ድለ

ሰብኣዊ ረድኤት ዝጸዓነት መርከብ ካብ ቆጵሮስ ናብ ቓዛ ትብገስ ሰብኣዊ ረድኤት ዝጸዓነት መርከብ ካብ ቆጵሮስ ናብ ቓዛ ትብገስ  (ANSA)

ሰብኣዊ ረድኤት ዝጸዓነት መርከብ ካብ ቆጵሮስ ናብ ቓዛ ትብገስ

ብመስመር ባሕሪ ቀረብ ምብጻሕ ብዝብል መደብ መሰረት ሰብኣዊ ረዴት ዝጸዓነት መርከብ ካብ ቄጵሮስ ናብ ቓዛ ከም እተበገሰት ይንገር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እታ ንዝሓለፉ ሒደት ሰሙናት ኣብ ምብራቓዊ ወደብ ላርናካ ዓሪዳ ዝነበረት በይናዊት መርከብ ረድኤት፡ ኣብ መወዳእታ ዕለት 12 መጋቢት ናብ ቓዛ ከም እተበገሰትን፡ ኣስታት 150 ቶን ዝግመት ሰብኣዊ ሓገዝ ዝጸዓነት መርከብ ብሰንኪ ዘጋጠማ ተክኒካዊ ጸገማት ድሕሪ ኣርባዕተ መዓልቲ ዕለት 12 መጋቢት ሰዓት 9 ንግሆ ናብ ቓዛ ከም ዘነቀለት ክሕበር እንከሎ፡ ዝወስደላ ናይ ጉዕዞ መዓልትታትን እትኣትወሉ ወደብን ገና ንጹር እውን እንተዘይኮነ እቲ ጉዕዞ ንኸተዛዝሞ ክሳብ 48 ሰዓት ከድልያ ምዃኑ ይንገር። ።

ኣብዚ እዋን እዚ ቓዛ ነገልግሎት ዝበቕዕ ወደብ ስለ ዘይብላን፡ ማያት ገማግም ባሕራ ድማ ዕምቆት ስለ ዘይብሉ እታ መርከብ ዝጸዓነቶ ሰብኣዊ ረዴት ኣበየናይ ወደብ እተራግፎን ብኸመይ ከም እትውድቦን ንጹር ኣይኮነን።

እዚ ካብ ቆጵሮስ ናብ ቓዛ ሰብኣዊ ሓገዝ ንምቕራብ ዝብል መደብ ንመጀመርያ ግዜ ቅድሚ ሓያሎ ኣዋርሕ ርእሰ ብሔር ሃገረ ቆጵሮስ ኒኮስ ክሪስቶዶሊደስ ዘበገስዎ ኮይኑ፡ ክሳብ ዝሓለፈ ሰሙን እቲ ውጥን ኣብ ግብሪ ከይወዓለ ከም ዝጸንሐን እዚ ናይ መጀመርታ ጽዕነት ዕዉት እንተኾይኑ ተወሳኺ ቀረብ ክስዕብ ከም ዝኾነን እታ መርከብ ምስ ተበገሰት ነዊሕ ከይጸንሐት፡ ርእሰ ብሔር ቆጵሮስ ክሪስቶዶሊደስን ኣደ መንበር ድርገት ኤውሮጳ ኡርሱላ ፎን ደን ሌየንን ነቲ ጻዕሪ ተልእኾ ተስፋ እንክብሉ ከም ዝገለጽዎን ዝሓለፈ ዓርቢ ዕለት 8 መጋቢት ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ እስራኤል፡ ሰብኣዊ ረዴት ካብ ቆጵሮስ ቅድሚ ምብጋሱ ብመሰረት ‘መዐቀኒታት እስራኤል’ ክሳብ ዝተፈተሸ፡ ነቲ ናይ ረድኤት መደብ ከምዝድግፍ ገሊጹ ከም ዝነበረን፡ እቲ ኣዝዩ ወሳኒ ዕማም ነዚ ሓሳብ ናብ ብተዛማዲ ምሉእ ስርሒት ምግዓዝ እዩ። ማዕከናት ዜና ቆጵሮስ፡ ካልኣይ ረድኤት ዝጸዓነት መርከብ ኣብ ቀረባ እዋን ጉዕዞ ኽትገብር ትቀራረብ ከም ዘላ ይሕብራ።

ሰብኣዊ ረድኤት ዝጸዓነት መርከብ ካብ ቆጵሮስ ናብ ቓዛ ትብገስ
13 March 2024, 14:45