ድለ

ኣብ ፓፑዋ ኒው ጊኒ ዓሌታዊ ግጭት ዘስዓቦ ሞትን ማህሰይትን ኣብ ፓፑዋ ኒው ጊኒ ዓሌታዊ ግጭት ዘስዓቦ ሞትን ማህሰይትን  (AFP or licensors)

ኣብ ፓፑዋ ኒው ጊኒ ዓሌታዊ ግጭት ዘስዓቦ ሞትን ማህሰይትን

ድሕሪ እቲ ዕለት 10 ጥሪ ዘጋጠመ "ጸላም ረቡዕ" ዝብል መጸውዕ ዝተወሃቦ ናዕቢ ስዒቡ ኣብ ርእሰ ከተማ ፒኤንጂ ፖርት ሞርስቢ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ኣብ ግብሪ ካብ ዝወዓለሉ እዋን ኣትሒዙ፡ ኣብዛ ደቡባዊ ፓስፊክ እትርከብ ሃገር ሓድሽ ዓሌኣዊ ግጭት ከም እተባርዐ ይንገር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ፓፑዋ ኒው ጊኒ ኣብ መንጎ ተዋጋእቲ ቀቢላታት ብዝተራእየ ሓድሽ ዓሌት መሰረት ዝገበረ ዓመጽ ብውሕዱ 26 ዕጡቓት ተዋጋእትን ካልኦት ቁጽሮም ዘይተረጋገጸ ደቂ ዓዲ ከምዝተቐትሉ ክንገር እንከሎ፡

እዚ ዓመጽ ሰንበት ዕለት 18 ለካቲት ኣብ ርሑቕ ከበሳታት ሃገረ ደቡባዊ ፓስፊክ ኣብ ዝርከብ ኣውራጃ ኢንጋ ዝተፈጸመ ኮይኑ፡ ኣብቲ ነቶም ጎረቤት ንዝኾኑ ዘይኣባላት ዓሌቶም ንምጥቃዕ ዝዳለዉ ዝነበሩ ቀቢላን መሻርኽቶምን ብዝፈጸመዎ መጥቓዕቲ ቁጽሮም ዘይተገልጸ ደቂ ዓዲ እውን ከም እተቐትሉ ናይታ ሃገር ዝተፈላለያ ዜና ማዕከናት ይሕብራ።

ኣብ ፓፑዋ ኒው ጊኒ ዝቕጽል ዘሎ ቀቢላውን ማሕበራውን ወጥሪ

ኣብታ 10 ሚሊዮን ብዝሒ ህዝቢ ዘለዋ ፓፑዋ ኒው ጊኒ ዝተፈላለየ ቋንቋን ባህልን ዘለዎም ኣማኢት ቀቢላታት ዝነብሩላ ሃገር መዛሕቲኦም ድማ ሓረስቶት ከም ዝኾኑን፡ ኣብ ዞባ ኤንግ ዓሌታዊ ግጭት ካብ ዝብገስ ማዕልታት የቑጽር ምህላዉ እውን ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ድሕሪ እቲ ኣብ 2022 ዓ.ም. ዝተኻየደ ኣብ ስልጣን ዘሎ መራሔ መንግስቲ ጃመስ ማራፐ ዳግማይ ኣብ ስልጣኑ ክቕጽል ዘረጋገጸ ህዝባዊ ምርጫ ኣብታ ሃገር ወጥሪ እናተጋደደ ይኸይድ ከም ዘሎን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብዝተለዓለ ቀቢላዊ ግጭት ብዙሓት ሰባት ከም እተቐትሉ እዩ ዝፍለጥ።

ኣብዚ ኣብ ቐረባ ግዜ ዘጋጠመ ዓሌታዊ ግጭት መራሔ መግንስቲ ማራፕ ድሕሪ እቲ ዕለት 10 ጥሪ ኣባይቲ ንግድ ዝተዘመተሉን ማካይን ብሓዊ ዝተቓጸላሉን ብውሑዱ 22 ሰባት ንሞት ዝዳረገ ኣብ ርእሰ ከተማ ፓፕዋ ኒው ጊኒ  ዝተፈጥረ ናዕቢ እዋን ህጹጽ ኵነታት ካብ ዝውጁ ድሕሪ ሓደ ወርሒ ዝተፈጸመ እውን ምዃኑ ይፍለጥ።

“ጸላም ረቡዕ" ናዕቢ ዕለት 10 ጥሪ

ብምኽንያት እቲ ኣብ ረቡዕ መዓልቲ ዕለት 10 ጥሪ ዝተፈጸመ ቀቢላዊ ቅትለት ስዒቡ "ጸላም ሮቡዕ" ተባሂሉ ዝተሰየመ ናዕቢ፡ ሓይሊ ጸጥታን ካልኦት ናይ መንግስት ሰራሕተይናታት ደሞዞም ብፍርቂ ከምዝነከየ ምስ ፈለጡ ነዚ ናይ መንግስቲ ውሳኔ ብምቅዋም ድሕሪ ዘለዓዓልዎ ህዝባዊ ናዕቢ ዝተበገሰ ክኸውን እንከሎ መራሔ መንግስቲ  ማራፔ፡ እቲ ምጉዳል ደሞዝ ብሰንኪ ምምሕዳራዊ ጌጋ ምዃኑ ብምሕባር ኣብ ወርሒ ለካቲት ክእረም እዩ እንክብል ቃል ከም ዝኣተወ ዜና ቫቲካን ኣመላኺቱ፥ ጳጳሳት ፓፑዋ እቲ ዓመጽ ከምዘሕዘኖምን ኣብ ጉጅለታት ጸሎትን ኣገልግሎት መንእሰያትን ዝነጥፉ ሓያሎ ካቶሊካውያን ኣብቲ ዕንወት ከም እተጸምበሩ ምስ ፈለጡ ኣዚዮም ከም ዝሓዘኑን ካብዚ ከምዚ ዓይነት ሃገርን ህዝብን ዘናውጽ ናዕቢ ካቶሊካውያንን ሰብ ጽቡቕ ድላይን ክቑጠቡ ድማ ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ኣፍሊጡ።

በቲ ዓመጽ ዝጓሃዩ ጳጳሳት

ኣቦ መንበር ጉባኤ ካቶሊካውያን ጳጳሳቲ ፓፑዋ ኒው ጊኒን ደሴታት ሰሎሞንን ካርዲናል ጆን ሪባት እቲ ፍጻመታት ዕለት 10 ጥሪ ንመንግስትን ነታ ከባብያዊት ቤተ ክርስቲያንን መጠንቀቕታ ኮይኑ ከገልግል ከም ዘለዎ ኣመልኪቶም፥ "ንስራሕን ማሕበራዊ ድሕነትን ዝምልከት ክውንነታዊ መምርሕታት ክህሉ ኣለዎ" ከም ዝበሉን፡ ኣብ ቀረባ እዋን ምስ ኤሺያን ኔውስ ኣገልግሎት ዜና ቃለ መሕትት ዘካየዱ ዋና ጸሓፊ ጉባኤ መንበረ ጵጵስና ፓፑዋ ኢጣልያዊ ወንጌላዊ ልኡኽ ኣባ ጆርጆ ሊቺኒ ዜጋታትን ኣብያተ ክርስቲያናትን መንግስትን ማዕረ ተሓተትቲ ናይቲ ዓመጽ ምዃኖም ገሊጾም፣ ገለ ሓደስቲ ወንጌላውያንን ጴንጠቆስጣውያንን ማሕበረሰባት እውን “እታ ሃገር ናብ ዓዘቕቲ ሃይማኖት መሰረት ዝገበረ ምስሕሓብ ከእትዉ ፈቲኖም” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ኣብ ኦቻይና ካብ ዘለዋ ድኻታት ሃገራት ሓንቲ

ፓፑዋ ኒው ጊኒ፡ ሓንቲ ካብተን ዝደኸያ ሃገራት ኦቻይና ኮይና፡ ኣስታት ሓደ ሲሶ ህዝቢ ትሕቲ መስፈርቲ ድኽነት ዝነብር ከም ዝኾነን ማሕበራዊ ዘይምዕሩይነትን ልዑል መጠን ገበንን እውን ክብ እናበለ ይኸይድ ከም ዘሎን ኣብዚ ዝለዓለ ናህሪ ዋጋን መጠን ሽቕለት ኣልቦነትን ኣብ ዝረኣየሉ ዘሎ ቁጠባዊ ምንቁልቋል፡ መራሔ መንግስቲ ማራፐ ካብ ብዙሓት ጉጅለታት ዝያዳ ጸቕጥን ቁጥዐ ህዝብን የጋጥሞ ከም ዘሎን፥ ጎረቤት ሃገራት ኣውስትራልያን ቻይናን እታ ሃገር ኣብ ስነ ፖለቲካዊ ኣቀማምጣ መልክዓ ምድራዊ ዘለዋ ኣገዳስነት መሰረት ኣብቲ ዞባ ጽልዋ ንምጋር ኣብ ዝውድራሉ ዘለዋ እዋን፡ ውሽጣዊ ጸጥታ ንመንግስቲ ፓፑዋ ብድሆ ይኸውን ኣሎ።

20 February 2024, 16:33