ድለ

ብዛዕባ ክህሉ ዝኽእል መጥቃዕቲ እስራኤል ኣብ ራፋሕ ዝፈጥሮ ዘሎ ዓቢይ ስግኣት ብዛዕባ ክህሉ ዝኽእል መጥቃዕቲ እስራኤል ኣብ ራፋሕ ዝፈጥሮ ዘሎ ዓቢይ ስግኣት  (ANSA)

ብዛዕባ ክህሉ ዝኽእል መጥቃዕቲ እስራኤል ኣብ ራፋሕ ዝፈጥሮ ዘሎ ዓቢይ ስግኣት

ኣብ ራፋሕ ዝርከቡ ፍልስጤማውያን፡ እስራኤል ምድራዊ መጥቓዕታዊ ስርሒት ክትፍጽም ከም እትኽእል ብምስጋእ ናብ ሰሜናዊ ክፋል ደይር ኣል ባላህ ገጾም የግዕዙ ምህላዎም ይንገር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዕለት 17 ለካቲት ህዝቢ እቲ ከባቢ ካልእ ዝሃድመሉ ቦታ ስለዘየብሉ፡ ራፋሕ ‘መወዳእታ መስመር’ ምዃና ዶብ ኣልቦ ማሕበር ሓኻይም ኣጠንቂቑ፡ ኣብ ደብባዊ ክፍሊ እታ ከተማ ዝርከቡ 1.4 ሚልዮን ሰባት ብመጥቃዕቲ እስራኤል፣ ጥምየትን ነዚ ስዒቡ ብዘጋጥም ሕማም ይሳቐ ከምዘሎ እቲ ትካል ረድኤት ዝሃቦ ሓበሬታ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ እዚ እናሃለወ ናይ እስራኤል ሚኒስትሪ ሓይሊ ምክልኻል ቤኒ ጋንትዝ፡ እስራኤል ኩሎም ጅሆ ዝተታሕዙ ዜጋታታ ናጻ ክሳብ ዝልቀቑ እትፍጽሞ መጥቓዕቲ ክትቅጽል እያ ከም ዝበሉ የመላኽት።

ኣብ ልዕሊ ሆስፒታል ዝፍጸም ደብዳብ

ዕለት 17 ለካቲት ሰራዊት እስራኤል ኣብ ልዕሊ ቀንዲ ሆስፒታል ደቡባዊ ቓዛ ኣብ ዘካየዶ ደብዳብን ናብቲ ቤት ሕክምና ብምእታው ኣብኡ ጥርጡራት ኣሸበርቲ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ከም ዘእተወ ወተሃደራዊ ምንጭታት እስራኤል ከፍልጥ እንከሎ፡ ናይቲ ቤት ሕክምና ሰራሕተይናትትን ዝእለዩ ህሙማን ገዛእ ርእሶም ንምድሓን ክሃድሙ ከም ዝፈተኑን እስራኤል ኣብ ካን ዩኒስ ኣብ ዝርከብ ቤት ሕክምና ናስር መጥቓዕቲ ከም ዝፈጸመትን ብውሑዱ ሓደ ሰብ ከም ዝሞተ፡ ካልኦት ሓያሎ ድማ ከም ዝቖሰሉን – ከምኡ’ውን ብዙሓት ክሃድሙ ከም ዝፈቱንን ኣመላኺቱ፥ ወሃቢ ቃል ሓይሊ ምክልኻ እስራኤል ዳንኤል ሃጋሪ፡ ሓደ ኣብቲ ሓማስ ዕለት 7 ጥቅምቲ ኣብ ዝፈጸሞ ጸረ እስራኤልም መጥቓዕቲ ዝተሳተፈን ነቶም ጅሆ ዝተተሓዙ ኣስራኤላውያን ናብ ቓዘ ዘጓዓዘ መራሒ ናይ ሕክምና ማኪና ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከም ዝኣተወ ከፍልጥ እንከሎ፡ ቤት ሕክምና ናሰር ሓደ ካብቶም ክሳብ ሕጂ ኣብ ቓዛ ኣገልግሎት ዝህቡ ዘለዉ ውሑዳት ኣባይቲ ሕክምና ከም ዝኾነን፡ ካብ መፋርቕ ዝሓለፈ ሰሙን ጀሚሩ ኣብ መንጎ ወተሃደራት እስራኤልን ሓማስን ጽዑቕ ውግእ ዝካየደሉ ቦታ እውን ምዃኑ ይንገር።

ሰብኣዊ ቅልውላው

ምስሪ ካብቲ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ንኽመዛበሉ ዝግደዱ ፍልስጤማውያን ንምቕባል ኣብቲ ምስ ቓዛ ኣብ ዘዳውባ ቦታ መዕቆቢ ስደተይናታት ትሃንጽ ኣላ ዝብል ሓበሬታ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ቢላ ከም ዝነጸገቶን ሓላፊ ትካል ረድኤት ሕቡራት ሃገራት ንፍልስጤማውያን ስደተኛታት፡ እስራኤል ነዚ ንፍልስጥኤማውያን ስደተይናትትን ተመዛበልትን ዝሓልይ ትካል ረድኤት ሕቡራት ሃገራት ንምጥፋእ ዝዓለመ ውሁድ ወፍሪ ተካይድ ምህላዋ ገሊጹ፥ ናይዚ ትካል ዋና ሓላፊ ፊሊፕ ላዛሪኒ ካብ ስልጣኑ ክወርዱ ዝቐረብ ዘሎ ጠለብ ኣካል ናይቲ መንግስቲ እስራኤል ዝገብሮ ዘሎ ጎስጓስ ምዃኑ ክሕብር እንከሎ፥ “ኣብዚ እዋን’ዚ፡ ነቲ ናይ ውድብ ሃገራት ዓለም ንናይ ፍልስጥኤም ተመዛበልቲ ዝሓልይ ትካል ረድኤት ንምጥፋእ ዝዓለመ እስራኤል እተካይዶ ሰፊሕን ዝተዋደደን ወፍሪ ንገጥም ኣሎና” ክብል ኣብ ስዊዘርላንድ ንዝርከብ ኣገልግሎት ዜና ታሜድያ ከም ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ብዛዕባ ክህሉ ዝኽእል መጥቃዕቲ እስራኤል ኣብ ራፋሕ ዝፈጥሮ ዘሎ ዓቢይ ስግኣት
19 February 2024, 16:01