ድለ

ስልማት ሰላም ኒዋኖ ንፍልስጤማዊ-ኣመሪካዊ ሃናጺ ሰላም ስልማት ሰላም ኒዋኖ ንፍልስጤማዊ-ኣመሪካዊ ሃናጺ ሰላም 

ስልማት ሰላም ኒዋኖ ንፍልስጤማዊ-ኣመሪካዊ ሃናጺ ሰላም

ትካል ሰላም ኒዋኖ ንፍልስጤማዊ ኣሜሪካዊ ፕሮፌሰር መሓመድ ኣቡ-ኒመር ንመበል 41 ስልማት ብቑዕ ተባሂሉ፣ እዚ ድማ ንመላእ ዕድመኡ ንሰላምን ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ዘተ ክህሉ ንዝገበሮ ተወፋይነት ኣፍልጦ ብምሃብ እዩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ፕሮፌሰር መሓመድ ኣቡ-ኒመር ተዓዋቲ ስልማት ሰላም ኒዋኖ 2024 ዓ.ም. ከም ዝኾነን እቲ ትካል ሰላም ኒዋኖ ዕለት 27 ለካቲት ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ኣመላኺቱ፥ እቲ ኣመሪካዊ ፍልስጤማዊ ምሁር ንሰላም ዘለዎ ተወፋይነት ካብ ተራ ናይ ስነ ፍልጠትን ስነ ምምህርናን ዕዮታቱ ሰገር እዩ ከም ዝበለን፥ “ኣብ ስርሑ  ኣብ ጉዳይ ሰላም ዝገብሮ ኩለንተናዊ ኣበርክቶ ኣዝዩ ዝድነቕ” ቢሉ ኣበርክቶኡ “ንትምህርቲ ምስ ንጥፈታት ምፍታሕ ግርጭታትን ህንጸት ሰላምን ዘወሃህድ፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ምስልምና ሃይማኖት ብዛዕባ ይቕሬታን ዕርቅን ዘለዎ ዓሚቝ ርድኢትን ብውጽኢታዊ መገዲ ኣቢሉ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ዝገብሮ ህርኩትን ቀጻልን ጻዕሪ ኣፍልጦ ብምሃብ ነቲ ስልማት ብቑዕ ከም ዝበሎ እቲ መግለጺ ናይቲ ትካል የመላኽት።

ኲናት እስራኤልን ሓማስን

ፕሮፌሰር ኣቡ-ኒመር ንመዋእል ዕደመኡ ንሰላምን ምትሕብባር ሃይማኖታት ዝገብሮ ተወፋይነት ኣፍልጦ ብምሃብ፡ እቲ መግለጺ “ብመንጽር’ቲ ኣብ መንጎ እስራኤልን ፍልስጤምን ዝካየድ ዘሎ ግጭትን ናብ ሓደ ካብቲ ኣብ ዞባና ኣዝዩ ኣዕናዊ ኲናት ተሰጋጊሩ ዘሎ ግጭትን ንናይ 2024 ዓ.ም. ስልማት ሰላም ኒዋኖ ብቑዕ የብሎ።

ኣብ መንጎ ሃይማኖታትን ኣብ መንጎ ባህልታትን ዝግበር ዘተ

ናይ ሎሚ ዓመት ተቐባሊ ንምምራጽ ሓላፍነት ዝነበሮም ኣባላት ሽማግለ ስልማት ሰላም ኒዋኖ፡ ብዛዕባ’ቲ ፕሮፌሰር ኣቡ-ኒመር ዝገበሮ መስተንክር ኣበርክቶ ጦብላሕታ ነይርዎም፤ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ መንበረ ጥበብ መምህር ስነ ሰላምን ስነ ኣፈታትሓ ግጭትን ብምዃኑ፡ ምስ ኣፈታትሓ ግርጭታት፡ ዘይጎነጻዊ ቃልሲ፡ ሰብኣዊ መሰላትን ምዕባለን ዝተኣሳሰሩ ጉዳያት ንምርምር፡ ትምህርትን ተመክሮን ዝውፈ ንመኽሰብ ዘይሰርሕ ትካል ሰላም ተቕዋም እውን ዝመሰረት ምዃኑ ዘኻኺሩ፥ “ኣብ ዝተፈላለዩ ዞባታት ግጭት ንምውጋድ ምትሕብባር ሃይማኖታትን ኣብ መንጎ ባህልታትን ዝግበር ዘተ፡ ህንጸት ሰላምን ምዕባለ ማሕበረሰብን ዓሚቝ ተሳትፎ ዘለዎ፡ ንፍልልያት ድልድል ንምቛም ዘለዎ ተወፋይነት ኣብቲ መገልጺ እቲ ትካል ተመልኪቱ ከምዘሎን፡ “ፕሮፌሰር ኣቡ-ኒመር ስዓቢ ሃይማኖት ምስልምና ሱፊ፡ ኣብ ከም ሰሜን ኣየርላንድ፡ ሲሪላንካ፡ ሚንዳናው (ፊሊፒንስ)፡ ባልካንን ኣብ ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪቃን ካልኦትን ዝኣመሰሉ ናይ ግጭት ዞባታት ዝሰርሑ፡ ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ኣብ ዝግበር ዘተ ግንባር ቀደም ኮይኑ ዝዋሳእን “ጽልዋኡ ኪኖ ስነ መጽናዕታውን ስነ ፍልጠትን ዓውድታት ዝዝርጋሕ ኮይኑ፡ ከም ተቕዋም ህንጸትን ልምዓትን ዝኣመሰሉ ተበግሶታትን ጽሑፋትን ዝዝርግሕ ጋዜጣን መጽሔታትን ካብ ዝመስረቱ ሓደ፡ ኣብ ህንጸት ሰላም ናይ መጽናዕቲ ጽሑፋት ኣብ ምስፋሕ ዓቢ ኣብርክቶ ዘለዎ ምዃኑ እቲ መግለጺ ብምዝኻር፡ ጻዕርታት ፕሮፌሰር ኣቡ-ኒመር “ኣብ ብዙሕ ቦታታትን ዓውድታትን ጽልዋ ከምዘሕደረን፡ እዚ ኩሉ ኣብ እስላማዊ ትውፊት ኣዕሚቑ ሱር ዝሰደደን ዝተደረኸን ሃይማኖት ንስለም” ምዃኑ ዘብርህን ሰላምን ምርድዳእን ምትሕብባርን ንምድንፋዕ ዝሰርሖ ስራሕ ክሉ ነዚ ክቡር ስልማት ብቑዕ ከብሎ ግቡእ እዩ ይብል።

ስልማት ሰላም ኒዋኖ

እቲ ንኽብሪ መስራቲ ትካል ኒክዮ ኒዋኖ እተሰምየ ስልማት ሰላም ኒዋኖ፡ ነቶም ኣብ መንጎ ሃይማኖታዊ ምትሕብባር ዓብዪ ኣበርክቶ ዚገብሩን ዓለምለኻዊ ሰላም ዜስፍኑን ሰባት ኣፍልጦ ንምሃብን ንምትብባዕን ዝዓለመ ኮይኑ ኒክዮ ኒዋኖ ሰላም ኣብ መንጎ ሃገራት ግጭት ዘይምህላዉ ጥራይ ዘይኰነስ ኣብ ውሽጢ ውልቀ - ሰባትን ማሕበረሰባትን ብርቱዕ ስኒት ማለት እዩ ቢሉ ዝሓስብ ዝነበረ ድሕር ዝገበሮ መጽናዕቲ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ኣብ ጃፓን ሰዓቢ ሃይማኖት ብድህ ኮይኑን ደሓር ናይቲ ቡድሃዊ ትካል ሪሾ ኮሰይ ካይ መስራትን ቀዳማይ ኣቦ መንበርን ከም ዝነበረ ዝዝከር ኮይኑ እቲ ናይ ሰላም ስልማት ኒዋኖ ስነ ስርዓት ዕለት 14 ግንቦት 2024 ዓ.ም. ኣብ ቶክዮ ጃፓን ክካየድ ተመዲቡ ከም ዘሎን ፕሮፌሰር ኣቡ-ኒመር ኣብቲ ስነ ስርዓት ስልማት ምስክር ወረቐት መዳልያን ዕስራ ሚልዮን የንን ክቕበል ምዃኑ እቲ ናይቲ ትካል መገልጺ የመላኽት።

28 February 2024, 14:56