ድለ

ራባይን ምሁራትን ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መንጎ ጽልኢ ዕርክነት ዘራኢ እንክብሉ የመስግኑ ራባይን ምሁራትን ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መንጎ ጽልኢ ዕርክነት ዘራኢ እንክብሉ የመስግኑ  (Vatican Media)

ራባይን ምሁራትን ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መንጎ ጽልኢ ዕርክነት ዘራኢ እንክብሉ የመስግኑ

ሓደ ናይ ኣይሁድ ሃይማኖታዊ ጉጅለ ራባይን ምሁራትን ኣብ ናይ ሓባር ዘተ ኣይሁድን ክርስትናን ዘሎ ተመክሮኦም ንር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ከም ዘካፈሉን ቅዱሰነቶም ስለቲ "ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከቡ ኣይሁድ ንዘርይዎ ተቕባልን ኣኽብሮትን" ከምኡውን "ጸረ-ሴማዊነትን ጸረ-ኣይሁድነትን ብንጥፈት” ብምቅዋም ኣብዚ መዳይ ንዝህብዎ ዓቢይ ኣበርክቶ" እውን ምስጋናኦም ይገልጹ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“ቤተክርስትያን ኣብ ሓደ እዋን ንሕንሕ ኣብ ዝርከበሉ ቦታ ምርድዳእ፣ ጽልኢ ኣብ ዝነብረሉ ዕርክነት፣ ንዕቀት ኣብ ዝርከበሉ ቦታ ርህራሄ ንምምዕባል ዝገበረቶ ጻዕሪ ንማሕበረሰባትና ቀይሩ ኣብ ህይወትና ዘለኣለማዊ ኣሰር ገዲፉልና ኣሎ። እዚ ተወፋይነት እዚ ኣብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ርኡይ እዩ። ኣብ መልእኽትዅም ብዛዕባ እዚ ቓል ኪዳን እዚ መረጋገጺ ንረክብ ብፍላይ ኣብዚ ዘይምርግጋእ ንሓያሎ ዓመታት ዝማዕበለ ዝምድናታት እውን ከይተረፈ ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ዘሎ እዋን ዝያዳ ኣገዳስነት ኣለዎ።” እዚ ናይቲ ብሓያሎ ናይ ኣይሁድ ሃይማኖት ራባይን ምሁራትን ናይ ኣይሁድን ክርስትያንን ናይ ሓባር ዘተ ሽማግለ ናይቲ ናብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ናይ ዘመሓላለፎ መልኽቲ ሕመረት ክኸውን እንከሎ። እቲ ደብዳበ ብሓባር ራባይ ዮሹዋ ኣህረንስ (ፍራንክፈርት/በርን)፡ ራባይ ይትዝ ግሪንበርግ (ናይ ኢየሩሳሌም/ ኒውዮርክን)፡ ራባይ ደቪድ ሜየር (ናይ ፓሪስ/ሮማን)፡ ካርማ ቤን ዮሃናን (ኢየሩሳሌም) ማልካ ዛይገር ሲምኮቪች (ቺካጎ)ን ዝተኸተመ ኮይኑ፡ እዚ ጉጅለ እዚ ድሕሪ እቲ ዕለት 7 ጥቅምቲ ዝተፈጸመ ህልቂትን ኣብ መላእ ዓለም ጸረ-ሴማውነትን ጸረ-ኣይሁድነትን ኣብ ዝብርኸሉ ዘሎ እዋን ኣብ መንጎ ኣይሁድን ክርስትያንን ቅርበት ዝያዳ ክህሉን ክተባባዕን ዝብል ናብ ቅዱስ ኣቦና ዘመሓላለፎ መልኽቲ ክኸውን እንከሎ ቅዱሰንቶም ዕለት 2 ለካቲት ናብቶም "ኣብ እስራኤል ዝነበሩ ኣይሁዳውያን ኣሕዋትን ኣሓትን" ብዝብል ኣርስቲ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፡ ቤተ-ክርስትያን ምስ ህዝቢ ኣይሁድ ዘለዋ ሓድነት ንምርግጋጽ ከምኡውን ኣብ መንጎ ዅሎም ናይ ዝተፈላለዩ ዓሌታትን ሃይማኖታትን ሰባት ቅልጡፍ ዕርቂ ኽግበር ዘቕረብዎ ጻውዒት እቶም ናብ ቅዱስነቶም መልኽቲ ዘመሓላለፉ ናይ ኣይሁድ ሃይማኖት ጉጅለ ራባይን ምሁራትን ኣብ ናይ ሓባር ዘተ ኣይሁድን ክርስትናን ዘኪሮም ራባይ ሙሸ ኢብን እዝራ ብምጥቃስ፡ "ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከቡ ኣይሁድ ብፍላይ ከኣ ኣብዚ ብርቱዕ ጭንቀት ዝመልኦ እዋን ናብ እስራኤል ኢድኩም ብምዝርጋሕኩም ንጸናናዕ።" ከምኡውን "ነቲ ኣብዚ ቐረባ ግዜ ኣብ ህይወትና መብዛሕትና ዘይንፈልጦ ሰፊሕ ባይታ ዝረኸብ ዘሎ ጸረ-ሴማዊነትን ጸረ-ኣይሁድነትን ብንጥፈት ንምቅዋም እተርእይዎ ቘራጽነት ንንእድ . . . “ጽንትዓን ተስፋን ትብዓትን ኣብ ዘድልዮ ታሪኻዊ ህሞት ኢና ንነብር ዘለና” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ “እቲ ለውጢ ዘምጽእ ሓይሊ ዘለናዮ ዘመን ዘርስቱ ውሳኔ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን፡ ኣብ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ግጭታት ኣብ ዝረኣየሉ እዋን እውን ከይተረፈ ሕውነት ክርከብ ከም ዝከኣል ዘርኢ ኢዩ። ምስ ካቶሊካውያን ኣሕዋትናን ኣሓትናን ሓቢርና ሃይማኖታት መሃዝቲ ሓይሊ ኪዀናን ዕጹው ዝዀነ መገድታት ኪኸፍታ ኸም ዚኽእላ ንተኣማመን ኢና” ከም ዝበሉን፡ ነቲ መልእኽቲ ዘመሓላለፈ ጉጅለ ከተምቲ ዘወሃሃዱ ፕሮፌሰር ካርማ ቤን ዮሃናን፡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ “ኣብ መንጎ ማሕበረሰባትና ዝግበር ዘተ ንምዕማቝ ዝዕድምን ዘተባብዕን እዩ። ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ኣብ ዝምድና ኣይሁድን ክርስትያንን ዘማእከል ዘለናሉ ዘመን ዘርእስቲ ውሳኔ ካብ ዝቐውም ዳርጋ 60 ዓመት የቑጽር ኣሎ፡ “ሎሚ ኣብዚ ዘሕዝን እዋን ዝምድናና ከነሐድስ ኣለና” ከም ዝበሉን፡ ይኹን እምበር፡ ኣብዚ እዋን'ዚ ወጥሪ'ኳ እንተሃለወ፡ "ርክብና ንዕኡ ንምብዳህን ንቕድሚት ንምስጓምን ጽኑዕ ከም ዝኸውን ርግጸይናታት ኢና፡ ብዙሕ ስራሕ ከም ዝጽበየና ኣሚና" ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።

እቶም ናይ ኣይሁድ ሃይማኖታዊ ጉጅለ ራባይን ምሁራትን ኣብ ናይ ሓባር ዘተ ኣይሁድን ክርስትናን ኣብ መወዳእታ መልእኽቶም “ቃንዛ ነበርቲ እዛ ምድሪ፡ ኣይሁድ ይኹኑ፡ ክርስትያን፡ ኣስላም ይኹኑ፡ ንኹላትና የሕምመና፡ ኣብ ህይወትናን መጻኢናን ዝጸልወና” ምዃኑ ብምኽኻር፥ ካብዚን ሕጂን ጀሚሩ ነዛ እተሰብረት ዓለም ናይ ምሕዋይ ግዴታ ኣሎና” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

16 February 2024, 16:33