ድለ

US-POLITICS-IMMIGRATION-COURT US-POLITICS-IMMIGRATION-COURT  (AFP or licensors)

መዓልቲ ማሕበራዊ ፍትሒ፦ ንደቂ ሰብ ከነገልግል እንተ ዘይክኢልና ህላዌና እንታይ ኢዩ ትርጉሙ?

ኣብ ዓለምለኻዊ መዓልቲ ማሕበራዊ ፍትሒ ዋና ጸሓፊት ዓለምለካዊ ማሕበር ንልምዓትን ምትሕብባርን ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፣ ኵሉ እንገብሮ ውሳነታትን ኣብ ግብሪ ዝወዓለ ሓድሽ ፖሊሲታትን ኣብ ህይወትን መነባብሮን ካልኦት ጽልዋ ኸም ዘለዎ፣ እቲ ሎሚ ዘጋጥመና ዘሎ ጸገማት ከኣ ንሓድሕዱ እተተሓሓዘ ምዃኑ ኣዘኻኺራ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ

ማሕበራዊ ፍትሒ ኺበሃል ከሎ ንዅሉ ሰብ ብማዕርነትን ክብርን ምርዓይ ማለት እዩ ። እዚ ኸኣ ንምዕቋብ ጥራይ ዘይኰነስ ሰባት ንዚገብርዎ ምርጫታት ንምሕጋዝ ከምኡውን ዕቝባ ዚዀኖምን ንኽብልጽጉ ዚሕግዞምን ሃዋህው ንምፍጣር ሓደ ስርዓት ምቋም ኢዩ ዘመልክት ።

ዓለምለኻዊት መዓልቲ ማሕበራዊ ፍትሒ ብዕለት 20 ለካቲት ዓመታዊ ተዘኪሩ ይውዕል ፣ እዚ ኸኣ ነፍስወከፍ ዓመት ፍትሓውን፣ ማዕርነት ዘለዎ ማሕበረሰብ ክንሃንጽ ከም ዘሎና ንምዝኽኻር እዩ።

ብዙሕ ቅልውላው

ብመሰርት እቲ ጆሲያን ጎትየር ዝሃበቶ መግለጺ ሎሚ ኣብ ውሽጢ ዓለምና ዘጋጥመና ዘሎ ቐንዲ ብድሆታት ክንዕዘብ እንከሎና "ብዛዕባ ብዙሕ ጸገማት ኢና እንዛረብ ዘሎና" ዝብል ኢዩ።

ጠቕላሊት ዋና ጸሓፊት ሲዲኤስ ኣብቲ ንማሕበራዊ ፍትሒ ዝግበር ቃልሲ ግንባር ቀደም ኰይኑ ዘሎ ኣህጉራዊ ማሕበር ማሕበራዊ ፍትሒ ካቶሊክ ኢዩ ትብል። ኣስዒባ ጎትየር ከምዚ ብምባል ትገልጽ - "ኣብ ዝሓለፈ እዋናት ዘጋጠመና ብዙሕ ጸገማት ኣጸቢቑ እተኣሳሰረ ምዃኑ ርኢና ኢና።

"ብከላ ኣከባቢያዊ ኩነታ ኣየር ይኹን፣ ክቱር ድኽነት፣ ዓመጽ፣ ውግእ፣ ከምኡ ውን ግጭታት ኣብ ልዕሊ ዋንነትን ጥሪትን፣ ብተወሳኺ ድማ ጾታውን ማሕበራውን ዓሌታውን ዘይማዕርነት ይኹን ብዘየገድስ እዚ ዅሉ ብሰንኪ "ናይ ሓይሊ ምምዝባልን፣ ናይ ምብኻን ልምድታትን ዝልዓዓል ምዃኑ ብዘየገድስ፣ ብሰንኪ እቲ  ኣብ መንጎ ደቅሰብሳት ዘሎ ርክባትን ከምኡ ውን ኣብ መንጎ ሰባትን ተፈጥሮ ብምሉኡን አብ ዘሎ ርክባት ሓደ ንሓድሕዱ እተኣሳሰረ ቕልውላው ከም ምዃኑ ኣፍልጦ ንህበሉ እዋን ኢዩ" በለት።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስ ዘቕረብዎ ምሕጽንታ

ብመስረት እቲ ጎትየር ዝሃበቶ መግለጺ "ናይ ምብኻን ባህሊ" ከምቲ መብዛሕትኡ ግዜ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ዝጠቕስዎን ከምኡ ውን ነቲ ዘይፍትሓዊ ተግባራት ዘስዕብ ዓለምለኻዊ ዘይተገዳስነት ንምቅላስ ንመብዛሕትኡ ሓዋርያዊ ኣገልግሎታቶም ኣወፍዮም ይሰርሑሉ ምህላዎም ዝፍለጥ እዩ ። ብፍላይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነታ ብሰንኪ ምዝባዕ ኣከባቢያዊ ኩነታት ኣየር ኣብ ሓደጋ ዘላ ሓባራዊ ቤትና ንምክንኻንን፣ ንስደተይናታትን ተመዛበልትን ንምዕቋብን ንምቕባልን ብቐጻሊ ከም ዝምሕጸኑ፣ ከምኡውን ሃብታማት ሃገራት ንድኻታት ሃገራት ንምሕጋዝ ቁም ነገር ዘለዎ ስጕምቲ ኽወስዱ ጻውዒት ከቕርቡ ኸለዉ፣ ብዛዕባ እቲ "ዓለምለኻዊ ዘይተገዳስነት" ኢሎም ዝገለጽዎ ሓሳብ የጠንቅቑ።

ጎትየር ውን ብወገና ብዛዕባ ስደት እንክትገልጽ ሰባት አብ ሃገሮም ክነብሩ ብዘይምኽኣሎምን፣  መጻኢ ስለ ዘይረኽቡሉን ካብ ዓዶም ክወጹ ክግደዱ ኸለዉ "ናይ ገዛእ ርእስና ቅልውላው ናይ ስነ-ምግባር ኢዩ ዘጋጥመና ዘሎ" በለት።

"ካልኦት ሰባት ብሰንኪ እቲ ንዓታቶም ዚጸሉ ዘሎ ፖለቲካውን ቍጠባውን ምርጫታትና ኻብ ኣባይቶም ኪሃድሙ እሞ ዶብ ሰጊሮም ዑቕባና ኺደልዩ ኸለዉ ፣ ብኸመይ ክንምልሰሎም ንኽእል?" ኢላ ሓተተት።

"እዚ ናይ ፍትሒ ጕዳይ እዩ!"

"ኣጋጣሚ ወይ ዕድል"

ጎትየር ኣብ መግለጺኣ ንዅሎም ደቅሰባት ነዛ ዓለምለኻዊት መዓልቲ ማሕበራዊ ፍትሒ ከም ፍሉይ ኣጋጣሚ ገይሮም ክርእይዋ ጻውዒት ተቕርብ  - "ሓንሳእ ደው ኢልና ንሓድሕድና ብኸመይ ከም እንተሓሓዝ፣ ኣብ መንጐ ሓድሕድና ብኸመይ ጽቡቕ ርክብ ክንምስርት ከም እንኽእልን፣ ኣብዛ ሓባራዊት መንበሪትና ዝዀነት ዓለምና ከመይ ጌርና ዝያዳ ርክብ ክንምስርት ከም እንኽእል ድማ ነስተንትን ፣" በለት።

ጎትየር ከም ዝመስከረቶ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ሰባት ማሕበራዊ ፍትሕን ሰብኣዊ መሰላትን ንኽወሃቦም ዘቕረብዎ ጻውዒት "ኣዝዩ ኣድላዪ" ኢዩ፣ እዚ ድማ "ሕጂ ነቶም ሕግን መምርሒታትን ዘውጽኡ ሰባት እዚ ልዕሊ ዅሉ ኣገዳስን ትኩረት ክወሃቦ ዘለዎ መልእኽቲ ክኸውን ኣለዎ።  ፖሊሲታት ወትሩ ኣብቲ ንህይወት ሰባትን፣ ንብምሉኡ መዓልታዊ ህይወትና ዝትንክፍሉ መገዲ ክተኣሳሰርን ሱር ክሰድድን ከም ዘለዎ ኢያ እትኣምን፣ ኣስዒባ ውን ከምዚ በለት - "ንደቅሰብ ንምግልጋል ከምኡውን ንዅሎም ተቐበልትን ዑቕባን ንምሃብ እንተ ዘይኰይኑ ካልእ እንታይ ፋይዳ ኣሎና?"

ኣብ መወዳእታ ጎትየር "እዚ ጸወታ ኣይኰነን" ከምኡውን ብዛዕባ ዅሉ ሰብ ብምሕሳብ ብሓባር ምዕያይ ልሙድ ሓባራዊ ሓላፍነት ምዃኑ ኣዘኻኸረት፣ ነዚ ሓላፍነት እዚ ኸኣ "ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ካብ ምዝኽኻርና ኣይደኽሙን ኢዮም " ክትብል መስከረት ።

21 February 2024, 17:40