ድለ

ሃብቲ ገንዘብን ኣጽዋርን፡ ክብረወሰን ዘለዎ ኣሃዝ ሓደ ትሪልዮን ዶላር ንወተሃደራዊ ኢንዱስትሪ ይውዕል ሃብቲ ገንዘብን ኣጽዋርን፡ ክብረወሰን ዘለዎ ኣሃዝ ሓደ ትሪልዮን ዶላር ንወተሃደራዊ ኢንዱስትሪ ይውዕል 

ሃብቲ ገንዘብን ኣጽዋርን፡ ክብረወሰን ዘለዎ ኣሃዝ ሓደ ትሪልዮን ዶላር ንወተሃደራዊ ኢንዱስትሪ ይውዕል

ጸብጻብ ዓለምለኻዊ ኪዳን ኣባይቲ ባንኪ ኣብ ክብርታት ኣማእኪሉ ኣብ ዘሕተሞ ጸብጻብ ንወተሃደራዊ ኢንዱስትሪ ዝድግፍን ንግድ ኣጽዋር ዘኽስብን ዝፈስስ ሃብቲ ገንዘብ ሓደ ትሪልዮን ዶላር ከም ዝበጸሐን ሓቢሩ፥ ነዚ ኣንፈት እዚ ንምቕያርን - "ገንዘብ ኣብ ውግእ ምውፋር ክቋረጽ ኣለዎ እንክብል ጻውዒት የቕርብ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

«ኲናት ገዛእ ርእሱ ዘጓሃህር” ዝብል ሮማዊ ጸሓፍ ታሪኽ ቲቱስ ሊቪ ዝብሎ ቃል ብፍላይ ሎሚ ኣገዳሲ እዩ፣ ኣብዚ ዘመን ዝረአ ዘሎ ምብዛሕ ውግኣት ኣብ ዓለም ዘይተርፍ ዝመስል ንወሰኽ ወተሃደራዊ ወጻኢታት ዝድርኽ እዩ። ኣብ 2023 ዓ.ም. ኣብ ሓድሽ ክብረወሰን ዝበጽሐን ንዓለም ቁጠባ ብቐረባ ዝምልከትን ዘተሓሳስብ ኣንፈት: ዳርጋ 1000 ቢልዮን ዶላር (959) ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመት ብዓለማውያን ትካላት ቁጠባ ንፍርያትን ንግድን ኣጽዋር ንምድጋፍ ከም ዘዋፈራን። እዚ ድማ ብጸብጻብ “ምዋፍር ሃብቲ ገንዘብ ንኲናት። ምዋፍር ሃብቲ ገንዘብ ንሰላም" ብዝብል ኣርስቲ ብዓለምለኻዊ ኪዳን ኣባይቲ ባንኪ ስነ ምግባር  ኣብ ዘውጸኦ ጸብጻብ ዝተመልከተ ኮይኑ፡ እዚ ዓለምለኻዊ ኪዳን 71 "ስነ-ምግባራውያን" ኣባይቲ ባንኪ ዝሓቁፍ ከም ዝኾነን፡ ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ኢጣልያ፡ ካብ 26 – 29 ለካቲት ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ ብወግዒ ዘቕረቦ ጸብጻብ እዩ።

ኣብ መቕድም ናይቲ 32 ገጻት ዝሓዘ ዝርዝር ጸብጻብ፡ “ባንክታትን ቁጠባዊ ኢንዱስትሪን ኣራኸብቲ ገንዘብ ጥራይ ዘይኮኑስ፡ ወሳኒ መጋበርያ ለውጢ እዮም” ይብል። ልዕሊ ፍርቂ ናይቲ ኣብ ኢንዱስትሪ ምክልኻል ዝካየድ ጠቕላላ ወፍሪ ማለት ልዕሊ 500 ቢልዮን ዶላር ካብ ኣሜሪካ ዝመጽእ እዩ። ከምኡ’ውን እተን ኣብ ምፍራይ ኣጽዋር ዝበዝሐ ሃብቲ ገንዘብ ዘዋፍራ 12 ቁጠባውያን ትካላት ኩለን ኣመሪካውያን እየን: 92 ቢሊዮን ዶላር ነዚ ጉዳይ እዚ ዘውዕል ብጉጅለ ቫንጋርድ ቀዳምነት ይምራሕ። እተን 15 ዓበይቲ ባንክታት ኤውሮጳ፡ ማዕረ 87.72 ቢልዮን ኤውሮ ዝግመት ሃብቲ ገንዘብ ኣብ ኩባንያታት ምፍራይ ኣጽዋር ከም ዘዋፈራን፡ ኣብ እስያ እውን ተመሳሳሊ ዝንባለ ከም ዘሎ ኣመላኺቱ፡ ካብቶም ንኢንዱስትሪ ኲናት ዘጓሃህሩ ኣብ ምፍራይ ኣጽዋር ውግእን ንግድን ኣብ ዝዋፈሩ 100 ቁጠባውያን ትካላት ግን ካብ ኣፍሪቃ ወይ ላቲን ኣመሪካ ዝመጹ ኣውፈርቲ ከም ዘየለዉ የረጋግጽ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ሓድሽ ንሓይሊ ምክልኻል ዝፈስስ ሃብቲ ገንዘብ ክብረወሰን ዝሓዘ ኮይኑ ብዓለም ደረጃ 2,240 ቢልዮን ዶላር ኣብዚ ጉዳይ እዚ ከም እተዋፈረን፡ እዚ ድማ ማዕረ 2.2 ሚእታዊት ውሽጣዊ ፍርያት ዓለም ዝሽፍን እዩ፡ ካብቲ ዝሓለፈ መጽናዕቲ 9 ሚእታዊት ወሰኽ ከም ዘርኣየን፡ ኣብዚ ተርዮታት እዚ ቁጠባዊ ጽላት ኣዝዩ ንጡፍ እዩ: ኣብ መንጎ 2020 - 2022 ዓ.ም. ብውሑዱ 1000 ቢልዮን ዶላር ንኢንዱስትሪ ምክልኻል ከም ዝወዓለን እቲ ኣንፈት ድማ ኣብ ዩክሬንን ማእከላይ ምብራቕን ብዝተባርዐ ኩናት ኣዚዩ ክብ እናበለ ይኸዲ ከም ዘሎን እዚ ድማ ኣብ ልዕሊ እቲ ካብ ሱዳን ክሳብ ሚያንማር ዝጎትት ብውሑድ ብብዙሕ "ዝተረሰዐ" ግጭታት እውን ይውሰኽ።

ኣብ ወርሒ ለካቲት 2022 ዓ.ም. ኣብ ዩክሬን ዝተላዕለ ኲናት፡ ዋጋ ብርክታት ኩባንያታት ኣፍረይቲ ኣጽዋር ሰማይ ከም ዘደየቦን። ብፋይናንሻል ታይምስ ዝቐረበ ትንታነ ከም ዘመልክቶ፡ ሸመተ ኣጽዋር ኣብ 2022 ዓ.ም. ከምኡ እውን ኣብ ቀዳማይ ፍርቂ ዓመት 2023 ዓ.ም. ክብረወሰን ከም ዝሓዘ ይሕብር። እዚ ዝንባለ ብሕማቕ ኣጋጣሚ ኣብ ሓጺር ግዜ ብሰንኪ ለበዳ ግጭት እስራኤልን ሓማስን ናይ ምውሳኽ ዝንባለ ከም ዘለዎን ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2023 ዓ.ም. ካብቶም ካብ መጀመርታ 2024 ዓ.ም. ጀሚሩ ዝበዝሐ ምዕባለ ዘመዝገቡ ዓሰርተ ዓለማዊ ብርካዉያን፡ ጀርመናዊ ኣፍራዪ ነታጒ ራይንሜታልን ናይ ኖርወይ ኩባንያ ኮንግስበርግን ይርከብዎም።

ብኣንጻሩ ስነ-ምግባራዊ ባንክታት ኣንጻር እዚ ኦይነት ከይዲ ቁጠባ ይኸዳ። ኣብቲ ካብ ዕለት 26 – 29 ለካቲት ኣብ ሚላኖ ዝተኻየደ ኣኼባ፡ ንኹሉ ውግኣት ዝኹንን ስነ መጎታዊ መርትዖታት ብምቕራብ፡ "ቀንዲ" ትካላት ቁጠባ ነቲ ናብ ኣጽዋር ዘተኮረ ዝንባለ ቁጠባ ንድሕሪት ክመልሳን ኣብ ሕንጸት ሰላም ከውዕለኦ ከም ዝሓተተን። ወተሃደራዊ ወጻኢታት ብዝለዓለ ደረጃ ይዓቢ ከምዘሎ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ንኣገደስቲ ኣገልግሎታት ከም ቤት ትምህርቲ ወይ ክንክን ጥዕና ዝኣመሰሉ ንምስፋሕን ንምሕያልን ዘኽእል ሃብቲ ገንዘብ ክትረክብ ኣጸጋሚ ምዃኑ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ህጹጽ ጻውዒት ብምቕራብ ብዓለም ለኻዊ ቤት ጽሕፈት ሰላም ዝተገብረ ትንታነ ንዋጋ ፍሉይ ኣጽዋር ናብ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ክትርጎሞ እንከሎ፥ ኤውሮጳዊት ብዙሕ ተራ ዘለዋ ፍሪጌት (ፍረም) ኣብ ዓመት ን 10,662 ሓኻይም (ማእከላይ ገምጋም ሃገራት OECD - ትካል ቁጠባዊ ምትሕብባርን ልምዓትን) ደሞዝ ዝሽፍን፤ ወጻኢታት ናይ ሓንቲ ኤፍ-35 ነፋሪት ውግእ ን 3,244 ዓራውቲ ጽዑቕ ክንክን ኣገልግሎት ጥዕና ከም ዝሽፍንን፡ ሓንቲ ናይ ቨርጂንያ ኒዩክለሳዊ ትሕተ ማያት ባሕሪ መርከብ ድማ ክሳብ 9,180 ንማካይን መጓዓዝያ ሕሙማን ከም እትሽፍንን ፍርቂ ናይቲ ብዓለም ደረጃ መንግስታት ንሓይሊ ምክልኻል ዝምደብዎ ሃብቲ ገንዘብ፡ ንኹሉ ኣብዛ መሬት ዘሎ ሰብ መሰረታዊ ክንክን ጥዕና ንምሃብን ልቀት በካሊ ጋዝ ብዓቢዩ ንምንካይን እኹል ምኾነ።

01 March 2024, 15:13