ድለ

Baltimore bridge collapses after being hit by cargo ship Baltimore bridge collapses after being hit by cargo ship  (ANSA)

ድሕሪ ሓደጋ መርከብ ምስ ድልድል ባልቲሞር ሰራሕተይናታት ህይወት ኣድሕን ህይወት ንምድሓን ይጽዕሩ

ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብታ ብጻዕቂ ስራሕ እትፍለጥ ወደባዊት ከተማ ባልቲሞር፣ ምስ ሓደ ንክልተ ኪሎ ሜተር ዝዝዝርጋሕ ድልድል እተፈጸመ ሓደጋ መርከብ እቲ ወሳኒ ዝኾነ መስመር መካይን እታ ኸተማ ዓንዩ ይርከብ ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ሓንቲ ኣብ ፈለግ ፓታፕስኮ እትጉዓዝ ዝነበረት መርከብ ምስቲ ፍራንሲስ ስኮት ኪ ዝተሰምየ ድልድል ምስ ተጋጨወት እቲ ድልድል ድሕሪ ምዕናዉ፣ ናይ ህይወት ኣድሕን ሰራሕተይናታት ክሳዕ ሕጂ ኣብ ርባ ዝወደቑ እሞ ብህይወት ዝተረፉ ሰባት እንተለዉ ንምድላይ ይጽዕሩ ኣለዉ ።

እዚ ኣጋጣሚ እዚ ትማሊ ሰሉስ ዕለት 26 መጋቢት ወጋሕታ ቅድሚ ሰዓት 1፡ 30 ቅ. ቐ. ኢዩ ተፈጺሙ።

እቲ ብ1977 እተሃንጸ ድልድል ዳርጋ 8,500 ሜተር ወይ ዳርጋ ኽልተ ኪሎ ሜተር ኣቢሉ ዝኸውን ዝርጋሔ ዘለዎ ድድልድል ኢዩ ዝነበረ። እዚ ድማ ኣብታ ሓንቲ ኻብተን ጻዕቂ ስራሕን ምንቅስቓሳትን ዘለወን ወደባት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝዀነት ወደብ ባልቲሞርን ኣብ ከባቢኣ ንዝንቀሳቐሳ ማካይንን ከም ወሳኒ መስመር ዀይኑ ከገልግል ዝጸንሐ ኢዩ። 15,000 ሰራሕተኛታት ዝሰርሑሉን 3.3 ቢልዮን ዶላር ኣመሪካ ኣታዊ ዝገብርን ኢዩ ዝነበረ ።

ባልቲሞር ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ብጥንታውነቱ ቐዳማይ ቦታ ዝሓዘ ሰበኻ ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን ውን ዘለዎ ቦታ እውን ኢዩ ።

ኣመሓዳሪ ሜሪላንድ ዌስ ሙር እዋን ህጹጽ ኣወጀ ኣዊጁ ድማ ይርከብ አሎ ። ሰራሕተኛታት ሓለዋ ገማግም ባሕሪ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ውን ምስቶም ሰራሕተይናታት መጥፋእቲ ሓዊ ብምትሕብባር ነቶም ግዳያት ኮይኖም ዘለዉ ሰባት ንምድሓን ይጐየዪ ከም ዘልዉ ውን ሃቢሩ ። ሰብ ሞያ ህጹጽ ረድኤት ውን ምሉእ መዓልቲ ነቶም ብህይወት ዝተረፉ ንምርካብ ኣብ ህይወት ኣድሕን ተዋፊሮም ከም ዝወዓሉ ውን ተፈሊጡ ኣሎ ። ሓደ ኻብቶም ካብቲ ሓደጋ ዝደሓኑ ሰባት ከቢድ ጕድኣት ወሪድዎ ናብቲ ኣብቲ ኸባቢ ዚርከብ ማእከል ጥዕና ተወሲዱ ኣሎ ። ካልእ ድማ ካብቲ ርባ ዝደሓነ ሰብ ኣብቲ ቦታ ኣብ ዝርከብ ሕክምና ሕክምናዊ ደገፍ ክወሃቦ ከም ዝኣበየ ተፈሊጡ ኣሎ ።

እታ "ዳሊ" ዝተሰምየት ናይ ሲንጋፖር ሰንደቕ ዕላማ ዘለዋ መርከብ ናይ ንንግዲ ኣቑሑት ድሕሪ ምጽዓን ኻብቲ ወደብ ውጽእ ምስ በለት ዘጋጠመ ሓደጋ ኢዩ ዝነበረ ። እታ ኮንተይነራት ጺኢና ዝነበረት መርከብ ምስ ሓደ ነቲ ድልድል ተሰኪሙ ዘሎ ዓንዲ ድሕ ምግጫዋ እቲ ድልድል ዓንዩ ይርከብ አሎ። ካብታ መርከብ ትኺ ይወጽእ እኳ እንተ ነበረ እታ መርከብ ግና ኣይ ጠሓለትን፣ ኵሎም ኣባላት እታ መርከብን እቶም ባሕረይናታት እውን ድሒኖም እዮም። ድሕሪ እቲ ዕንወት፣ ኣብ ዝነበረ ሰዓታት ክንደይ ማካይን ኣብቲ ድልድል ይጐዓዛ ኸም ዝነበራ ክንደይ ሰራሕተኛታት ውን ኣብቲ ድልድል በታ ለይቲ እቲኣ ኣብ ስራሕ ተዋፊሮም ከም ዝነበሩ ዝተፈልጠ ጸብጻብ የልቦን ።

ትማሊ ምሸት ኣብ እተገብረ ጋዜጣዊ መግለጺ ከንቲባ ባልቲሞር ብራንደን ስኮት ከምዚ በለ - "ቅድም ቀዳድም ምእንቲ ዅሎም እቶም እተጐድኡ ስድራቤታት ክንጽሊ ምእንቲ እቶም ናይ መጀመርታ መልሲ ዝሃቡና ድማ ክንጽሊ ከምኡውን ነዚ ዘሕዝን ፍጻመ እዚ ንኽንዋጽእ ብሓባር ስለ ዝዓየና ነመስግኖም ኣሎና።" በለ።

እዚ ድልድል እዚ ብስም ፍራንሲስ ስኮት ኪ እተሰምየ ዀይኑ ኣብ እዋን ውግእ 1812 ኣብ መንጎ ሓይልታት ብሪጣንያን ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካን ኣብ ፈለግ ፓታፕስኮ ንእተገብረ ውግእ ድሕሪ ምርኣዩ ነታ ሕጂ ዘላ ሃገራዊት መዝሙር ሕ. መ. ኣ. ዝደረሰ ገጣሚ ስነጥበባዊ ኢዩ ዝነበረ ።

27 March 2024, 17:59