ድለ

ህጻናት ቓዛ ዘስካሕክሕ ህላወ ይጻወሩ! ህጻናት ቓዛ ዘስካሕክሕ ህላወ ይጻወሩ!  (AFP or licensors)

ህጻናት ቓዛ ዘስካሕክሕ ህላወ ይጻወሩ!

ኣብ ቓዛ ግጭት ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ፡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ህጻናት ንሰፊሕ መጉዳእትን ምዝንባልን ዝተለለየ ዘጨንቕ ፍጻሜታትን ስንባደን ተቓሊዖም ይርከቡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ሰሜን ቓዛ ልዕሊ 300 ሽሕ ዝግመት ህዝቢ ናብ ዘስካሕክሕ ህላወ ኣንቆልቊይሉ ይርከብ። ኣብ ደቡብ፡ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ዝግመት ህዝቢ ገዛእ ርእሱ ንምድሓን ኣብ ዝኽለሉ ራፋሕን ከባቢኣን ኣብ ዝርከቡ ቦታታት ተዓጽዩ ከም ዘሎ እውን ይንገር።

ኲናት ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ ልዕሊ 250 ሽሕ ቶን ዝግመት ሰብኣዊ ሓገዝ ዘጓዕዛ ልዕሊ 13 ሽሕ ናይ ጽዕነት መካይን ናብ ወሽመጥ ቓዛ እኳ እንተኣተዋ፡ እቲ ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዝ፡ መድሃኒትን ካልእ ኣገዳሲ ነገራትን ነቲ ንስቓይ ዝዳረግ ዘሎ መላእ ህዝቢ ጠለባት ንምርዋይ እኹል ከም ዘይኮነ እውን ይንገር።

ኣብ መስርሕ እዚ ግጭት ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ህጻናት ቆሲሎምን ሞይቶምን እዮም። ማእለያ ዘይብሎም ህጻናት ብሓዊ ባርዕ ዝተቓጸሉ ክትርዮ ዘሰንብድ ክፉት ቁስልን ካልእ ከቢድ መጉዳእትን የጋጥሞም ከም ዘሎ ናይ ረድኤት ትካላት ንኣባይቲ ሕክም ከም ዝሓበራን። ዝተፈላለየ ዘድልዮም ሰብኣውን ስነ ኣእምሮኣውን ሓገዝ ዝተነፍጉ ኮይኖም ከም ዘለዉ እውን የመላኽታ።

ኣብ ልዕሊ ህጻናት ዘጋጥምን እናወሰኸን ዝኸይድ ዘሎ ሕማም

ዩኒሴፍ - ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፥ ንህጹጽ ረድኤት ህጻናት መዋሊ ኣህጉራዊ ትካል ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፥ ኣብ ህጻናት ሕማም ተምላስ ኣዝዩ ይውስኽ ከምዘሎ ክሕብር እንከሎ፡ ረስኒ፡ ካብ ስእነት ክንክን ጥዕና ዝመጹ ዝተፈላለዩ ሕማማትን ከምኡ እውን በዲዶ፡ ረስኒ ቆርበትን ረኽሲ ስርዓተ ምስትንፋስን ክብ እናበለ ይኸይድ ምህላዉ ክሕብር እንከሎ፡ ነቲ ጉዳይ ዘጋድዶ ዘሎ ድማ፡ ኣብ ወሽመጥ ቓዛ ኣብ ህጻናትን ነፍሰጾራትን ዘጡባ ደቂ ኣንስትዮን ሕጽረት መግቢ ብዓቢኡ ክብ ብምባሉን ናይዚ ኩሉ ሳዕቤን ድማ እቲ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ኩናት ምዃኑን የመላኽት።

26 February 2024, 15:01