ድለ

ውጽኢት ሕዝባዊ ምርጫ ኣብ ኤል ሳልቫዶር ውጽኢት ሕዝባዊ ምርጫ ኣብ ኤል ሳልቫዶር  (AFP or licensors)

ውጽኢት ሕዝባዊ ምርጫ ኣብ ኤል ሳልቫዶር

ንዝተወደበ ገበን ብትሪ ዝምክት ዘሎ ናይ ኣገልግሎት ዘመሚ ዘብቅዐ ንዳግምይ ምርጫ ዝቐረበ ርእሰ ብሄር ኤል ሳልቫዶር ናይብ ቡከለ ብብዝሒ ድምጺ ዳግማይ ከም እተመርጸ ዜና ቫቲካን ምንጭታት ኤል ሳልቫዶት ጠቒሱ ይሕብር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይብ ቡከለ ብሰማንያን ሰለስተን ሚእታዊት ናይ ድምጺ ፍልልይ ተዓዊቱ ንሃገሩ ንካልኣይ ግዜ ንኽመርሕ ከም እተሓረዩን ኣብ ዝሓለፈ ቀዳማይ ናይ ሓሙሽተ ዓመት ስልጣኑ፡ ኣብ መላእ እታ ሃገር ብፍላይ ድማ ብዛዕባ መጠን ቅትለትን ገበናትን ብሱር በተኻዊ መንገዲ ብምንካይ፡ ኣንጻር እቶም ዕሉላትን ኣሸበርትን ጕጅለታት ዓመጽን ዝምልከት ብዘለዎ ተሪር መርገጺ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ እዚ ወዲ ኣርብዓን ክልተ ዓመት ቡከለ ነቲ ዝጀመሮ ስራሕ ንኽዛዝም ተወሳኺ ሓሙሽተ ዓመት ስልጣን ካብ ህዝቢ ይወሃቦ ከም ዘሎን እቲ ባዕሉ ኣብ 2018 ዓ.ም. ዝፈጠሮ ሓድሽ ሓሳባት ዝስሙ ፖለቲካዊ ውድብ፡ ካብተን ስሳ መናብር ሃገራዊ ባይቶ፡ ሓምሳን ሸሞንተን መናብር ከም እትዓወተን - እዚ ድማ ንዘቕርቦ ፖለቲካዊ መስርሕን ውሳኔታትን ውሕስነት ዝህብ ከም ዝኸውን ይንገር።

ነዚ ዓወት እዚ ዘብጽሖ ድማ ልዕሊ 75 ሽሕ ሰባት ገበነይናታት ህዝብን ሃገርን ዝዕምጹ ኣሸበርትን ብምእሳር ትሕቲ ቅጽጽር ብምታው እዚ ድማ ልዕሊ ሓደ ሚእታዊት ካብ መላእ ህዝቢ ዝምልከት ኮይኑ፡ ከምኡ እውን እቲ ዘተግብሮ ዘሎ ብተደጋጋሚ ዘናውሖ ሕግታት ህጹጽ እዋን ምዃኑ ናይ ኤል ሳልቫድሮ ምንጭታት ዜና ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ኣብ ኤል ሳልቫዶር ተልእኾ ርእሰ ብሔር ዘይሕደስ ኣብ ሓደ እዋን ናይ ኣገልግሎት ዘመን ጥራይ ዝተሓጽረ እኳ እንተነበረ፡ እቲ ገዛእ ርእሱ “ስልጡን መላኺ” ቢሉ ዝገልጽ ርእሰ ብሔር ቡክለ እቲ ካብ 2021 ዓ.ም. እትሒዙ ብደገፍቱ ዝዕብለል ቅዋማዊ ቤት ፍርዲ  ዳግማይ ክምረጽ ዘኽእሎ ውሳኔ ከም ዘጽደቖን ሓድሽ ርእሰ ብሔር ኣብ ወርሒ ሰነ ቃለ መሓላ ክፍጽም ምዃኑ የመላኽት።

07 February 2024, 16:06