ድለ

መራሕቲ እምነት ኣብ ቶክዮ ንሰላም ቃል ኣትዮም መራሕቲ እምነት ኣብ ቶክዮ ንሰላም ቃል ኣትዮም  (AFP or licensors)

መራሕቲ እምነት ኣብ ቶክዮ ንሰላም ቃል ኣትዮም

ኲናት ንመሬት ኣብ ዘሳቕየሉ ዘሎ እዋን፡ መራሕቲ እምነት ኣብቲ ሃይማኖታት ንኣህጉራዊ ሰላምን ሃይማኖታት ንሰላም ኣብ ጃፓንን” ብተሰምየ ውድብ ዝተዳለወ ካልኣይ “ኪኖ ውግእን ናብ ዕርቅን: ብዝሓ ሃይማኖታት ንሰላም ኣብ ዘተ ክቢ ጠርጴዛ” ብዝብል ኣርእስቲ ተመሪሑ ኣብ ቶክዮ ተኣኪቦም፥ ንሰላም ዘለዎም ሓባራዊ ተወፋይነት ከም ዘረጋገጹን እቲ ዝተኻየደ ዓውደ ርክብ ምስ ኪዳን ስልጣነታት ሕቡራት ሃገራት ብምትሕብባር ዝተዳለወ ምዃኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብዚ ንዓለምናን ህዝብን ዘስንክል ኲናት ኣብ ዝሰፍሓሉ እዋን፡ ሃይማኖታት ንሰላም ኣህጉራውን ሃይማኖታት ንሰላም ኣብ ጃፓንን” እተሰምየ ማሕበር ምስ ሕቡራት ሃገራት ኪዳን ስልጣነታት (UNAOC) ብምትሕብባር፡ ብዝሓ ሃይማኖታት ዝሓቖፈ ጻዕሪ ሰላም ንምድፍናዕ ካብ ዕለት 19 - 21 ለካቲት 2024 ዓ.ም.  ኣብ ቶክዮ ብዘካየዶ ካልኣይ “ኪኖ ኲናትን ናብ ዕርቅን፡ ብዝሓ ሃይማኖታዊ ክቢ ጠረጴዛታት ንሰላም” ኣቢሎም፡ ነተን ብ 15 ግጭት ዝተሃስያ ሃገራት ዝውክሉ ናይ ሓሙሽተ ሃይማኖታትን መራሕቲ ጥበብ ንምክፋልን . . . ናይ ሓጺርን ነዊሕን ግዜ መስርሕን ተበግሶታትን ሰላም ምድህሳስ፣ ሰላምን ዕርቅን ንምስጓም ከም ዝመኸሩ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ኣብቲ ድሕሪ እቲ ናይ 2022 ዓ.ም. ቀዳማይ ዋዕላ ዘተ ዘካየደ ናይ 2024 ዓ.ም. ንሰለስተ መዓልታት ዝቐጸለ ናይ ክቢ ጠረጴዛ ዘተ፡ ተሳተፍቲ ብዛዕባ ኣድላይነትን ኣገዳስነትን ሃይማኖታውን እምነትን ተዋሳእነት ብምዝኽኻር። ሓንጸጽቲ መምርሕታትን፡ መዳርግቲ ኣካላትን በርገሳውያን ማሕበራትን ብሓባር ምስ መራሕቲ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ኮይኖም ህይወትን ክብርን ደቂ ሰባት ክኽበር ጻውዒት ዘቕረብሉ ካልኣይ ጉባኤ ምዃኑ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ብዝሓ ሃይማኖታት ዝሓቖፈ ዘተ ሰላም ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ

እቲ "ካልኣይ ናይ ክቢ ጠረጴዛ ዘተ ሰላም ቶክዮ"፡ ፍሉይ ዝገብሮ መራሕቲ እምነት፡ ኣብ መዛዘሚ፡ ኪኖ ኲናትን ናብ ዕርቅን፡ ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ድሕሪ ዘካየዶ ብዝሓ ሃይማኖታዊ ናይ ክቢ ጠረጴዛ ንሰላም ዘተ ዘውጽእዎ ናይ ሓባር መርገጺ ክኸውን እንከሎ፡ ኣብኡ ድማ ኣብ “ጸሎትን ንናይ ሓባር ጎስጓስ ምእንቲ ሰላምን ክነጥፉን ቃል ኣትዮም - ብሃይማኖታዊ መዳይ ናብ ናይ ሓባር ጽቡቔ ሂወት ዘስጉም ኣብ ምኽባር ክብሪ ሕይወት ሰብን ሰብኣዊ ክብርን ዝተመስረተ ናይ ሰላም ባህሊ ከስፍሑ ቃል ከም ዝኣተዉን ኣብ መላእ ዓለም፡ ኣብ ሃይቲ፡ ማእከላይ ምብራቕ፡ ሚያንማርን ዩክሬንን ሓዊሱ ኣብ ዞባታት ግጭት ሰባት ዘሕልፍዎ ዘለዉ "ክግመት ዘይከኣል ስቓይ ዓሚቕ ስክፍታኦም" ከም ዘስመሩሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

መብዛሕትኦም ተቓላዕቲ ኣብ ማእከል እቲ ግጭት እያቶም

"መሰረታት ሰላምን ድሕንነትን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዞባ ዓለም ኣብ ሓደጋ ከምዘሎ ንፈልጥ ኢና" ቢሎም "እቶም ኣዝዮም ተቓላዕቲ ዝኾኑ - ደቂ ኣንስትዮ፡ ህጻናት፡ ከምኡ'ውን ዝተገለሉ ህዝብታት - ኣብቲ ውግእ ዝካየደሉ ቦታ ዝርከቡ ብዘይመጠን ብኸቢድ ዓመጽ ይሳቐዩ ኣለዉ" ክብሉ ነቒፎም፣ ምምዝባልን ካልእ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን” እውን ከም ዘጋጥሞም ሓቢሮም፥ "ብመለኮታዊ ትምህርቲ በብሃይማኖትናን እምነታትናን ተደሪኽና፡ ኣብቲ ብዝሓ ሃይማኖታዊ ዘሎ ናይ ሰላም ራእይ፡ ከምኡ'ውን ከም ሓነጽቲ ድልድልን ገበርቲ ሰላምን ኮይንና ከነገልግል፡ ዕርቅን እወታዊ ኣርኣእያ ከነዕቢ ኣብ ሓባራዊ ሓላፍነትና ንጥርነፍ፡ ነቶም ብኲናት ዝተሃስዩ ማሕበረሰባትና ጭቡጥ ቅርበትና ነረጋግጽ” ቢሎም፥ ብተወሳኺ “ኲናትን ዓመጽን ንክብሪ ህይወትን ሰብኣዊ ክብርን ምትሕብባርን ንዝብል ቅዱስ መትከል ከም ዝጥሕስ ብምግንዛብ ኩሉ ዓይነት ኩናትን ዓመጽን ብትሪ” ንኹንን ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ጭቡጥ ስጉምትታት

እቶም መራሕቲ እምነት "ብዙሓ ይማኖታዊ ራእይ ሰላም" ብዝበለጸ በራት ብምዕጻውን፡ ንሓባራዊ ስጉምትን ዝጻረር... ከቢድ ዓመጽ፡ ምዝንባልን ካልእ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን ንምውጋድ ዝድግፍ እዩ . . . ሃይማኖታዊ ንብረቶምን ማሕበረሰቦምን ብምውዳብ ብኲናት ንዝተሃስዩ ማሕበረሰባት ሰብኣዊ ሓገዝ ንምሃብ፣ ከምኡ’ውን ቀጻሊ ጽምዶን ሓገዝን ብፍላይ ንደቂ ኣንስትዮን መንእሰያትን ሕጻናትን ምምስራቕ ከምዘድሊ ብኣጽንዖት ገሊጾም፥ "ኲናትን ዓመጽን ከይድገምን ከይቅጽልን" ንነዊሕ እዋን ዝጸንሕ መስርሕ ፈውስን ዕርቅን ከተባብዑ ቃል ኣትዮም፤ ኣብ መንጎ ብግርጭታትን ኩናትን ዝተጎድኡን ዝተፈላለዩን ኣባይቲ ስድራን ማሕበረሰባትን ሓድነትን ፈውስን ንምስራጽ እዩ . . .  እቶም ልኡካን ሃይማኖታት ኣብ መዛዘሚ ናይ ሓባር መግለጺኦም፥ "ምትእምማን ንምህናጽ፡ ምፍልላይ ንምፍዋስ፡ ከምኡ'ውን ንዝያዳ ሰላማዊ፡ ፍትሓዊ፡ ንኹሉ ዝሓቁፍ ኣብ ሕብረተሰባት ይቕሬታን ዕርቅን ንምምዕባል"፡ ብዝሓ ሃይማኖታዊ ክቢ ጠረጴዛዊ ዘተ፥ ኣቢሎም ሰላም ንምትብባዕ ዘለዎም ድሌት ብምግላጽ፡ ነቶም ብቐጻሊ ውግኣትን ዓመጽን ዝሳቐዩ ዘለዉ ልባዊ ጸሎቶምን ነቕ ዘይብል ሓገዞምን ቅርበቶምን ከም ዘረጋገጹ" ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ተሓታትነት ኣብ ልዕሊ መጻኢ ወለዶ

ሓድሽ ዋና ጸሓፊ ሃይማኖታት ንሰላም ዶክተር ፍራንሲስ ኩርያ ካገማ፡ ነቲ ዘይፍታሕ ጉዳያት ግጭትን ኲናትን ንምውጋድ ድምጺ መራሕቲ ሃይማኖት ኣብ ሓደ ምትእኽኻብ ኣገዳሲ ምዃኑ ብኣጽንዖት ክገልጹ እንከዉ፡ ቀልቄዶንያዊ ሜጥሮጶሊታን ኣማኑኤል ኣዳማኪስ፡ ናይ ማሕበር ሃይማኖታት ንሰላም ኣካያዲ ሓባራዊ ስራሕ፥ "ኩሎም መዳርግቲ ኣካላት ንነዊሕ እዋን ዝጸንሕ ዕላማታት ዕርቂ ከተባብዑ ቃል ክኣትዉ ክሳብ ክንደይ ኣገዳሲ ምዃኑን ክተባብዕን ክቕጽልን ዘለዎ ናይ ብዙሓ ሃይማኖታት ዘተ ንሰላም፡ ምርግጋእን ሰላምን ንምዕዋት ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ” ክብሉ እንከለዉ ዶክተር ቪኑ ኣራም፡ ምሕዝነትን ምድግጋፍን እንገዳን ናይ ዘነቓቕሕ ማሕበር ሻንቲ ኣሽራም ኣቦ መንበርን ሓባራዊ ኣካያዲ ስራሕ ሃይማኖታት ንሰላም፡ ብተመሳሳሊ ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ኣብቶም እዚ ማሕበር ዘካይዶ ጻዕርታይ ክሳተፋ ጸዊዑ፡ ንኹሎም ተግባእያንን ከምኡ’ውን “ንኹሎም እቶም ዝሓሸት ዓለም ኣብ ምርግጋጽ ናይ ምሕላም ትብዓት ዘለዎም ኮታ ክላትና ናይቶም ኣብ መላእ ዓለም ዘለዉ ሕጻናት መጻኢ ተሓታትነት ኣሎና፥ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

23 February 2024, 17:10