ድለ

ጉተረሽ፡ ሰብኣዊ መሰላት ንሰላም ዓለም መሰረት እዩ ጉተረሽ፡ ሰብኣዊ መሰላት ንሰላም ዓለም መሰረት እዩ  (ANSA)

ጉተረሽ፡ ሰብኣዊ መሰላት ንሰላም ዓለም መሰረት እዩ

ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረሽ ኣብ ዓለም “መዓልታዊ ውሕስነት እናነከየ” ይኸይድ ከምዘሎ ብምጥንቃቕ፡ መንግስታት “ኣብ ሰብኣዊ መሰላት ዝተሰረተ ሰላምን ጸጥታን” ንምርግጋጽ ክዓዩ ጻውዒት የቕርብ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዕለት 26 ለካቲት ኣብ መኽፈቲ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት፡ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረሽ፡ ኣብ ዓለም “መዓልቲ ውሕስነት እናነከየት” ይኸይድ ምህላዉ ኣጠንቂቑ፡ ኣብ መላእ ዓለም “ልዕልና ሕግን ሕግታት ኲናትን” ይዳኸም ኣሎ፡ “ካብ ዩክሬን ክሳብ ሱዳን፡ ክሳብ ሚያንማር፡ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎን ቓዛን፡ ኣብ ግጭት ዝሳተፋ ወገናት፡ ንኣህጉራዊ ሕጊ፡ ንውዕላት ጀነቫ፡ ዋላ’ውን ንቕዋም ሕቡራት ሃገራት ሸለል ምባል ዝረአ ጥራሕ ዘይኮነ ይጠሓስ እውን ኣሎ” ከም ዝበለ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ብፍላይ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬን ዘካየደቶ ወራርን ወተሃደራዊ ስርሒታት እስራኤል ኣብ ቓዛን ብዝምልከት፡ ኣብ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ሓድነት ዘይምህላዉ እውን ኣመልኪቶም። ኣብ ቤት ምኽሪ ዘሎ ምርሕሓቕን ኣብ ሓድነትን ንስልጣን ናይቲ ሕጋዊ ኣካል ዘዳኽምን “ምናልባት ንሞት” ከሰጋግሮ ከም ዝኽእል ኣጠንቂቑ፣ እቲ ቤት ምኽሪ “ኣብ ኣቃውምኡን ኣገባብ ስርሑን ከቢድ ጽገና የድልዮ ኣሎ” ከም ዝበለ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ሰብኣዊ መሰላትን ሰብኣዊ ሕግን ንጹር እዩ

ጉተረሽ ኣብ ቓዛ ተኹሲ ደው ክብልን ኩሎም ጅሆ ዝተታሕዙ ሰባት ብቕልጡፍን ብዘይ ቅድመ ኩነት ናጻ ክልቐቑን ጸዊዑ። ማዕረ ማዕሪኡ ድማ ኣህጉራዊ ሰብኣዊ መሰላትን ሰብኣዊ ሕግን ንጹር ምዃኑን፡ “ብሓደ ወገን ዝፍጸም ግህሰት ነቲ ካልእ ወገን ካብ ምኽባር ነጻ ከምዘይገብሮ” ኣመልኪቱ።

“ብዘስካሕክሕን ተደጋጋምን ጥሕሰት ኣህጉራዊ ሰብኣውን ሰብኣዊ መሰላትን ሕጊ ክንደናገር የብልናን” ዝበለ ጉተረሽ፣ “ኣህጉራዊ ሕጊ ምጥሓስ ንዘይውሕስነት ጥራይ እዩ ዝደልድልን ውጽኢቱ ድማ ዝያዳ ደም ምፍሳስን እዩ ዝኸውን” ከም ዝበለ ዝገለጸ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ምሕላውን ምኽባርን ሰብኣዊ መሰላት ንኹሉ ሰብ ውሕስነት ዝህብ ምዃኑ ገሊጹ፡ “ንሰብኣዊ መሰላት በርገሳዊ፡ ባህላዊ፡ ቁጠባዊ፡ ፖለቲካውን ማሕበራውን - ንሰላምን ጸጥታን ዝምልከት ስለዝኾነ፡ ብዕቱብ ጻዕርታት ኣብ ኣተገባብራን ተሓታትነትን ዝድገፍ ሓድሽ ተወፋይነት ብህጹጽ የድልየና” ኢሉ።

ኣብ ሰብኣዊ መሰላት ዝተሰረተ ሰላምን ድሕንነትን

ነዚ ንምትግባር ድማ ሕቡራት ሃገራት ምስ ላዕለዋይ ሽማግለ ሰብኣዊ መሰላት ብምትሕብባር "ዘጋጥምን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ምክልኻልን ንምልላይን ንምምላስን" ሓድሽ "ዝክረ ነገር ምክልኻል" ኣዊጁ ኣሎ።

ብተመሳሳሊ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ መንግስታት “ኣብ ሰብኣዊ መሰላት ዝተሰረተ ሰላምን ጸጥታን ንምርግጋጽ ኣበርቲዖም ክዓዩ ቃል ክኣትዉ ኣለዎም” ብምባል ነቲ ዝመጽእ “ንኸምዚ ዝኣመሰለ ዳግመ ቃልሲ ዕድል” ዝህብ ክኸውን ኣለዎ፥ ብፍላይ ኣብቲ ዋዕላ ዝዝረበሉ ዝክረ ነገር ንሰላም “ብኹሉ መልክዑ ዓመጽ ንምክልኻልን ንምውጋድን መንጽር ሰብኣዊ መሰላት ይጥቀም” ከም ዝበለ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ሰብኣዊ መሰላት ቀዋሚ እዩ

ጉተረሽ ኣብ መደምደምታ መደረኡ “ዓለምና ብዘደንጽው ፍጥነት ትቕየር ኣላ” ብምባል ኣመልኪቱ፡ “ምብዛሕ ግርጭታት ናብ ተራእዩ ዘይፈልጥ ስቓይ ይመርሕ እኳ እንተኾነ፡ “ሰብኣዊ መሰላት ቀዋሚ እዩ። ንመፍትሒ ኣሚቱ ንዝግበር ጻዕርታት ጥምረት ይህብ ሰላማዊ ዓለም ንዝብል ተስፋታትና መሰረታዊ እዩ“ .

ከምኡ’ውን ንኹሉ ሰብ፡ “ብሓባር” “ነዚ ዕድል እዚ ተጠቒሙ፡ ንደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ብማዕረ ሰላምን ሰብኣዊ መሰላትን ንምስፋሕ” ከም ዝዓደሙ ኣፍሊጡ።

28 February 2024, 14:53