ድለ

FILES-CAFRICA-UN-UNREST-RELIGION FILES-CAFRICA-UN-UNREST-RELIGION  (AFP or licensors)

ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ፦ ኣብ ሓድነትን ምቍጽጻር ድሕንነትን ዕቤት ኪህሉ ተስፋ ትገብር

ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ ድሕሪ እቲ ንሓያሎ ዓመታት እተኻየደ ግጭታት ዳግም ክትህነጽ ኣብ እትጽዕረሉ ዘላ፣ ክቡር ኣባ ማቲዩ ፋብሪስ ቦንዶቦ ናይ ርእሰ ሰበኻታት ባንጒ ዓቃቤ መንበር፣ ንመራሕቲ እታ ሃገር ሰላምን ደሓንን ንምርካብ ኣብ ዝጽዕሩሉ ዘለዉ ምስ ካልኦት ሃገራት ግሉጽ ዝኾነ ሽርክነት ክምስርቱ ተማሕጺኖም ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ ካብቲ ድሕሪ 2013 ዘጋጠመ ናይ ጸልማት ግዜ እያ እትወጽእ ዘላ ። ክቡር ኣባ ማቲዩ ፋብሪስ ኢቭራርድ ቦንዶቦ "እታ ሃገር ንኽትምዕብልን ንኽትትንስእን ካብ ሓምዅሽታ ንኽትወጽእን ምስ ካልኦት ሃገራት ርክብ ክትምስርት ምድላያ ንቡር ኢዩ" ብምባል ዘለዎም ርእይቶ ኣካፈሉ።

እዞም ቆሞስ ናይ ካቴድራል ኖተር-ዳም ንጹሕ ጽንሰታ ለማርያምን ከምኡውን ናይ ርእሰ ሰበኻታት ባንጒ ዓቃቤ መንበር ዝኾኑ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ መሕትት፣ መንግስቲ ነታ ሃገር ብቝጠባ ዀነ ብደሓን "ኣብ ምምዕባልን ርእሳ ንኽትክእል" ክህግዙ ዝኽእሉ መሻርኽቲ ኪመርጽ ይላቦ።

ብመሰረት ዝተመስረተ ሽርክነት ኣብዚ ቐረባ እዋን እቲ ብዛዕባ ሰብኣዊ ሓገዛት ማእከላይ ኣፍሪቃ ዝሓሊ ትካል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንህዝቢ ንምድጋፍ ካብ ሩስያ እኽሊ ተቐቢሉ እዩ ።

ኣባ ቦንዶቦ ነቲ ናይ እኽሊ ረድኤት ብምስጋና እኳ እንተ ተቐበሎ፣ ኮይኑ ግና እታ ሃገር ብዛዕባ "ንምዕባሌኣ ዅሉ ሳዕ ኣብ ናይ ምቕባል ኣረኣእያ ምምስራት" ኽትሓስብ ጥራይ ዘይኰነስ፣ ንሓይሊ እታ ሃገር ዘደንፍዕ ውጥናትን ስርዓታትን ንምቛም እውን ክትዓዪ ኣለዋ ክብሉ ምሕጽንታኦም ኣቕረቡ ።

ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ዚግበር ርክባት እተተባብዕ መንእሰይ ቤተ-ክርስትያን ማእከላይ ኣፍሪቃ

ድሕሪ እቲ ን130 ዓመታት ዝቐጸለ ወንጌላዊ ተልእኾ "ኣዝዮም ብዙሓት ኣወዳትን ኣዋልድን ብዙሕ ምንቅስቓሳትን ጕጅለታትን ንእምነትና ህያው ንምግባር ዚሕግዝ ሓያል መንፈሳውነት የርእዩ ኣለዉ" ብምባል እዞም ካህን ይምስክሩ ።

እታ ሃገር ናብ ብስለት ገጻ ትጐዓዝ ከም ዘላ ድሕሪ ጠቒሶም፣ ቤተ-ክርስትያን "ካብ ካልእ ቦታ ሓገዝ ከይተጸበየት ባዕላ ኽትዓብን ናይ ርእሰ ምኽኣል መደባት” ከተካይድ ከም እተደሊ ውን ገለጹ።

ብዛዕባ እቲ ክፍታሕ ዘለዎ ብድሆታት እታ ሃገር እንክገልጹ "ኣብታ ሃገር ዝርአ ክቡር ባህሊ ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ዝግበር ርክባትን ብምጥቃስ እኳ ደአ ቅድሚ ኩሉ ነቲ ዘለዎም ክብር መንፈስ ሓድነትን ተቐባልነትን" ውን ኣመልከቱ ።

እዞም ዓቃቤ መንበር ናይ ርእሰ ሰበኻታት ባንጒ ኣብቲ ኣብ መንጐ ደቂሰባት ሓድነት ዜምጽእ ነገራት ብምትኳር "ሓድነት እንተ ደአ ሃልዩና ሓያላት ምዃና ክንግንዘብ ንኽእል ኢና" ሓድነት ኣገዳሲ ምዃኑ ድማ ኣስፊሖም ገለጹ ። እዚ ኸኣ ኵሉ ሰብ ብመንፈስ ናይቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ዘዳለውዎ “ኵልና ኣሕዋት ኢና” ዘርእሱ ጽሑፍ ንኽዓዩ ከም ዘኽእሎም ኣመልከቱ

ካብ ጐረባብቲ ሃገራት ስደተኛታት ማእከላይ ኣፍሪቃ ኺምለሱ ተስፋ ይገብሩ

እቲ ብ2013 እተላዕለ ውግእ ብዙሓት ሰባት ናብ ጐረባብቲ ሃገራት ዕቍባ ደልዮም ንኽስደዱ መንቀሊ ከም ዝኾኖም ዝፍለጥ ኢዩ ። ኣብዚ ዘሎናዮ ግዜ ግና ብደረጃ መንግስቲ "ነቶም ካብ መረበቶም እተመዛበሉ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ንኽንምለሱ ፍቓደኛታት ኢና" ድማ በሉ።

ቤተ-ክርስትያን ማእከላይ ኣፍሪቃ ብደረጃ ሃገራዊ ጉባኤ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ኣቢላ ኩሎም ኣሕዋትን ኣሓትን ናብ ሃገሮም ክምለሱ ንምሕታት ጥራይ ዘይኰነስ፣ ዳግም ንምምላሶም ንምቅልጣፍን ጽቡቕ ተቐባልነት ንኽረኽቡን ቦታ ንኽረኽቡን ብልክዕ ህይወቶም ናብ ዝተረጋግአ መነባብሮ ንምምላስ እውን ምስታ ሃገር ከም ዝሰርሑ ኣፍሊጦም ኣለዉ።

ኵነታት ድሕንነት ዘይርጉእ ኰይኑ ኣሎ

ኣባ ፍራንዝ ቦንዶቦ ብዛዕባ ጕዳይ ድሕንነት እታ ሃገር ኣመልኪቶም ዘሎ ሻቕሎት ነቶም ክምለሱ ዝግብኦም ስደተኛታት ጥራይ ዘይኰነስ ንዅሎም እቶም ኣብ ዓለምለኻዊ መዳይ ዝርከቡ ስደተኛታት እውን ከም ዝትንክፎም ገለጹ ።

"ካብዞም ዕጡቓት ጕጅለታት ዝመጹ ሸፋቱ ዝንቀሳቐሱሉን ዕንወት ዘውርዱሉን" ቦታታት ከም ዘሎ ውን ኣመልከቱ ።

ምስቲ ኣብ 2013 ዝነበረ ኩነታት ኪነጻጸር ከሎ ግና "ብዙሕ ኣወንታዊ ለውጥታት ተገይሩ አሎ" እንክብሉ ውን የረጋግጹ። ይኹን እምበር "ምሉእ ብምሉእ ሰላም ኣሎ ኽንብል ኣይንደፍእን ኢና።" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

12 March 2024, 11:58