ድለ

2024.02.13 ሰብኣዊ ሕውነት፡ መንእሰያት ንመናብርተ ጥበብ ዝኸውን መምርሒ ምትሕብባር የዳልዉ 2024.02.13 ሰብኣዊ ሕውነት፡ መንእሰያት ንመናብርተ ጥበብ ዝኸውን መምርሒ ምትሕብባር የዳልዉ 

ሰብኣዊ ሕውነት፡ መንእሰያት ንመናብርተ ጥበብ ዝኸውን መምርሒ ምትሕብባር የዳልዉ

ንኹለን ክፍለ ዓለም ዝውክሉ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝመጹ ዓሰርተ ሓደ ተማሃሮ መናብርተ ጥበብ ናብ ኣቡዳቢ ብምኻድ መትከላት ሰነድ ሰብኣዊ ሕውነት ጭቡጥ ንምግባር ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ዘትዮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ቕድሚ ሓሙሽተ ዓመት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ኣብ ምስሪ ናይ ኣል - ኣዝሓር መንበረ ጥበብ ዓቢ መምህር ኣል - ጣየብ ብሓባር ከቲሞም ወግዓዊ ዝገበርዎ ሰብኣዊ ሕውነት ዘርእስቱ ሰነድ ዘንብሮም ምግባራዊ ስርዓታት ኣብ መላእ ዓለም ኣብ መንእሰያት ንምስራጽ ዝዓለመ ዓውደ ርክብ ምንባሩ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ እዚ መምርሒ ናይ ምሕንጻጽ ዕዮ ናይቶም "ኣብ መንጎ ዝተፈላለየ ባህልታትን ሃይማኖታትን ስኒት ንምድንፋዕ መርሓ ግብሪ ሰብኣዊ ሕውነት ንምንቕቓሕ ናይ ዝተመርጹ ዓሰርተ ሓደ ተማሃሮ መናብርተ ጥበብ እዩ። እቶም ተማሃሮ ኣብ ሓምሸይ ዓመት ዝኽሪ እቲ ሰነድ፥ ኣብቲ ሰነድ ዝተነብሩ ምግባራዊ ስርዓታት ኣማእኪሎም ካብ ዕለት 3 – 10 ለካቲት ኣብ ኣቡ ዳቢ ከም ዝመኸሩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

መንእሰያት ሕውነት ተመክሮኦም ንኽገብርዎ ዝሕግዝ መምርሒ

ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ናይ እስላም ቤት ምኽሪ ሽማግለን ሽልማት ዛይድን ዝዀኑ ምስራዊ ዳይና መሓመድ ዓብደልሳላም ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ እቲ ብተማሃሮ መናብርተ ጥበብ ዝተዳለወ ዓውደ ኣኼባ "ግብራዊ መምርሒ ሰብኣዊ ሕውነት" ኣብ ማሕበረሰቦምን ኣብ ዝመሃሩሉ መናብርተ ጥበብን ካብዚ ሓሊፉ እውን ብተመሃሮ መናብርተ ጥበብ ኣቢሉ ከመይ ገይሮም ሰብኣዊ ማሕበረሰብ ክሃንጹ ዝሕግዞም ውጥን ንምቕራብ ዝዓለመ እዩ” ኢሎም፥ እቶም ተመህሮ ዘቕርብዎ መምርሒ፥ “ብመርበብ ዝንበ ዝኸውን መጽሓፍ ገይሮም ንምቕራብ ብቐጻሊ ብክሱት ናይ ምስማዐ ርእየት ኣገባብ ኣቢሎም ዓውደ ርክባቶም ቕጽሉ እዮም” ኢሎም።

Photogallery

ሰብኣዊ ሕውነት፡ መንእሰያት ንመናብርተ ጥበብ ዝኸውን መምርሒ ምትሕብባር የዳልዉ
17 February 2024, 16:51