ድለ

የመን፡ እቲ ዝበለጸ ወጅሂ ሓገዝ ሰላም እዩ የመን፡ እቲ ዝበለጸ ወጅሂ ሓገዝ ሰላም እዩ 

የመን፡ እቲ ዝበለጸ ወጅሂ ሓገዝ ሰላም እዩ

ኣብ ቓዛ ዝካየድ ዘሎ ግጭት ነዚ ስዒቡ ኣብ ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ወጥሪ ዝፈጥር ዝረኣ ህዋሁ፡ እታ ድሮ ትሳቐ ዘላ ሃገር የመን ድማ ነቲ ድሮ ተስፋ ዝቖረጸ ሰብኣዊ ቅልውላው የጋድዶ ምህላውን ኣዚያ እውን ትሳቐ ከም ዘላ ይንገር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ወርሓዊ ደሞዝ ዝበሃል ዘይብሉ፣ ጥፍኣትን፣ ጥሜት፣ ስቅያት፣ ማእሰርቲ ምጭዋይን ዝመልኦ ድኽነት ህዝቢ የመን ዝነብሮ ዘሎ ዕለታዊ ኩነት እዩ። ድሕሪ እቲ ኣብ 2022 ዓ.ም. ዝተበጽሐ ተኹሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕ እውን “ዝተቐየረ ነገር ከም ዘየለ ዝረአ ዘሎ ዘሕዝን ሓቂ እዩ።

እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ወጥሪ

በቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዘሎ ግጭትን ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዘሎ ወጥሪ ክብ ኣብ ዝበሉ ዘሎ እዋን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ብሪጣንያን ኣብ ልዕሊ ሁቱ ዘውረድዎ መጥቃዕቲ ነፈርቲ እናወሰኸ ክኸይድ ምርኣይ ዘሕዝን ምዃኑ ዝገለጸት ናይቲ ዜግነት ንሰብኣዊ መሰልን ክብርን ናይ እተሰምየ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ጉዳያት ርክብ ሓላፊት ራንያ ኦውን፥ "ካልእ ውግእ ኣየድልየናን እዩ" ብምባል ንጹር ኣንጻር ወጻኢ ሃገራት መጥቓዕቲ መግለጺ ከም ዝሃበት ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ እቲ ኣብ ዙርያ ኲናት ቓዛ ዝተራእየ ስነ ፖለቲካዊ ኣቀማምጣ መልክዓ ምድሪ ምዕባለ ሳዕቤናቱ ኣብታ ንልዕሊ ዓሰርተ ዓመታት ዝቐጸለ ግጭትን ዓመጽን ኣብ ዓለም ሓደ ካብቶም ኣዝዮም ኣዕነውቲ ሰብኣዊ ቅልውላዋት እትነብር ኣብ ዘላ የመን ከቢድ ምዃኑ ሓቢራ፥ “ንልዕሊ 7 ዓመት ብዘይ ደሞዝ፡ ኣብ ጥምየት ንነብርን መዓልታዊ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ንገጥም። ቅብጸት ተስፋ ዝመልኦ ኩነታት፡ ንእሽቶ ብርሃን ክንርኢ ኣብ ዝጀመርናሉ እዋን ድማ መሊሱ ናብ ጸልማት ዘእትወና ኩነታት ይፍጠር” ትብል።

ከበድ ኩናት ዝገልጽ ኣሃዛዊ ጭብጥታት

ኣብ 2014 ዓ.ም. ኲናት ሓድሕድ ካብ ዝጅምር ንደሓር ልዕሊ 20 ሚልዮን የመናውያን ደላይ ሰብኣዊ ሓገዝ ክም ዝኾነን ብስዑዲ ዓረብ ዝምራሕ ጥምረት ኣብ 2015 ዓ.ም. ወተሃደራዊ ስርሒታት ካብ ዝጅምር ንደሓር 4.5 ሚልዮን የመናውያን ካብ መነባብርኦም ክም እተመዛበሉን፡ 154 ሽሕ ድማ ብወተሃደራዊ ስጉምቲ ንሞት ከም እተዳረጉ ሓቢራ፡ ከምኡ'ውን ካብ 2022 ዓ.ም. ተኹሲ ደው ምባል ጀሚሩ'ውን እንተኾነ፡ ብሓቂ፡ "ብዙሕ ዝተቐየረ ነገር ከምዘየለ" ሓቢራ፥ እቲ ብስዑዲ ዓረብ ዝምራሕ መጥቃዕቲ ነፈርቲ ደው ኢሉ’ኳ እንተሎ፡ “ካልእ ኩሉ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ይቕጽል ኣሎ፡ ህዝቢ ድማ ኣብ ሕሰም ይነብር ኣሎ” ከም ዝበለት ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ሰፈራታት "ገዛ" ኣይትክኡን እዮም

ኣብታ ሃገር ዘይተፈንጀሩ ነተጉቲ ከም ዘሎን ካብቶም ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ውሽጣዊ ተመዛበልቲ የመን፡ ኣብ ግዝያዊ ኣባይቲ ዝተዓቖቡ፡ "ድሕሪ እቲ ኣብ 2022 ዓ.ም. ዝነገብረ ዕርቂ፡ ገለ ካብኣቶ ናብ ገዝኦም ክምለሱ ዝፈተነ መብዛሕቲኦም በቲ ኣብ ከባቢኦም ተዘሪኡ ብዘሎ ዘይተፈንጀሩ ነተጉቲ ሞትን ማሕሰይትን ነባሪ ማህሰይትን ከም ዘጋጠሞምን - እቶም ተመዛበልቲ ንሰብኣዊ ክብሪ ዝበረኸ ምንባር ዘውሕስ መሰረታዊ ነገራት የብሎምን፣ ኩሉ ዝጎደሎም እዮም . . . መለለዪ መንነት ዘይብሎም፡ ዝተወልዱ ዘይምዝገቡሉ ዳርጋ ዘይፍሉጥ ኮይና ኣብ ምንባር ኢና ዘሎና። . . . ማይ፡ ትምህርቲ፡ ኣገልግሎት ጥዕና ኮታ መሰረታዊ ኣድላዪ ዘበለ ኩሉ የሎን።”

ሰብኣዊ ደገፍ ዘይምህላው

ኣቃልቦ ዓለም ካብ ኩናት ዩክሬን ናብ ቅልውላዎ ቓዛ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ከም ዘግዓዘን የመናውያን ዝተረስዑን እቲ ዘድልዮም ሓገዝ ዘይረኽቡን ኮይኖም ከም ዘለዉን እቲ ውሑድ ዝኣቱ፡ ሽዓውያን ኣስላማዊ ዕጡቓት ሓይሊ ሁቲ ዝቆጻጸሮ ብምዃኑ "ኣብ መንጎኦም እዮም ዝመቓርሕዎ ትብል። የመናውያን “ሰብኣዊ ሓገዛት ኣብ ምሃብ ዝዋፈሩ ምስ ዝኾኑ በቶም እቶም ኣብ ጎንጺ ዘለው ወገናት ንሓደጋ እዮም ዝቃልዑ . . . ብምባል ኣብ ከም በዓል ምዋጣና ዝኣመሰሉ ናይ ውሽጢ ዓዲ ውዳባት እኳ ክምርኮሱ ኣይክእሉን እዮም። ስለዚ ምዋጣና ዋላ እኳ ሓደጋታት እንተሃለዎ፡ ውሑድ እውን እተኾነ ዝከኣሎ ይገብር ኣሎ።

"ንግዳያት ሕጋዊ ሓገዝ ዝህብ ኣሃዱ ኣለና፡ ንኣብነት ንግዳያት ኢደወነናዊ ማእሰርትን ስቅያትን ሕጋዊ ደገፍ ንህብ" ምስ በለት፥ እቲ ማሕበር ዝህቦ ሓገዝ ከም ንጣብ ማይ ኣብ ውቅያኖስ እዩ” ከም ዝበለት ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

በቲ ዝሰርሕዎ ስራሕን ዝህብዎ ኣገልግሎት ምኽንያት ንስደት ይዳረጉ

ቅድሚ ኣርባዕተ ወርሒ ጥራይ ናብ ኣማን ኣብ ዮርዳኖስ ክትገብሮ ዝፈተነት መገሻ ዘኪራ። “ብሰንኪ ዝሰርሖ ስራሕ ከይገይሽ ተኸልኪለ”። ብተመሳሳሊ፡ “ምስ ግዳያት ዝሰርሑ ጠበቓታትና፡ ብዙሕ ግዜ ይእሰሩ፡ ይጠፍኡ፡ እንታይ ክገብሩን እንታይ ከም ዘይገብሩን ይንገሮም” ይትረፍ ዶ ናጽነት ምንባር እውን ብፍቓድ ካልኦት ዝወሃበካ ሓለፋ ኮይኑ ኣሎ፡ በዚ ምኽንያታት እዚ ድማ’ዩ ሰብኣዊ ሓገዝ ከምቲ ዝድለዮ ንምቕራብ ዘይከኣል።”

ንሕና እንልምኖ ሰላም ጥራይ እዩ

የመናውያን ግን ካልእ ከቢድ ግብረ ገባዊ ቅልውላው እውን የጋጥሞም ኣሎ። ሁቲ ነታ ሃገር ክቆጻጸርዋ እንከለዉ፡ ንቓዛ ዝድግፉ ምልክታት ኣርእዮም እዮም። “ኣመሪካን ዓባይ ብሪጣንያን ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዝገብርኦ መጥቃዕቲ ደው ከብላ ኣለወን . . . “ኣብ ቓዛ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ደው ክብል ኣለዎ ደኣ እምበር ኣብቲ ከባቢ ብስነ ፖለቲክዊ ኣቀማምጣ መልክዓ ምድሪ መሰረት ካልእ ኩናት ክሰፍሕ የብሉ “ካልእ ኲናት ኣብ የመን ኣየድልየናን እዩ” ቢላ፥ ኣብ መወዳእታ ራንያ ማሕበርሰብ ዓለም ጸቕጢ ክገብርን። ንዕጡቓት ጉጅለታት ከከም ውልቃዊ ረብሓታት ፖለቲካው ስነ ኣቀማምጣ መልክዓ ምድሪ ምድጋፍ ደው ከብል መታን፡ ነቲ ዓመጽ ደው ከብል ዝኽእል ጸቕጢ ክግበር ትሓትት። “እዚኣ ጥራይ እያ ዕድልና” . . . "ኣብ ዝኾነ ክፋል ዓለም ዝካየድ ዘሎ ኲናት ደው ከነብሎ ከምዘለና ኩላትና ንሰማማዕ ይመስለኒ" “ሰላም የድልየና እዩ፡ እዚ ጥራይ እዩ ሃረር እንብሎ” ክትብል ዝሃበቶ መገልጺ ትዛዝም።

09 February 2024, 16:18