ድለ

ትካላት ሕቡራት ሃገራት፡ ሓገዝ ኣድሕን ህይወት ናብ ቃዛ ዝያዳ ተበጻሒ ምግባር ትካላት ሕቡራት ሃገራት፡ ሓገዝ ኣድሕን ህይወት ናብ ቃዛ ዝያዳ ተበጻሒ ምግባር 

ትካላት ሕቡራት ሃገራት፡ ሓገዝ ኣድሕን ህይወት ናብ ቃዛ ዝያዳ ተበጻሒ ምግባር

ኣህጉራዊ ትካላት ሰብኣዊ ረድኤት ነቶም ዝተጎድኡ ንምሕጋዝን ጥሜትን ሕማማትን ንምክልኻልን ህጹጽ መድሃኒትን መግብን ኣዝዩ ንዘድልዮ ህዝቢ ቓዛ ተበጻሒ ክኸውን ጻውዒት የቕርብ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ሓለፍቲ መርሓ ግብሪ መግቢ ዓለም፣ ኣድሕን ሕጻናትን ውድብ ጥዕና ዓለምን፡ ናብ ቓዛ ኣዝዩ ዘድሊ መግብን መድሃኒትን ናብቲ ኣብኡ ዘሎ ህዝቢ ተበጻሒ ምግባር ህጹጽ ምዃኑ ጻውዒት ከም ዘቕረቡን እዚ ሕጂ ዘሎ ናይ ምእተዊ መንገድታትን ገደባትን፡ ንዝተጎድኡ፡ ዝሓመሙን ዝጠመዩን ንምሕጋዝ ዋላ ዝተሓተ ቀረብ ተበጻሒ ንምግባር ዘለዎም ዓቕሞም የዛሕትሎ ከም ዘሎ ሓቢሮም፡ ዕለት 15 ጥሪ ናይ ግብረ - ሰናይ ትካላት ኣብ ቓዛ ዘሎ ጥሜትን ቀታሊ ሕማምን ንምውጋድ "ዝሓሸ ረድኤትን ዝያዳ መስመራት ቀረብን" ከም ዘድሊ ዘጕልሕ ሓባራዊ ጋዜጣዊ መግለጺ ከም ዘውጸኣን፥ ጕድለት ዝተመጣጠነ መግቢ ይሰፍሕ ምህላውን "ሕጽረት ምግብን ጽሩይ ማይን ሕክምናዊ ሓገዝን ብፍላይ ኣብ ሰሜናዊ ከባቢ ብዝያዳ ዝርአ ከም ዝኾነን፡ "ነቶም ዝተሸገሩ ሰባት ናይ ኣገልግሎት ቦታታት ንምቛም ዝግበር ጻዕርታት ብደብዳብ ምኽያት ዝቐያርየ ብምዃኑ ነቲ ዝቐርብ ሓገዝ የተዓንቕፍ ምህላው ይሕበር። ኣብ ቓዛ ዝርከቡ 335 ሽሕ ትሕቲ 5 ዓመት ዝዕድሚኦም ህጻናት ንህይወቶም ኣብ ሓደጋ ዘእቱ  ዘጓንፎም ዘሎ ሕጽረት መግቢ ጽንኩር ምዃኑ እቲ መግለጺ ይሕብር። እቲ ተጻብኦታት ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ፡ ትካላትን መሻርኽትን ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ነቲ ኣብ ቓዛ ዝርከብ ስርዓተ ጥዕና መሳርዕ ሕክምናን መድሃኒት፡ ነዳዲ ብምቕራብ ከምኡ’ውን ምውህሃድ ናይ ህጹጽ ሕክምናዊ ጉጅለታት ብምቛም ክሕግዙ ይፍትኑ ከምዘለዉ ዜና ቫቲካን ነቲ መግለጺ ጠቒስ የመላኽት።

ትካላት ሕቡራት ሃገራት "ነዚ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝኾነ ብዙሕ ትካላት ዝሓቖፈን ሰብኣዊ ስርሒት ክውን ንምግባር ሰብኣዊ ሓገዝ ንምቕራብ ተኹሲ ደው ምባል" ዝብል ጻውዒት ደጊመን የቕርባ።

ወሃቢ ቃል ውድብ ጥዕና ዓለም ታሪክ ጃሻረቪች ብዛዕባ ህልው ኩነታት ቓዛ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትትት፥

እቲ ዘሎ ኩነታት ንህዝቢ ቓዛ ኣዕናዊ እዩ። ኣገልግሎት ጥዕና ክውሕድ እንከሎ፡ እቶም ኣገልግሎት ጥዕና ዘድልዮም ሰባት ድማ እናበዝሑ እዮም ዝኸዱ ዘለዉ። ስለዚ እቲ ደብዳብ ክሳብ ዝቕጽል ናይ ዝቖስሉን ዝሞትን ኩጽሪ እናዓበየ እዩ ዝኸይድ፡ ድሮ ቁጽሪ ናይቶም ዝተቐትሉ ሰባት ልዕሊ 24 ሽሕ ከምዝኾነን ካብኣቶም ድማ 70 ሚታዊ ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ከም ዝኾኑን እዚ ድማ ልዕሊ 1 ሚታዊ ብዝሒ ህዝቢ ቓዛ ዝሽፍን እዩ።

እቶም ዝተጎድኡ ኣብ ኣባይቲ ሕክምና ክንክን ክግበረሎም ይግባእ እንተኾነ ግን ካብ ጠቕላላ 36 ኣባይቲ ሕክምና ኣብ ቓዛ እተን 15 ጥራይ እየን ብኸፊል ዝሰርሓ ዘለዋ፡ ብዙሓት ካብኣተን ድማ ብሓቂ ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ዝነበራኦ ብሰራሕተይናታት ጥዕና ጥራይ ኣገልግሎት ዘቕርባ ዘለዋ። ዝተጎድኡ ኣፋውስ ዘድልዮም ሕክምና ዘድልዮም ካልኦት እውን ኣብኡ ዝተዓቕቡ ብዙሓት እዮም።

እቲ እንኮ ሓቀይ ፍታሕ ተኹሲ ደው ናይ ምባል ህጹጽ ውሳኔ እዩ፡ ምኽንያቱ ቦምባታት ኣብ ልዕሊ ቓዛ ክሳብ ዝዘንብ፡ ናይ ዝህይሰዩን ናይ ሞት ሓደጋ ዘጋጥሞምን ብዝሒ እናዓበየ እዩ ዝኸይድ!

ንሕና ከም ሰብኣውያን ክንገብሮ እንኽእል ነሳልጥ ኣሎና፡ ነቶም ዝተጸገሙ ክንድግፍ ምፍታንን ነቲ እንርእዮ ክንገልጽ ንፍትን። እዚ ድማ ካብ መጀመርታ ካብ እስራኤል ጅሆ ዝተታሓዙ ብቕልጡፍ ናጻ ክልቀቑ ንጽውዕ ሰብኣዊ ኩነታት ቓዛ ትኩረት ክግበረሉ ከም ዝግባእን ኣብ ጎኒ እቶም ዝሳቐዩ ዘለዉ ክንከውን ኣለና።

ኣብ ቓዛ መዓልታዊ ሰባት ይሞቱ፡ ህጻናት ይቕተሉ፡ ደቂ ኣንስትዮ ይቕተላ ኣለዋ። እዚ ደው ክብል ይግባእ። ፖለቲካዊ ፍታሕ ክህሉ ይግባእ። ኣብ ቓዛ ህይወት ንጹሃት ምጥፋእ ደው ከብልን ናብቲ ተኹሲ ደው ምባል ንምብጻሕን ናብቲ ንሕናን ካልኦትን ኣብ ውሽጢ ቓዛ ተግባራዊ ኣገልግሎት ጥዕና ንምርግጋጽ ዘድልየና ሰብኣዊ ቦታ ንምብጻሕን ፍታሕ ንምርካብ ካብ ማሕበረሰብ ዓለም እኹል ጸቕጢ የድሊ።

ንሕና ከም ሰብኣውያን ትካላት ክንገብሮ እንኽእል ኢና ንገብር ዘለና። ነቶም ዝተጸገሙ ክንድግፍ ምፍታንን ነቲ እንርእዮ ክንገልጽ ምፍታንን እዩ። እዚ ድማ ካብ መጀመርታ ካብ እስራኤል ዝተወስዱ ጅሆታት ብቕልጡፍ ክፍትሑ ኣብ እንጽውዕሉ ዝነበርና እዋን ኣትሒዝና ክንገብሮ ዝጸናሕና እዩ። ሽዑ ሰብኣዊ ኩነታት ቓዛ ከነተኩረሉ ዝግበኣና ነገር ኮይኑ ብሓቂ ድማ ኣብ ጎኒ እቶም ዝሳቐዩ ዘለዉ ክንከውን ኣለና፣ ስቓይ ደቂ ሰባት ድማ ኣበይ ይፍጸም ብዘየገድስ ስቓይ ደቂ ሰባት ምዃኑ ብምስትውዓል ነቲ ስቓይ ንምእላይ እዩ ክስራሕ ዘለዎ። ኣብ ውሽጢ ልዕሊ ሰለስተ ወርሒ ሓደ ሚእታዊት ህዝቢ ቓዛ ተቐቲሉ እዩ ኢሎም።

17 January 2024, 15:56