ድለ

ኣብ ደሞክራስያዊት ረፓብሊክ ኮንጎ ኣብ ልዕሊ ቤተ ክርስቲያን ጴንጠቆስጠ ዝተፈጸመ መጥቓዕቲ ኣብ ደሞክራስያዊት ረፓብሊክ ኮንጎ ኣብ ልዕሊ ቤተ ክርስቲያን ጴንጠቆስጠ ዝተፈጸመ መጥቓዕቲ  (AFP or licensors)

ኣብ ደሞክራስያዊት ረፓብሊክ ኮንጎ ኣብ ልዕሊ ቤተ ክርስቲያን ጴንጠቆስጠ ዝተፈጸመ መጥቓዕቲ

ኣብ ምብራቓዊ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ዞባ በኒ ብዝተፈጸመ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ብውሕዱ ሸሞንተ ሰባት ከም እተቐትሉን ካልኦት ሳላሳ ድማ ጅሆ ከም እተተሓዙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎን ከባቢኣን ዝርከባ ሓያሎ ዓድታት ዝሓለፈ ሰሉስ ዕለት 30 ጥሪ ዕጡቓት ሓይልታት ብዝፈጸመዎ መጥቃዕቲ ብዙሓት ሰላማውያን ሰባት ከም ዝተቐትሉን እቲ ዝተፈመ መጥቃዕቲ ምስቲ እስላማዊ መንግስቲ ተባሂሉ ምስ ዝጽዋዕ እሳላዊ ኣኽራሪ ሓይሊ ምትስሳር ዘለዎ ጉጅለ ደሞክራስያዊ ሓይልታት ኪዳን ተሓታቲ ምዃኑ ክሕበር እንከሎ፡ ሓሙሽተ ኣብ ሓንቲ ጴንጠቆስጣዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ጸሎት ካብ ዝነበሩ ዝርከብዎም ብጠቕላላ ሸሞተ ሰላማውያን ሰባት ከም እተቐትሉ ከንቲባ ዞባ ቤኒ ኮሙን ኦይቻ ኒኮላስ ኪኩኩ ገሊጾም፡ ካልኦት ሓያሎ ሰባት ሃለዋቶም ገና ከም ዘይፍለጥ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ከም ዝሓበሩ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

30 ሰባት ጅሆ ተታሒዞም

ካልኦት ምንጭታት እቲ ከባቢ ከም ዝሕብርዎ፡ በቶም ኣብ ምብራቓዊ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎ

ቀዳም ዕለት 27 ጥሪ ኣብ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ኣብ ሓደ ቤተክርስትያን 32 ሰባት ከምዝተቐትሉን ካብኣቶም ድማ ሓምሽተ ዝተሰየፉ ምዃኖም ክፍለጥ እንከሎ። እዚ መጥቃዕትታት እዚ እውን፡ በቲ ምስ እስላማዊ መንግስቲ ምትእስሳር ዘለዎ ደሞክራስያዊ ሓይልታት ኪዳን ዝተፈጸመ ምዃኑ ይንገር።

ልዕሊ 30 ዓመት ዘቑጽር ዘሎ ዘይምርግጋእ

ኣውራጃታት ሰሜን ኪቩን ኢቱሪን ካብ 2021 ዓ.ም. ጀሚሩ ኣብ ትሕቲ እዋን ህጹጽ ኣዋጅ ከም ዘሎን እዚ ስጉምቲ እዚ ኣብቲ ዞባ ዝቀሳቐሱ ዕጡቓት ጉጅለታት ንምዕጋትን ንምጥፋእን ብዝብል መደብ መሰረት እቲ ናይተን ከባብታት ምምሕዳር በርገሳዊ ስልጣን ብወተሃደራዊ ምምሕዳር ከም እተተክአ ክዝከር እንከሎ፡ ፈለማ ብዓመጽቲ ኣስላም ኡጋንዳ ዝተመስረተ ጉጅለ ደሞክራስያዊ ሓይልታት ኪዳን ካብ መፋርቕ 1990 ዓመታት ጀሚሩ ኣብ ምብራቓዊ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎ ብብዙሕ ሓሽሓት ዝቑጸሩ ሰላማውያን ዜጋታት ከም ዝቐተለን ኣብ 2019 ዓ.ም. እቶም ምስ እስላማዊ መንግስቲ ቢሉ ገዛእ ርእሱ ዝሰመየ ዕጡቓት ሓይልታት ኣኽረርቲ ሃይማኖት ምስልምና ምትእስሳር ዘለዎ ጉጅለ ዓመጽቲ ገዛኣ ርእሶም "ኣውራጃ ማእከላይ ኣፍሪቃ" እንክብሉ ከም ዝሰመዩን ኣብ መወዳእታ 2021 ዓ.ም. ካምፓላን ኪንሻሳን "ሹጃ" ብዝብል መጸውዕ ኣብ ልዕሊ ጉጅለ ደሞክራስያዊ ሓይልታት ኪዳን ሓባራዊ ወተሃደራዊ ስርሒት ጀሚረን እኳ እንተነበራ፡ እቶም ዓመጽቲ ግፍዕታቶም ይቕጽሉ ከም ዘለዉን፡ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 2023 ዓ.ም. ኣብ ምዕራብ ኡጋንዳ ክልተ መጥቃዕቲ ብምፍጻም 13 ሰባት ከም ዝቐተሉን ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎ ካብ ወጥሪ ዝመልኦ ህዝባዊ ምርጫ ዝወጸት እኳ እንተኾነ ሕጂ እውን እቶም ዕጡቓት ጁለታት ኣብ ዞባ ቤኒ ቀታሊ መጥቃዕቲ ዳግማይ ከም ዘበገሱን፡ ዕለት 23 ጥሪ ብዝፈጸመዎ መጥቓዕቲ ሓሙሽተ ሰላማውያን ሰባት ከም ዝቐተሉ ዜና ቫቲካን ምንጭታት ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎ ጠቒሱ የመላኽት።

02 February 2024, 15:19