ድለ

Dominican Republic guards borders in the face of violence in neighbouring Haiti Dominican Republic guards borders in the face of violence in neighbouring Haiti 

ሰብ ውፉይ ሕይወት ኣብ ሃይቲ ዝወርድዘሎ ዘሎ ዓመጻ ከብቅዕ ጻውዒት ዓቕሪቦም

ኣብ መላእ ዓለም ካብ ዝርከቡ ልዕሊ ሚእቲ ዝኾኑ ማሕበራት ሰብ ውፉይ ህይወት ነቶም ኣብ ዶመኒካዊት ሪፓብሊክ ዚርከቡ ደቀባት ሃይቲ ዚወርዶም ዘሎ "ዘይሕጋውን ዘይፍትሓውን ግፍዒ" ብግህዶ ክኹንንዎ ይርከቡ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ካብ ተዛረብቲ ቋንቋ ስጳንኛ ዝኾና ሃገራት ኣስታት 127 ኣባላት ገዳማውያንን ገዳማውያትን ከምኡ ውን ማሕበረ ሰብኣውያን ውድባት ነቲ ብወተሃደራትን ልኡኻት ኣካላት ናይ ሓፈሻዊ ኣመሓዳሪ ስደተይናታትን ነቲ ኣብ ዶመኒካዊት ሪፓብሊክ ዝፍጸም ዘሎ ዘይፍትሓዊ ተግባራት ኮኒኖም ።

ብመሰረት እቲ ዝወጸ ጋዜጣዊ መግለጺ ሰበ-ስልጣን ዶመኒካዊት ሪፓብሊክ ንዘለዎም ስልጣንን ሓይልን "ኣብ ልዕሊ እቶም ከዕቁብዎም ዝግባእ ሰባት ኣንጻር ኣካላዊ ውህደትን  ደሓን መነባብሮን ገበን ንምፍጻም" ይጥቀሙሉ ኣለዉ ።

እዚ ሓበሬታ እዚ ብዛዕባ እቲ ዝሓለፈ ዓርቢ ዕለት 15 መጋቢት ምሸት ብዛዕባ እተፈጸመ ፍሉይ ፍጻመ እዩ ዚገልጽ ። እቶም ሰበ-ስልጣን "ኣብ ቪላ ጓሬሮ ኣብ ልዕሊ ማሕበር ሳንታ ሉቺያን ከምኡውን ኣብ ከተማ ሳንታ ክሩዝ ደ ኤል ሴቦ ኣብ ልዕሊ ንጹሓት ስድራቤታትን ዘይሕጋውን ዘይፍትሓውን ተግባራት ከም ዝፈጸሙ" ተኸሲሶም ኣለዉ።

ዘይሕጋዊ ምስጓጕ

ማሕበራት ሰብ ውፉይ ሕይወትን ማሕበረ-ሰብኣውያን  ውድባት ብፍላይ ነቲ ብምኽንያት "ምጥራዝ ደተይናታት" ተባሂሎም እተጨውዩ ቘልዑን ጥኑሳትን ዝወረዶም ዘሎ ከቢድ በሰላ ኰኒኖምዎ ።

ብዘይካዚ "ካብቶም እተጐድኡ ስድራ ቤታት ምጥራዝ ስደተይናት ብምምኽናይ ገንዘብን ናይ ኢድ ተሌፎን ከምኡውን ካልእ ኣቕሑ ምዝራፍ በቶም ናይ ወተሓደራትን ልኡኻት ኣካላት ናይ ሓፈሻዊ ምምሕዳር ስደተይናታናን ኣብ ዕሊኦም ይፍጸም አሎ።

ሰበ-ስልጣን ዶመኒካን ኣብ ልዕሊ እዞም ስድራ ቤታት እዚኣቶም ብቃል ኮነ ብኣካላዊ ግፍዒ ዓመጽ ከም ዝፈጸሙን ከም’ኡ ውን  "ነቲ ኣብ ዶመኒካዊት ሪፓብሊክ ቀዋሚ መንበሪኦም ዚገልጽ ሰነዳትን ናይ መንነት ወረቐትን ዘለዎም ሰባት" ከም ዘሸገርዎም እዩ ዝንገር ዘሎ።

ምጥሓስ ቅዋም እታ ሃገር

ብመሰረት እቲ ዝወጸ መግለጺ እዚ ተግባራት እዚ ምስ ቅዋም ዶመኒካዊት ሪፓብሊክ ዚሰማማዕ ኣይኰነን ይብሉ።

ኣብ ቅዋም እታ ሃገር ኣብ ዓንቀጽ 39 "ንመንግስቲ ዶመኒካን ኵሎም ውልቀ-ሰባት ኣብ ቅድሚ ሕጊ ማዕረ ኢዮም፣ ከምቲ ሓደ ዓይነት መሰላት ዘለዎም ድማ፣ በዚ ምኽንያት እዚ ተመሳሳሊ ዕቝባን ኣተሓሕዛን ክወሃቦም ኣለዎ" ዝብል መብጽዓ ኣትዮሎም ይርከብ ።

ብተወሳኺውን "ብምኽንያት ጾታ፡ ሕብሪ ቆርበት፡ ዕድመ፡ ኣካላዊ ስንክልና፡ ዜግነት፡ ዓሌት፡ ቋንቋ፡ ሃይማኖት፡ ፖለቲካዊ ወይ ፍልስፍናዊ ኣረኣእያ፡ ማሕበራዊ ወይ ብሕታዊ ዅነታት" ዝዀነ ይኹን ኣድልዎ ዘይብሉ መሰላት ከም ዘረጋግጽ ኢዩ ዝገልጽ ። ሓደ ኻብዚ መሰላት እዚ ድማ ግቡእ መስርሕ ናይ ምርካብ መሰል ኢዩ (ዓንቀጽ. 69) ከምኡውን ብዘይ ዝኾነ ምኽንያት ወይ ሕብሪ ዓይኑ ደስ ስለዘይበለካ ጥራይ ነጻነቱ ካብ ምግፋፍ ዝኽልክል እዩ።"

እዚ ኣዋጅ እዚ ብሔራዊ ቅዋም ዶመኒካን ከም እተጣሕሰን ከምኡውን "ሰበ ስልጣን ዶመኒካን ነዚ ንሰብኣዊ መሰላት ዝጥሕስ ተግባራት ብህጹጽ ደው ከብልዎን ከምኡ ውን ንዅሎም ደቅ ሰባት ብሩህን ፍትሓውን ምምሕዳራዊ መስርሕ ከም ዝህሉ ውሕስነት ከረጋግጹን" ዝሓትት ኢዩ ።

ኣህጉራውያን ውድባት ውን ንርእሰ ብሔር ዶመኒካዊት ሉዊስ ኣቢናደር "ነዚ መብዛሕትኡ ግዜ ንምዝራፍን ንምስራቕን ዝዓለመ ልምድታት ከብቅዕ ትእዛዝ ክህብ" ጻውዒት ኣቕሪቦምሉ ይርከቡ ።

ኣብ መስከረም 2023 ኣብ እተገብረ ሓፈሻዊ ባይቶ ው. ሕ. ሃ. ርእሰ ብሔር ኣቢናደር "ወይ ንሃይቲ ንምድሓን ብሓባር ንቃለስ ወይ ንዶመኒካዊት ሪፓብሊክ ንምዕቋብ በይንና ኽንቃለስ ኢና" ብምባል ብሓባር ደው ክብሉ ወይ  ንሓድሕድዶም ክተሓጋገዙ ዘለዎ ባህጊ ገሊጹ ምንባሩ ዝዝከር ኢዩ ።

እቲ ብ127 ማሕበራት ሰብ ውፉይ ሕይወት ዝወጸ ሓባራዊ መግለጺ "ዝሃለፈ ዓርቢ ንግሆ እተገብረ ፍጻመ 'ንሃይቲ ንምድሓን' ዝዓለመ ከም ዘይኰነን ከምኡ ውን 'ንዶመኒካዊት ሪፓብሊክ ንምሕላው' ዝዓለመ እውን ከም ዘይኰነ" ዝሕብር ኢዩ ዝነበረ።

ኣብ ርእሲ እዚ እተን ማሕበረ ሰብኣውያን ውድባት ንመሰላት እቶም "ኣብ ዶመኒካዊት ማሕበረሰብ ዝሳቐዩ ዘለዉ ሰባት" ንምሕላው ንኣህጉራውያን ውድባት ዕድመ ያቕሩቡሎም ኣለዉ ።

26 March 2024, 16:33