ድለ

ኣብ ቡርኪናፋሶ ኣስታት 170 ደቂ ዓዲ ተቐቲሎም ኣብ ቡርኪናፋሶ ኣስታት 170 ደቂ ዓዲ ተቐቲሎም  (AFP or licensors)

ኣብ ቡርኪናፋሶ ኣስታት 170 ደቂ ዓዲ ተቐቲሎም

ኣብ ቡርኪናፋሶ ሕጻናትን ደቂ ኣንስትዮን ዝርከብዎም ኣስታት 170 ሰባት ብዓመጽቲ ኢድ ከም እተቐትሉ ዜና ቫቲካን ምንጭታት ዜና ቡርኪናፋሶ ጠቒሱ ይሕብር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገር ቫቲካን

ኣብ ቡርኪናፋሶ፡ ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ዝርከብዎም ኣስታት 170 ሰባት ዓመጽቲ ኣብ ልዕሊ ሰለስተ ዓድታት ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ከም እተቐትሉን ሓደ ዓቃቢ ሕጊ ነቲ ቅትለት ጸብጺቡ፡ ነቶም ኣብ ዓድታት ኮምሲልጋ፡ ኖርዲንን ሶሮን መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ሰባት ንምልላይን ንሕጊ ንምቕራብ ናይተን ዓድታት ተቐማጦ ክህብዎ ዝኽእል ናይ ዓይኒ ምስክርነት ኣገዳሲ እዩ እንክብሉ ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ንምጭታት ዜና ቡርኪና ፋሲ ጠቒሱ የመላኽት።

ድሕሪ እቲ መጥቃዕቲ መን ከም ዘሎን መን ከም ዝፈጸሞን ይጻረ ከም ዘሎን ሓለፍቲ ሰራዊት እታ ሃገር "ኣብ ማእከላት ከተማታት ዝፍጸም መጥቃዕቲ ሓዊሱ" ብዕጡቓት ጉጅለታት ከምዚ ዓይነት መጥቃዕቲ ክውስኽ ከም ዝኽእል የጠንቅቑ ምህላዎም ክፍለጥ እንከሎ፡ ሰራዊት እታ ሃገር ካብ 2022 ዓ.ም. እትሒዙ ስልጣን ሒዙ እኳ እንተሃለወ ልዕሊ ሲሶ ቡርኪናፋሶ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ዕጡቓት ሓይሊ ከም ዝኾነን ኣብ ዞባ ያተንጋ ዕለት 25 ለካቲት ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኣብ ሎሊ ንኡሳን ዞባታት መርመራ ይቕጽል ምህላዉ ምንጭታት ኣገልግሎት ዜና ቡርኪናፋሶ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

04 March 2024, 14:43