዶ ሄርናንደዝ ተኸሳሲ ነቲ ቤት ፍርዲ ዘቕረቦ ይግባይ ተቐብላነት ከም እተወሃቦ ይገልጹ።

እቲ ፈደርላዊ ቤት ፍርዲ ዕለት 26 ሰነ ፍርዲ ከመሓላልፍ ምዃኑ ክንገር እንከሎ፡ እንተ ወሓደ 40 ዓመት ማእሰርቲ እንተበዘሐ ድማ ዕድመ ልክዕ ማእሰረቲ ክፍርድ እዩ ዝብል ርእይቶ ከም ዘሎን ሄርናንደዝ ርእሰ ብሔር ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ዕጸፋርስ ዘንቀሳቕሱ ናይ ገበን ጉጅለታት ንምምካት ብዝብል መደብ ካብ ዋሽንግተን ብሚሊዮናት ዝግመት ናይ ገንዘብ ሓገዝ ከም እተቐብለን እቶም ዕጸፋርስ ዘንቀሳቕሱ ናይ ገበን ጉጅለታት ንምቁጽጻር ወተሃደራትን ሓይሊ ጸጥታን ካብ ዘካይድዎ ሓለዋን ወጻኢ መታን ክኾኑ ነቲ ነበር ርእሰ ብሔር ገንዘብ ይኸፍሉ ከም ዝነበሩን እዚ ኸኣ ዕጸፋርስ ናብ ሕቡራት መግንስታት ኣመሪካ ንምእታዉ ከም ዘኽኣሎም ኣብ ዝሃብዎ ምስክርነት ይሕብሩ።

ኣብ 2022 ዓ.ም. ካብ ስልጣኑ ምስ ወረደ ድሕሪ ሰለስተ ወርሒ ኣብ ተጉሲጋልፓ ካብ ዝርከብ መንበሪኡ ተታሒዙ፡ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ 2022 ዓ.ም. ድማ እቲ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እታ ሃገርን መንግስትን ናብ ሕቡራት መግንስታት ኣመሪካ ኣሕሊፎም ከም ዝሃብዎም ክንገር እንከሎ፡ ንእሽቶ ሓዉ ኹዋን ኣንቶንዮ፡ ኣብ ሓደ እዋን ኣባል ህዝባዊ ባይቶ ሆንዱራስ ዝነበረ፡ ኣብ 2021 ዓ.ም. ብምዝውዋር ዕጸፋርስ ተኸሲሱ ዕድመ ልክዕ ማእሰርቲ ተፈሪድዎ ኣብ ቤት ማሕቡስ ከም ዘሎ ይፍለጥ።

ነበር ርእሰ ብሔር ሃገረ ሆንዱራስ፡ ዕድመ ልክዕ ማእሰርቲ ይጽበዮ
11 March 2024, 14:19