ድለ

ጸብጻባት ምዕባለታት ዛዕባ ቶኽሲ ደው ናይ ምባል ዘተ ጸብጻባት ምዕባለታት ዛዕባ ቶኽሲ ደው ናይ ምባል ዘተ 

ጸብጻባት ምዕባለታት ዛዕባ ቶኽሲ ደው ናይ ምባል ዘተ

ሓደ እስራኤላዊ በዓል መዚ ኣብ ፈረንሳ ብዛዕባ ኣብ ሞንጎ ሓማስን እስራኤልን ተኹሲ ደው ንምባል ዝተኻየደ ዓውደ ዘተ ፍርያም ምንባሩ ይሕብር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ብሓላፊ ትካል ስለያ እስራኤል ማለት ሞሳድ፥ ዴቪድ ባርነያ ዝምራሕ ልኡኽ እስራኤል ዝሓለፈ ቀዳም ዕለት 24 ለካቲት ድሕሪ እቲ ኣብ ሞንጎ እስራኤልን ሓማስን ቶኽሲ ደው ናይ ምባል ዝክረ ነገር ኣብ ዝተመያየጠ ዓውደ ዘተ ናብ እስራኤልም ከም እተመስለን ኣብቲ ብልኡኻት ቀጠርን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ሸምጋልነት ዝተገብረ ዝርርብ ምዕባሌታት ኣሎ እውን ከም ዝበለ ምንጭታት ሓበሬታ እስራኤል ይሕብራ።

ይኹን እምበር፡ ኣብ መንጎ እስራኤልን ሓማስን ዘሎ ጋግ ንምጽባብ ዝያዳ ስራሕ ከምዘድሊ እውን ናይ እስራኤል መራኸቢ ብዙሓን ከም ዝገለጻን ናይ እስራኤል መራሔ መንግስቲ ቤንጃሚን ኔታንያሁ ናይ ቀረባ ተሓባበርቶም ውጽኢት ናይቲ ኣብ ፈረንሳ ዝተኻየደ ዘተ ሓድሽ ሓበሬታ ክረኽቡ ትጽቢት ይግበር ከም ዘሎ እውን የመላኽታ።

ቁጽሪ ዝሞቱ ሰባት እናወሰኸ ይኸይድ ምህላዉ ይንገር

ሚኒስትሪ ጥዕና ቓዛ ዕለት 24 ለካቲት ኣብ ዝሃቦ ጸብጻብ፡ ኣብ ልዕሊ ቓዛ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ 29,606 ፍልስጤማውያም ከም እተቐትሉ ከልፍጥ እንከሎ፡ ብተወሳኺ፡ እቲ ብሓማስ ዝመሓደር ቤት ጽሕፈት መራኸቢ ቡዝሓን፡ እቲ ግጭት ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ፡ 132 ፍልስጤማውያን ጋዜጠኛታት ብሰራዊት እስራኤል ከምዝተቐትሉ ይሕብር።

ሃገረ ፍልስጤም ኣፍልጦ ክወሃቦ ዝቐርብ ዘሎ ጻውዒት

ዕለት 23 ለካቲት ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ፍልስጤም ነቲ ድሕሪ ኲናት ኣብ ውሽመጥ ቓዛ ዝሓንጸጾ ንድሕነትን ጸጥታን እስራኤል ዝብል ውጥን ቤንጃሚን ኔታንያሁ ብምንጻግ፣ ብኻልእ ወገን ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ፍልስጤም፡ ዋሽንግተንን ማሕበረሰብ ዓለምን ንሃገረ ፍልስጤም ኣፍልጦ ክህቡን ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ምሉእ ኣባልነት ክህልዋ ክደፍእሉ ጻውዒት የቕርብ።

26 February 2024, 15:11